ሃካንዲ ሂቺለማ፡ ካብ ጉስነት መራሕ ሃገር ዝኾነ ዛምብያዊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓሙሽተ ግዜ ኣብ ፕረዚደንታዊ መረጻ ተወዳዲሩ ኣይሰለጦን፤ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንሻድሻይ ግዜ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ግን ዓወት ቀኒዑዎ ፕረዚደንት ዛምቢያ ኮይኑ።
ሃካንዲ ሂቺለማ፡ ንመነሓንሕቱ ተሰናባቲ ፕረዚደንት ኤድጋር ሉንጉ ብልዕሊ ሓደ ሚልዮን ድምጺ እዩ ስዒሩዎ።
እዚ ሕጂ ፕረዚደንት ኮይኑ ዘሎ መራሒ ተቃዋሚ ሰልፊ ግን መን'ዩ? ድሕሪ'ዚ ኹሉ ዓመት ዝተዓወተሉ ምኽንያት'ከ እንታይ እዩ?

ወዲ 59 ዓመት ሂቺለማ፡ ሓደ ካብ ሃፋትም እታ ሃገር ቅድሚ ምዃኑ ኣብ እዋን ቁልዕነቱ ተራ "ጓሳ ጥሪት" ወለደይ'የ ነይረ ክብል ንርእሱ ይገልጽ።
እዚ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ልፍንቲ ብሄራዊ ልምዓት [UPND] ብልሙድ ወይ ብኣሕጽሮተ ቃል 'HH' ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዛምቢያ ናጻ ዕድል ትምህርቲ ረኺቡ ቀዳማይ ዲግሪ ክመሃር እንከሎ፡ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዩኒቨርሲቲ በርሚንግሃም ድማ ካልኣይ ዲግሪ ኣጽኒዑ'ዩ።
ኣብ ፋይናንስ፣ ንብረት፣ ሕርሻ ከብቲ፣ ጥዕናን ቱሪዝምን ተጠቒሙ ዕውትነት ከርኢ ፋሕተርተር ይብል ነበረ።
ንኽልቲኡ ድሕረ ባይትኡ [ወዲ ሓረስታይን ሙሁር ምዃኑ] ተጠቒሙ ከኣ ቐልቢ መረጽቱ ክገዝእ ይፍትን።
እታ ብመዓድን ነሓስ ሃብታም ዝኾነትን ልዑል ቑጽሪ ሽቕለት ኣልቦነትን ዘለዋ ሃገር ብቑጠባ ሓፍ ንክትብል፡ ነቲ ኩነታት ዝርዳእ ዕውት በዓል ሃብቲ የድልየኩም'ውን ይብሎም።
ነቲ ናይ ሓረስታይ ድሕረ ባይትኡ ተጠቒሙ ድማ ሓረስቶት፡ ዛምቢያ ንሙሉእ እቲ ዞባ መግቢ ከተቕርብ ናብ እትኽእለሉ ደረጃ ክትልውጡዋ ትኽእሉ ኢኹም እናበለ ጎስጒሱ።
ናብ መናእሰይ መረጽቲ ዝቐረበሉ መገዲ ግን ዚያዳ እዚ ዓወት ክዓትር ኣኽኢሉዎ ኣሎ።
ልዕሊ ፍርቂ እቲ ኣብ መረጻ ድምጺ ንምሃብ ዝተመዝገበ ሸውዓተ ሚሊየን ህዝቢ ትሕቲ 35 ዓመት እዩ።
ካብዚኦም ሓደ ሕምሺት ከኣ ስራሕ ስኡናት'ዮም።
እቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ገዛኢ ሰልፊ ግንባር ሓርበኛታት ብ2011 ዓ.ም ክድይብ እንከሎ "ግብሪ ክንኪ፣ ሰባት ዝሓሸ ገንዘብ ክህልዎም ከም ዝግበርን ዕድላት ስራሕ ከም ዝፈጥርን" ተመጻቢዑ።
እንተኾነ፡ እዚ ንመብዛሕቲኦም መናእሰይ ዛምቢያ 'ዕልል' ዘብል ብዘይምንባሩ፡ ሎሚ ሚሊዮናት ድጋፎም ንሂቺለማ ኣርእዮም።
ሓደ ምስ መናእሰይ ዝተቐራረበሉ መገዲ ማሕበራዊ ሚዲያ'ዩ።
ፕሬዝደንት ሂቺለማ ብማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክን ትዊተርን ናብ ሕብረሰተብ ክቐርብ ምፍታኑ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን።
ግን ሕጂ ብዝተፈለየ መገዲ ክኸውን እዩ ገይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ 'ወግዒ ክልተ ክኢላታት . . .' ["The tale of two professionals..."] ዝብል ንባዕሉ በሊሕን ሓላፍነት ዝስምዖን በዓል ሃብቲ ንመነሓንሕቱ ሉንጉ ድማ ኩሉ ገንዘቡ ኣብ ባራትን ኣብያተ ትልሂትን ዘጥፍእ ሰብ ገይሩ ዝሰርሖ ቪድዮ ኣብ ትዊተር ፈንዩ።
እዚ ዝተዘርግሐ ምስሊ "ካብ ክልቲኦም እቲ በሊሕ መን'ዩ?" ክብል ይሓትት።
ብኻልእ ወገን፡ ሂቺለማ ብዙሕ ግዜ ካብ ፖለቲካ ወጻእ ኣብ ዝኾኑ ዛዕባታት ርኢይቶታት ይህብ እዩ፤ ንኣብነት ኩዕሶ እግሪ።
