ኮቪድ-19፡ ክታበት ኮሮናቫይረስ ትነጽጎ ዘላ ሃገር

ስእሊ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን

ምንጪ ስእሊ, AFP

ንኣዋርሕ መንግስቲ ታንዛኒያ፡ እታ ሃገር ካብ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናጻ ከም ዝኾነትን ክታበት ንምውሳድ መደብ ከም ዘይብላን ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።

እንተኾነ፡ እቲ ቫይረስ የለን ብዝብል ዝርግሕኡ ከይሰፍሕን ዘይተፈልጡ ተሰከምቲ እቲ ሕማም ከይበዝሑን ዝሰግኡ ብዙሓት ኣለው።

ደረቕ ሰዓልን ጣዕሚ ምስኣንን ዝበሉ እናተሰምዖ ካብ ስራሕ ናብ ገዝኡ ዝተመልሰ ፒተር [ሽሙ ዝተቐየረ] ድሕሪ ሓደ ሰሙን ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ፤ እንተኾነ ኣብ ውሽጢ ሰዓታት ሞይቱ።

ፒተር፡ መርመራ ኮሮናቫይረስ ኣይተገብረሉን። ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ መንግስቲ ታንዛኒያ እታ ሃገር "ካብ ኮቪድ-19 ናጻ እያ" ይብል ስለ ዝነበረ፡ ንኣዋርሕ ብዝሒ መልከፍቲ ወይ በቲ ቫይረስ ዝስዓበ ሞት ዝሕብር ሰነዳት ኣይሰነደን ነይሩ።

ሕጂ'ውን ብጣዕሚ ውሑድ መርመራ ኮሮናቫይረስ ክትገብር እንከላ፡ ክታበት ንምውሳድ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ምድላው ግን የብላን።

ካብዚ ብዝብገስ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሓቃዊ ምስሊ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ምፍላጥ ኣጸጋሚ ኮይኑ፡ ብዛዕባ እዚ ቫይረስ ኣፍ ኣውጺኦም ክዛረቡ ዝኽእሉ ሰባት ከኣ ኣዝዮም ውሑዳት'ዮም።

ከም በዓል፡ በዓልቲ ቤት ፒተር ዝበሉ ብምኽንያት ሞት ኣባል ስድርኦም ዝሓዝኑ ሰባት ጥራሕ፡ መቕርባቶም ብኮሮናቫይረስ ይመቱ ከም ዝህልው ይኣምኑ።

ብዙሓት ስድራቤታት ታንዛኒያ ተመሳሳሊ ጸገም'ኳ እንተኣጋጠሞም፡ ካብ መንግስቲ ክበጽሖም ዝኽእል ጸቕጢ ሰጊኦም ግን ክዛረቡ ኣይኽእሉን።

መንግስቲ ብሪጣኒያ፡ ካብ ታንዛኒያ ዝመጽኡ ገያሾ ከይኣትውዋ ክትኽልክል እንከላ፡ ኣመሪካ ብወገና ናብ ታንዛኒያ'ውን ጉዕዞ ከይግበር ኣጠንቂቓ ኣላ።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ጀሚሩ፡ ፕሬዝደንት ጆን ማጉፉሊ እታ ሃገር ካብ "ኮሮናቫይረስ ናጻ" እያ ኢሉ ክእውጅ እንከሎ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም ኣናኢሱዎ፤ ብሱሩ'ውን መርመራ ይሰርሕ ድዩ ዝብል ተጠራጢሩዎን ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ንምቁጽጻርን ንምክልኻልን ስጉምታት ንዝወሰዳ ጎረባብቲ ሃገራት ኣባጭዩለንን እዩ።

ብተወሳኺ ፕሬዝደንት ማጉፉሊ፡ ዝኾነ ዓይነት መረጋገጺ እንከይሓዘ ክታበት ኮሮናቫይረስ ጎዳኢ ክኸውን ስለ ዝኽእል፡ ታንዛንያውያን ዝፈልሐ ማይን ባህላዊ መድሓኒታትን ክጥቀሙ ኣለዎም ኢሉ ኣጠንቂቑ'ዩ።

