ኣፍጋኒስታን፡ ምትሓዝ ካቡል ንምንታይ እዩ ምስ ኵናት ቬትናምን ምትሓዝ ሳይጎንን ዝመሳሰል ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
መንግስቲ ኣመሪካ ካብ ርእሰ ከተማ ካቡል ሰራዊቱ ኣብ ዘውጽኣሉ ዘሎ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ሄሊኮፕተር ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ናይ ገዛ ዓሊባ ሰባት እናሰቐለት እንከላ ዝተወስደ ናይ ቀደም ስእሊ ሰባት ክቐባበሉላ ትርአ ኣላ። ጎኒ ጎና ኸኣ ሄሊኮፕተር ኣመሪካ ኣብ ካቡል ካብ ዝርከብ ኢምባሲ እታ ሃገር እናዓለበት ዘርኢ እዩ።
እታ ስእሊ ብዙሓት ዝፈልጥዋ ስእሊ እያ።
እተን ስእሊ ክልተ ኮይነን እታ ሓንቲ ናይ 2021 ክትከውን እንከላ እታ ካልኣይቲ ከኣ ናይ 1975 እያ።
እታ ሓንቲ ኣብ 1975 ብሰኣላይ ሄልበርት ቫን ኢስ ዝተሰኣለት ስእሊ ሄሊኮፕተር ኣመሪካ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይ ቬትናም ከተማ ሳይጎን ኣብ ሓደ ናሕሲ ዓሊባ ሰባት እናኣውጽአት ተርኢ እያ።
ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣመሪካ ኣብ ቬትናም ዝተጎልበበቶ ስዕረት ምስቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን'ውን ዘጋጥማ ዘሎ ብምውድዳር እዮም ዘመሳስልዎ ዘለዉ።
ኣብ ቬትናም ከተማ ሳይጎን እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ ነይሩ?
ኵናት ቬትናም ኣብ መንጎ ዴሳዊ መንግስቲ ዝኾነ ሰሜን ቬትናምን ብመንግስቲ ኣመሪካ ዝድገፍ መንግስቲ ደቡብ ቬትናም እዩ ነይሩ።
እቲ ኵናት ንኣስታት 20 ዓመታት ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ንኣመሪካውያን ኣብ ክልተ ዝገመዐ ነይሩ፡ ሓደ ሸነኽ ኣመሪካ ኢዳ ኣይትሓውስ ዝብሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ከኣ ኣመሪካ ወተሃደራት ናብ ቬትናም ምልኣኻ ቅኑዕ'ዩ ብምባል ዝድግፉ እዮም።
እታ 'ዘ ፎል ኦፍ ሳይጎን' እናተብሃለት ትጽዋዕ ስእሊ፡ ሰሜን ቬትናማውያን ንርእሰ ከተማ ደቡብ ቬትናም ዝኾነት ከተማ ሳይጎን ምስ ሓዝዋ ዝተሰኣለት እያ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቲ እዋን ኸኣ 30 ሚያዝያ 1975 እዩ ነይሩ።
እቲ ኣብ እዋን ዝሑል ኵናት ሕብረት ሶቭይትን ኣመሪካን ዝተኻየደ ኵናት፡ እታ ብሕብረት ሶቭየት ትድገፍ ሰሜን ቬትናም እያ ጸብለል ኢላ ክትወጽእ ክኢላ።
እታ ብኣማኢት ኣሽሓት ወተሃደራትን ኣመሪካን ምዕራባውያን ሓይልታት ትድገፍ ዝነበረት ደቡብ ቬትናም ኸኣ ንሳን ደገፍታን ርእሰን ከድንና ዘገድድ ክስትት እዩ ነይሩ። እታ ኣብ 1975 ብሰኣላይ ሄልበርት ቫን ኢስ ዝተሰኣለት ስእሊ ኸኣ መዘከሪ እቲ እዋን ኮይን ትርከብ።
ኣመሪካ ኣብ 1973 እያ ወተሃደራታ ካብ ደቡብ ቬትናም ስሒባ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ኸኣ ሰሜን ቬትናማውያን ንርእሰ ከተማ ሳይጎን ተቐጻጺሮማ ድሕሪኦም'ውን ንስም እታ ከተማ ንዝኽሪ መራሒ ሰሜን ቬትናም ናብ ሆ ቺ ሚን ቀይሮማ።
ሰሜን ቬትናማውያን ካብ ትጽቢት ናይ ኣመሪካ ወጻኢ፡ ኣመሪካ ካብ ደቡብ ቬትናም ምስ ወጽአት ቀልጢፎም'ዮም ኣብ ክልተ ዓመት እዮም ተቆጻጺሮማ።
ኣመሪካ ኸኣ 'ፍሪኮንት ዊንድ' ኢላ ብዝጸውዓቶ ስርሒት ልዕሊ 7,000 ኣመሪካውያን፤ ደቡብ ቬትናማውያንን ናይ ወጻኢ ዜጋታትን ካብታ ርእሰ ከተማ ከተውጽእ ክኢላ እያ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ናይ ካቡልን ናይ ሳይጎንን ፍጻመምንጽጻርፍትሓዊ ድዩ?
ኵናት ቬትናም ንኣመሪካ ልዕሊ 58 ሽሕ ህይወት እዩ ኣኽፊልዋ፡ ከምውጽኢቱ'ውን መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ህዝቡን ኣብ ዓለምን ዝነበሮ ተቐባልነት ከንቆልቅል ምኽንያት ኮይኑ እዩ።
ብዙሓት ኣመሪካውያን ክኢላታት ናይ ሕጊ እቲ ናይ ካቡል ክስተት 'ናይ ጆ ባይደን ሳይጎን'ዩ' ኢሎም ይገልጽዎ ኣለዉ።
ኣደ መንበር ሪፓብሊካን ኢለሰ "ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ዘጋጠመና ንዘልኣለም ዘይርሳዕ ውድቀት" ብምባል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።
ብሓፈሻ ግን ንኽልቲኡ እቲ ክስተታት ዝፈላልዮ ነገራት ኣሎ፡ ከተማ ሳይጎን ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ቬትናም ምስ ወጽአ ድሕሪ ክልተ ዓመት እያ ተታሒዛ፡ ከተማ ካቡል ግን ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ክወጽኡ ኣብ ዝሸባሸብሉ እዋን እዩ ዘጋጥም ዘሎ።
ኣብ 1975 ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጀራርድ ፎርድ ኣብ ተቐባልነቱ ዝፈጠረሉ ጽልዋ ግዙፍ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ ጉዳይ ካቡል ንጆባይደን ዘፈጥረሉ ጽልዋ ግን ብሕጂ እዩ ክርአ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኖቲንግሃም መምህር ዝኾነ ፕሮፌሰር ክሪስቶፈር ፕሌፕ እውን ምስዚ ሓሳብ እዚ እዩ ዝሰማማዕ "እዚ ከም ክሳራ እዩ ክርአ፡ ብግደ ሓቂ'ውን ንኣመሪካ ውርደት'ዩ፡ በቲ ኢልና በዚ'ውን እቲ ምውጻእ ሰራዊት ኣመሪካ ብጆ ባይደን'ዩ ተኻይዱ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