እዚ ብርግጽ ምስ መናእሰይ ፍሉይ ምቅርራብ ዝፈጥረሉ ስልታዊ ዓውዲ'ዩ።
ሓሓሊፉ፡ ደገፍቲ ኣርሰናልን ማንችስተር ዩናይትን እንተተሳዒሮም ንጸወታ የባጭወሎም።
ብተወሳኺ፡ ናብ ዓበይቲ ጋንታታት ኤውሮጳ ንዝፈረሙ ዛምቢያውያን ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ይጽሕፈሎም'ዩ።
ኣብ ቀረባ ናብ ሌስተር ሲቲ ንዝተጸምበረ ፓስቶን ዳካ ከምኡ'ውን ናብ ቻምፒዮን ስኮትላንድ ዝኾኑ ሬንጀርስ ንዝተጸምበረ ፋሽን ሳካላ ብማሕበራዊ ሚዲያ እንኳዕ ደስ በለኩም ኢሉዎም።
ናይ ምሕዝነት ጸወታታት ክህልዎም እንከሎ'ውን ቅልል ዝበሉ ርኢይቶታት ይጽሕፈሎም'ዩ።
ኤድጋር ሉንጉ'ውን ተመሳሳሊ መገዲ ተጠቒሙ ነይሩ፤ እንተኾነ ኣይኮነሉን።
ሂቺለማ ግን ተጣቢብሉ . . . ኣነስ ብዛዕባኹምን ንጥፈታትኩምን ይግደስ'የ ዘስምዕ መልእኽታቱ ኣስሪጹ።
ብዙሕ ግዜ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክጽሕፍ እንከሎ ሸምጣጢ [slang] ቃላት ወይ'ውን ዘይስሩዕ ኣበሃህላታት ይጥቀም'ዩ።
ንኣብነት 'bally' ዝብል ቃል ንሓደ ከም ኣቦኻ ክትገልጾ ንእትደሊ እትጥቀመሉ ኮይኑ፡ ሂቺለማ ካብ ዝጥቀመሎም ቃላት እቲ ሓደ'ዩ።
እዚ፡ ካብ ሙሁራት ሰብ ሃፍቲ ወጻእ ናይ ዘለው ኣብ ዕዳጋታትን ባራትን ዝሰርሑ ሰባት ቋንቋ ንምዝራብ ብዝብል ንዝተበገሰ #BallyWillFixIt ኣብ ዝብል ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ ጎስጓስ ክውዕል ክኢሉ። ውጽኢታዊ ኮይኑ ከኣ።
ሕጂ ድማ፡ ድሕሪ ዓወቱ ኣሽሓት ደገፍቱ ናብ ጎዳናታት ሉሳካ ብምውጻእ "let's go Bally" እናበሉ ጸምቢሎም።
ሂቺለማ ኣብ ጉዕዞ ፖለቲካዊ ህይወቱ ሓያል ጽንዓት ዘርኣየ ሰብ'ዩ።
ሓሙሽተ ግዜ ኣብ መረጻ ተወዳዲሩ ክስዓር እንከሎ፡ ናብ ፖለቲካ ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ 15 ግዜ ከም ዝተኣሰረ ይገልጽ።
ብ2016 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ንፕሬዝደንት ዝዕጅባ ንዝነበራ መካይን ብዘይምሕላፉ ብክሕደት ሃገር ተኸሲሱ ነይሩ።
በዚ ምኽንያት ኣብ ጽኑዕ ሓለዋ ዘለዎ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ክእሰር እንከሎ፡ ድሒሩ እቲ ክሲ ውድቂ ኮይኑ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ መረጻ ምስ ተዓወተ ኣብ ዘስምዖ መደረ ነቲ ተሰናባቲ ፕሬዝደንት ጥዑም ቃል እዩ ኣስሚዑዎ።
"ኣጆኻ፡ ምንም ኣይትኸውንን፤ ዋላ ሓደ መቕጻዕቲ ኣይበጽሐካን ወይ'ውን መንብዒ ትኪ ኣይብተነልካን" ኢሉዎ።
እዚ ሓድሽ ፕሬዝደንት ነቲ ሕጂ ረኺቡዎ ዘሎ ዓወት ክጽምብሎ'ዩ፤ ግን ድማ እታ ሃገር ብብዙሕ ጸገማት ተሸሚማ ስለ ዘላ ቐልጢፉ ናብ ስራሕ ክኣቱ ትጽቢት ይግበር።
ልዑል ሽቕለት ኣልቦነት ሓዊሱ ዋጋ መነባብሮ [ዝቕባበ] ብቕልጡፍ'ዩ ዝውስኽ ዘሎ።
ካብ 1998 ዓ.ም ንፈለማ እዋን ዛምቢያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ቑጠባዊ ዝሕታለ ኣጋጢሙዋ እዩ።
ልዕሊ 12 ቢሊየን ዶላር ልቓሕ ሃገራት ወጻኢ ከም ዘለዋ'ውን ይግመት። እዚ ማለት መንግስቲ ኣስታት 30 ሚኢታዊት ኣታዊኡ ወለድ ልቓሕ ኣብ ምኽፋል'ዩ ዘጥፍኦ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዛምቢያ ኣብ ኣፍሪቃ ፈላመይቲ ወለድ ዘይኸፈለት ሃገር ኮይና'ያ፤ ናይ ካልኦት ልቓሓት ወለድ ኣብ ምኽፋል'ውን ዓብዪ ግድል ይገጥማ ኣሎ።
ሂቺለማ፡ ቐልጢፉ ነዞም ጸገማት ክገንሖም እንተዘይክኢሉ እቲ ኹሉ ክሃንጾ ዝጸንሐ ህቡብነት መሊኡ ክውሕጦ'ዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







