ድሕሪ ናይ 375 ዓመታት ኣለሻ 'ዝተረኽበት' ሻምነይቲ ኣህጉር

ድሕሪ ናይ 375 ዓመታት ኣለሻ 'ዝተረኽበት' ሻምነይቲ ኣህጉር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብ1642 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣቤል ታስማን ዝተባህለ ኔዘርላንዳዊ ባሕረኛ ናብ ደቡባዊ ክፋል እዛ መሬት ይጉዓዝ ነበረ፤ ሽዑ ሓንቲ ኣህጉር ምህላዋ ርግጸኛ ነይሩ።

እዚ ፍልይ ብዝበለ ጭሕሙ ዝፍለጥ ባሕረኛ፡ ፍትሒ ንክርከብ ክብል ብዝወስዶ ተሪር ስጉምቲ ሽሙ ይለዓል።

ኣብቲ ዘመን ደቡባዊ ክፋል መሬትና ንኤውሮጳ ሓድሽ'ዩ፤፤ ኣብዚ ከባቢ ግን 'ቴራ ኣውስትራሊስ' ዝተባህለ ሰፊሕ መሬት ከም ዘሎ ግምት ነይሩዎም።

ካብ ጥንታዊ ሮማውያን ጀሚሩ ብዛዕባ እዛ ክፍለ ዓለም ብዙሕ ግምታት ነይሮም። ብዛዕባ እታ ከባቢ ምፍላጥ'ውን ክቱር ድሌት ነይሩ።

ኣቤል ብ14 ነሓሰ ካብ ርእሰ ከተማ ኢንዶኔዥያ ጃካርታ ክልተ ንኣሽቱ መራኽብ ሒዙ ናብ ምዕራብ ቐጺሉ ናብ ሰሜን፤ ኣስዒቡ ድማ ናብ ምብራቕ ጉዕዞ ጀሚሩ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ደቡባዊ ደሴት ኒውዝላንድ በጺሑ።ንዘመናት ኣብዛ መሬት ዝነብሩ ዝነብሩ ህዝብታት ሞሪ ግን ኣይተሓጎሱን።

ኣብታ ደሴት ምስ በጽሐ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ነበርቲ ብጀልባ መጺኦም፤ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሞንጎ መራኽብ ደች መልእኽቲ እተመላልስ ንኡሽቶ መርከብ ድማ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ኣርባዕተ ኤውሮጳውያን ይቕተሉ።

እቶም ኤውሮጳውያን ብግዲኦም ኣብ ልዕሊ 11 ጀላቡ መድፍዕ ተኲሶም፤ ዕጫ እተን ጀላቡ እንታይ ምዃኑ ግን ኣይፍለጥን።

ኣቤል ነቲ ኸባቢ 'ሙራደንስ' ኢሉ ምስ ጸውዖ፡ መሬት እታ ደሴት ከይረገጸ ድሕሪ ሰሙናት ይምለስ።

ኣብቲ ዘመን ብዙሕ ዝውግዐሉ ዝነበረ ደቡባዊ ኣህጉር ከም ዝረኸበ ከኣ ተኣማሚኑ። ግን ድማ ከም ዝሓሰቦ ዕሙር ምንቅስቓስ ንግዲ ዘለዎ ኣይኮነን። ንሱ'ውን ደጊሙ ናብቲ ከባቢ ኣይተመለሰን።

ብሱሩ'ውን ኣብቲ እዋን ኣውስትራላ ኤውሮጳውያን ዝእልሹዋ ዝነበረት ኣህጉር ምዃና ኣይፈልጥን።

ዚላንዲያ

ብ2017 ዓ.ም፡ ተመራመርቲ ስነ ኳዕቲ ዚላንዲያ ዝተባህለት 1.89 ሚሊየን ትርብዒት ማይል ስፍሓት ዘለዋ ኣህጉር ከም ዝረኸቡ ኣፍሊጦም።

