ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ብራዚል ዝተፈተነ ክታበት ቻይና ውጽኢታውነቱ 50.4 ሚኢታዊት ኮይኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኩባኒያ ቻይና ዝኾነ ሲኖቫክ ዘፍረዮ ክታበት ኮቪድ-19 ኣብ ቤተ ፈተነታት ብራዚል ተፈቲሹ 50.4 ሚኢታዊት ውጽኢታዊ ከም ዝኾነ ተገሊጹ።
ቅድም ኢሉ ወግዓዊ ኣብ ዝኾነ ሓበሬታ ውጽኢታውነት እቲ ክታበት ልዕል ዝበለ'ኳ እንተነበረ፡ ሕጂ ግን ተመራመርቲ ብራዚል ካብ 50 ሚኢታዊት'ውን ብቑሩብ ነጥቢ'ዩ ሓሊፉ ኢሎም ኣለው።
ብራዚል ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝየን ካብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ሓንቲ ኮይና፡ መንግስቲ ብራዚል ንዜጋታቱ ክህቦም ካብ ሞንጎ ዘዳለዎም ክታበታት ኮሮናቫይረስ እቲ ሓደ ናይ ቻይና'ዩ።
ሲኖቫክ ኣብ ቤጂንግ ቻይና ዝርከብ መድሃኒት ዘፍርይ ኩባኒያ ኮይኑ፡ ኮሮናቫክ ዝተባህለ ክታበት ኮቪድ-19 ከም ዘፍረየ ገሊጹ'ዩ።
እዚ ክታበት፡ ካብ ኣካላት ዝሞቱ ተሃዋስያን እቲ ቫይረስ ክስራሕ እንከሎ፡ ተወሳኺ ሕማም ከየስዓበን ነቲ ቫይረስ ከየቃልዐን ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘዕቢ'ዩ ይብሃል።
ሃገራት ኢንዶኔዥያ፣ ቱርክን ሲንጋፑርን ነዚ ክታበት ጠሊበን ኣለዋ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተመራመርቲ ማእከል ምርምር ቡታንታን: ኣብ ብራዚል ውጽኢታውነት እቲ ክታበት ክፍትሹ እንከለው ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ካብ ማእከላይ ክሳብ ከቢድ ምልክት ኣብ ልዕሊ ዘርኣዩ ሰባት ተፈቲኑ 78 ሚኢታዊት ውጽኢታዊ ኮይኑ'ዩ ኢሎም ነይሮም።
እንተኾነ እዞም ተመራመርቲ ትማሊ ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ እቲ ቅድም ኢሉ ወግዓዊ ዝኾነ ውጽኢት ሕክምናዊ ረድኤት ደልዮም ዘይመጽኡን "ማእከላይ ሕማም" ዘለዎምን ሰባት ኣየካተተን ኢሎም።
ስለ ዝኾነ ድማ፡ እቲ ቅድም ኢሉ ዝተገልጸ ውጽኢት ክመሓየሽ እንከሎ: ውጽኢት እቲ ክታበት 50.4 ሚኢታዊት'ዩ ዝኸውን ኢሎም።
እዚ ክታበት ክትትል ሕክምና ዝደልዩ ማእከላይ ሕማም ኣብ ልዕሊ ዘለዎም ሰባት 78 ሚኢታዊት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ክህልዎ እንከሎ፡ ካብ ማእከላይ ክሳብ ጽኑዕ ሕማም ዘለዎም ድማ ክሳብ ሚኢቲ ሚኢታዊት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣለዎ ክብሉ እዞም ተመራመርቲ ኣገንዚቦም።
ክታበት ሲኖቫክ ብመሰረት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተገብረሉ ፈተነ ዝተፈላለየ ውጽኢት'ዩ ኣርእዩ።
ዝሓለፈ ወርሒ ተመራመርቲ ቱርኪ እዚ ክታበት 91.2 ሚኢታዊት ውጽኢታዊ'ዩ ክብሉ እንከለው፡ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚራ እዚ ክታበት እትህብ ኢንዶኔዥያ ድማ 65.3 ሚኢታዊት ውጽኢታዊ'ዩ ኢላ።
ኣብ ብራዚል 8.1 ሚሊየን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም፡ እቲ ክታበት መዓዝ ከም ዝጅመር ግን ዝተፈልጠ ነገር የለን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







