ክታበት ኣብ ምምቕራሕ ‘’ሞራላዊ ውድቀት’’ ከየጋጥም ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ

ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምስ ምክፍፋል ክታበት ኮሮናቫይረስ ተኣሳሲሰሩ ዓለምና ሓደገኛ ሞራላዊ ፍሽለት ክብል ኣብ ዝገለጾ ኩነታት በጺሓ ከም ዘላ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረእየሱስ ተዛሪቡ።

ንሱ ኣብ ኣኼባ ፈጻሚ ቦርድ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፡ ብዙሓት ሃብታማት ሃገራት ንናይ ባዕለን ህዝቢ ጥራሕ ብምሕሳብ፡ ነቲ ክታበት እቲ ቫይረስ ንምምቕራሕ ዝወጽአ ኮታ ብምጥሓስ ንድኻታት ሃገራት ኣብ ሓደጋ የውድቐአን ከም ዘለዋ ነቒፉ፡፡

‘‘ዓለምና ኣብ ጫፍ ሞራላዊ ውድቀት በጺሓ ኣላ፤ እቲ ውድቀት ድማ ህይወትን ናብራን ኣብ ድኻታት ሃገራት ዝርከቡ ሰባት እዮም ዋጋ ክኸፍልሉ’’ ብምባል ሻቕሎቱ ገሊጹ።

ብተመሳሳሊ ገለ ሃገራትን ትካላትን ክልተኣዊ ስምምዓት ብምግባር፣ ዋጋ ብምውሳኽን ሪጋ ብምዝላልን ዝኣመሰሉ ተግባራት ብቐጻሊ ይፍጽማ ከም ዘለዋ ሓቢሩ።

እቲ ክፍፍል ክታበት ርትዓዊ ብዝኾነ መገዲ እንድሕር ዘይተፈጺሙ እቲ ለበዳ ንነዊሕ እዋን ክቕጽል ከም ዝኽእልን ከቢድ ቁጠባውን ሰብኣውን ቅልውላው ከም ዘስዕብን ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ኣጠንቂቑ።

‘‘እቲ ‘ኣነ ይገድድ’ ዝብል ኣካይዳ ንድኻታት ሃገራትን ተቓላዕቲ ሰባትን ይጎድእ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንባዕልኻ ምጉዳእ እውን እዩ፡፡ እዚ ተግባር መወዳእትኡ ነቲ ለበዳ፣ ስቓይናን ንእንገብሮ መኸተን ክናዋሕን ሰብኣውን ቁጠባውን ቅልውላው ክውስኽን ጥራሕ እዩ ዝገብር’’ ኢሉ፡፡

ብተወሳኺ ፍትሓዊ ምምቕራሕ ክታበት፡ ስነ ምግባራዊ ግዴታ ዘይኮነስ ስትራተጂካውን ቁጠባውን ከም ዝኾነ ዶ/ር ቴድሮስ ገሊጹ፡፡

ዓለማዊ ኩነታት ኮቪድ-19

ዛጊድ ኣብ ልዕሊ 190 ሃገራት ንዝርከቡ ልዕሊ 95 ሚልዮን ሰባት ዘጥቀዐን 2 ሚልዮን ዝቐተለን ኮሮናቫይረስ ሕዚ’ውን ብናህሪ ይላባዕ ምህላዉ ይፍለጥ።

እቲ ቫይረስ ኣብተን ፈላማይ ማዕበል እቲ ለበዳ ኣብ ምክልኻል ዕዉት ስራሕ ዝሰርሓ ሃገራት ከይተረፈ እዩ ዝውስኽ ዘሎ፡፡

ልዕሊ 359 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ዝሞትዋ ኣመሪካ ዝበዝሐ ሞት ዝተመዝገበላ ሃገር ኮይና ልዕሊ 209 ሽሕ ዜጋታታ ዝቐበረት ብራዚልን ልዕሊ 152 ሽሕ ሰባት ዝሞትዋ ህንድን ተኸታቲለን ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ተሰሪዐን ኣለዋ።

ኮሮና