እንተኾነ ውድብ ጥዕና ዓለም እዚኦም ኮሮናቫይረስ ይከላኸሉ'ዮም ኢሉ ኣየጽደቐን።

ማጉፉሊ ግን፡ "ጸዓዱ ክታበት ኮሮናቫይረስ ክረኽቡ እንተኽኢሎም፡ ናይ ኤችኣይቪ፣ መንሽሮን ሕማም ዓባይ ሰዓልን ክታበታት'ውን ሕጂ ክረኽቡ ኣለዎም" ኢሉ ይነቅፍ ኣሎ።

እንተ ውድብ ጥዕና ዓለም ግን "እቲ ክታበት ይሰርሕ'ዩ፤ ስለዚ መንግስቲ ታንዛኒያ ዜጋታቱ ንክኽተቡ ጎስጓስ ንምግባር ክዳሎ ኣለዎ" ይብል።

ሚኒስትሪ ጥዕና ዶሮቲ ግዋጂማ ግን ንሓሳብ ማጉፉሊ ደጊፋ "እቲ ሚኒስትሪ ዝኾነ መድሃኒት ዝቕበለሉ ናይ ባዕሉ መስርሕ ስለ ዘለዎ፡ በቲ ፍርያት ምስ ዓገብና ኢና እንውስን" ኢላ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ድማ፡ ዝንጅብል፣ ሽንጉርቲ፣ ለሚንን ቃርያን ብሓባር ጥሒንካ ምስታይ መድሃኒት'ዩ ዝብል ብተግባር ዝተደገፈ ግን ድማ ብሳይንስ ዘይተረጋገጸ ጉዳይ ንህዝቢ ተርኢይ ነይራ።

"ውልቀ ጽርየትና ክንሕሉ፣ ኢድና ብማይን ሳሙናን ክንሕጸብ፣ ባህላዊ መድሃኒታት ክንጥቀም፣ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክንገብር፣ ዝተመጣጠነ መግቢ ክንምገብን ብዙሕ ማይ ክንሰትን ጥራሕ እዩ ዘለና" እውን ኢላ።

እታ ሚኒስትር፣ እቲ ፕሬዝደንትን ካልኦት ሰለስተ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስትን ጥራሕ እዮም ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ኮቪድ-19 ሓበሬታ ክህቡ ዝኽእሉ ክብል ፕሬዝደንት ማጉፉሊ መምርሒ ኣውሪዱ እዩ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ዶሮቲ ግዋጂማን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ ታንዛኒያን
መግለጺ ስእሊ, ሚኒስትሪ ጥዕና ዶሮቲ ግዋጂማን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ ታንዛኒያን

እንተኾነ፡ መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ነቲ ዝነበረ ስቕታ ሰይሮም ህዝቢ ዝርግሐ እተ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዝወሃቡ መምርሒታት ከተግብር ኣተሓሳሲቦም።

"ኮሮናቫይረስ ኣየብቅዐን። ዕሽሽነት ኣይነብዝሕ፤ ንነብስና ክንሕሉ ስለ ዝግባእ ኣእዳውና ብማይን ሳሙናን ንተሓጸብ። መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን'ውን ክንገብር ይግባእ" ኢሉ ጳጳስ ዳሬሰላም ዩዳ ታዲ ሩዊቺ።

መንግስቲ ንዝርግሐ እቲ ቫይረስ ጠሚቱ ዝህቦ ዝርዝር ሓበሬታ ብዘይምህላዩ፡ ምስ ህዝቢ ብግልጺ ንምዝርራብን ግንዛብኡ ክቕይር ክተተሓባብሮን ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ ብዛዕባ ሃለዋት ኮሮናቫይረስ ሙሉእ ንሙሉእ እንተዘይክሓደ'ውን፡ እቲ ቫይረስ ኣብታ ሃገር ክህሉ ይኽእል እዩ ዝብለሎም ኣጋጣሚታት ኣለው'ዮም።

ብወርሒ ጥሪ፡ ዴንማር ክልተ ኣብ ታንዛኒያ ዝበጽሑ ዜጋታታ በቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ተራእዮ ዘሎ ኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ምስ ገለጸት፡ ፕሬዝደንት ማጉፉሊ ነቶም ናብ ሃገራት ወጻኢ ጉዕዞ ብምግባር "ሓድሽ ዘይፍለጥ ኮሮና የምጽኡልና ኣለው" ክብል ነቒፉ እዩ።

ኣብ ክልተ ሆስፒታላት ተዘዋዊሩ ዝተዓዘበ ጸሓፊ ሚኒስትሪ ጥዕና ፕሮፌሰር ማቡላ ምቼምቤ ጸገማት ስርዓት ምትንፋስ ዝነበሮም ሕሙማት ብጸቕጢ ደም፣ ሕማም ኩሊትን ኣዝማን ይጥቅዑ ምንባሮም ተዛሪቡ'ዩ።

ጽንሕ ኢሉ እቲ ሚኒስትሪ ብወግዓዊ ናይ ትዊተር ገጽ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ኩሎም ኣብ ሆስፒታል ዘለው ሕሙማት ግን ብኮሮና ዝሓመሙ ኣይኮኑን" ብማለት ገለ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ምህላዎም ኣመላኺቱ እዩ።

ብዓርቢ፡ እቲ ፕሮፌሰር፡ ከምቲ ካልአት ዝብሉዎ "ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዘይኮነስ" ሕማም ስርዓተ ምትንፋስ ንምክልኻል ሰባት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ከም ዝጸውዐ ተጸብጺቡ ነይሩ።

ኣብታ ሃገር ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ምህላው ንምርግጋጽን ዜጋታት ክፈልጡዎ ንምግባርን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ከም ሓደ እወንታ ዝውሰድ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰብ መዚ ተቓዋሚ ሰልፊ ኤሲቲ ዋዛሌንዶ ሰይፍ ሻሪፍ ሃማድን በዓልቲ ቤቱን ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ወግዓዊ ምግባሮም'ዩ።

መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ሃማድ ኮነ ንቢቢሲ ርኢይትኡ ክህብ ብተደጋጋሚ ንዘቕረበሉ ፈተነ ዝሃቦ ርኢይቶን ምላሽን የለን።

ኣብዚ ዛንታ በዓል ታሪኽ ዝኾነ ፒተር ናይ ሕማም ስምዒት ኣብ ዝተሰምዐሉ መዓልቲ [2 ጥሪ] ታንዛንያውያን፡ ካብ ሰሜን ምዕራባዊት ከተማ ሞሺ ብዝሰምዑዎ ሓበሬታ ተሰናቢዶም ነይሮም።

ኣመሓደርቲ ሓደ ፍሉጥ ዓለምለኻዊ ቤት ትምህርቲ፡ ሓደ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ተመሃራይ ስለ ዝተረኽበ ብኣካል ዝወሃብ ትምህርቲ ጠጠው ክብል ከም ዝኽእል ዝሕብር መግለጺ ኣውጺኦም ብምንባሮም ይቕሬታ ሓቲቶም።

እዚ፡ ሰብ መዚ መንግስቲ ምስ ኣመሓደርቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ድሕሪ ምርኻቦም ዝተፈጥረ ምዃኑ ስቲዝን ኒውስ ጸብጺቡ።

እቲ ቤት ትምህርቲ፡ "ዝንቡዕ ሓበሬታ ብምምሕልላፉ" ከም ዝተጣዕሰን ንቡር ስርሑ ከም ዝቕጽልን እዩ ገሊጹ።

መንግስቲ ታንዛኒያ፡ ምስዚ ቫይረስ ብዝተሓሓዝ ዋላ ሓደ ዝተፈጥረ ነገር ከም ዘየሎ ኣምሲልካ ክሕለፍ እዩ ዝደሊ ዘሎ።

ይኹን'ምበር፡ ከም በዓልቲ ቤት ፒተር ዝበሉ ግዳያት፡ ኣቐዲሞም ጥንቃቐ ክገብሩ ብዘይምኽኣሎም ግዳያት ይኾኑ ከም ዘለው እዮም ዝኣምኑ።

ኮሮና