እዛ ኣህጉር ካብ ማዳጋስካር ብሽዱሽተ ዕጽፊ ትዓቢ። ብቋንቋ ሞሪ ከኣ ቴ ሩ-ኣ-ማይ ትብሃል።

ኣብ መሬት፡ ሸውዓተ ኣህጉራት ከም ዘለዋ ክንግር እኳ እንተጸንሐ፡ እቶም ተመራመርቲ ግን ሻምናይ ኣህጉር ኣሎ'ዩ ኢሎም።

ነዛ ሓዳሽ ኣህጉር ብምንኣስን ምርቃቕን ዝበልጻ ኣህጉር የለን። 94 ሚኢታዊት መሬታ ኣብ ትሕቲ ማይ'ዩ ዝርከብ።

ንኡሽቶ ክፋል እታ ሃገር ጥራይ ደሴት ዘለዎ ኮይኑ ንኒውዝላንድ ዝሓውስ'ዩ።

ኣብ ኒው ዝላንድ ትካል መጽናዕቲ ክራውን ዝሰርሕ ተመራማሪ ስነ ኳዕቲ ኣንዲ ቱሎች፡ ኣባል እቲ ንዚላንዲያ ዝረኸበ ጉክለ እዩ።

እታ ኣህጉር ብግልጺ ኣብ ዝርኣይ ቦታ እኳ እንተሃለወት ንክትርከብ ግን ነዊሕ ዓመታት ወሲዳ'ያ ይብል።

እዚኣ፡ ምስጢራዊትን እተደንቕን ኮይና፡ ካብ ማይ ክልተ ኪሎ ሜትሮ ንታሕቲ ብዙሓት ዘይፍለጡ ሓቅታት ሒዛ ትርከብ።

ከመይ ግን ተፈጢራ? ኣብታ ኣህጉር እንታይ ነይሩ? ብማይ ካብ እትሽፈን ክንደይ ዓመታት ተቖጺሮም? ዝብሉ ሕቶታት ኣገደስቲ'ዮም።

ብዛዕባ ዚላንዲያ ምጽናዕ ቀሊል ኣይኮነን።

ባሕረኛ ኣቤል ኣብ 1642 ንኒው ዚላንድ ምስ ረኸበ ቀማሪ ካርታ ኢንግሊዛዊ ጄምስ ኩክ ናብ ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ንሳይንሳዊ መጽናዕቲ ተላኢኹ ነይሩ።

ቤነስ፡ ኣብ ሞንጎ ምድርን ጸሓይን ክትሓልፍ እንከላ ንክርእን ጸሓይ ክንደየናይ ትርሕቕ ዝብልን ንክፈልጥ'ዩ ተላኢኹ።

እዚ ልኡኽ ምስ ወድአ ዘንብባ ሓንቲ ደብዳበ'ውን ተዋሂባቶ ነይራ። እዚ ዓብዪ ምስጢር ኮይኑ እቲ ተመራማሪ ደቡባዊ ኣህጉር ንክረክብ ዝእዝዝ ደብዳበ ነበረ።

እዛ ክትረኽባ ኣለካ ዝተባህለት ኣህጉር ብመርከብ ተጉዒዝካ ኒው ዚላንድ ምስ በጻሕኻ እትርከብ ምዃና ከም ዝእዝዝ'ውን ብታሪኽ ይዝንቶ።

ንፈለማ እዋን ዚላንዲያ እትብሃል ኣህጉር ምህላዋ ጭቡጥ ሓበሬታ ዝሃበ ስኮትላንዳዊ ጄምስ ሄክተር'ዩ።

ብ1895፡ ኣብ ገምገም ኒው ዚላንድ ዝርከቡ ደሴታት ክምርምር ይኸይድ።

ድሕሪኡ ኒው ዚላንድ ቅሪት ናይ ዝተለጋገቡ እምባታት ምዃና ይድምድም። እዛ ብእምባታት ዝተኸበበት ኣህጉር ካብ ደቡብ ናብ ምብራቕ ዝተዘርግሐት ኮይና፡ ኣብ ከይዲ ብማይ ተውሒጣ።

እቲ ብ2017 ዝተኻየደ መጽናዕቲ ዝመርሐ ተመራማሪ ኒክ ሞርታይመር ከም ዝብሎ፡ ክሳብ 1960ታት ብዛዕባ ኢላንዲያ ብዙሕ ምርምር ኣይተገብረን።

ስእሊ ሳተላይት

ምንጪ ስእሊ, GNS Science

ኣህጉር ምርካብ ቀሊል ኣይኮነን፤ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ። ተመራመርቲ ኣህጉር ኢሎም ሽም ዝህቡ በሪኽ ንዝኾነ፣ ዝተፈላለዩ ኣካውሕ ዘለዎን ገዚፍ ዝኾነ ከባብን እዩ።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ዚላንዲያ ኣህጉር'ያ ንምባል ብዙሓት መረዳእታታት ክእክቡ ግድን እዩ።

ብ1995 ኣመሪካ ጂኦፊዚሲስት ብሩስ ሉየንደርክ፡ ዚላንዲያ ኣህጉር ኢሉ ምስ ጸውዓ ግን እቲ መጽናዕቲ ብየማነ ጸጋም ክጻፋዕ ጀሚሩ።

ስምምዕ ባሕሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሃገራት ካብ ግዝኣተን ወጻእ 370 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ዝርከብ ሃብቲ ተፈጥሮ ሕቶ በዓል ዋንነት ናይ ምልዓል መሰል ኣለወን ይብል።

እዚ ማለት ኒውዝላንድ ኣካል እዛ ሓዳሽ ኣህጉር ከም ዝነበረት እንተድኣ ኣመስኪራ ግዝኣታ ብሽዱሽተ ዕጽፊ ይዓቢ ማለት'ዩ።

ናይ ኣኻውሕን ካልእ መረዳእታታትን ምስ ተኣከበ ዚላንድያ ኣህጉር ምዃና ክረጋገጽ ተጸጋጊዑ።

ናይ ሳተላይት ምስሊ እቲ ናይ መወዳእታ መረዳእታ'ዩ። እቲ ምስሊ ኣብ መሬት ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝነበረ ለውጢ ጸብጺቡ መረዳእታ የቕርብ።

ዚላንዲያ ህዝቢ ዓለም ክላለያ ክግበር እንከሎ ኣብ ምድሪ ካብ ዘለው ማያዊ ኣካላት እታ ዝዓበየት ከም ዝኾነት ተፈሊጡ።

ጂኦሎጂስት ኒክ ሞርታመር "ቃሕ በሃሊ ከባቢ'ዩ፤ ሓድሕድ ኣህጉር ኣብ ውሽጡ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣለውዎ። ዚላንዲያ ግን በዓል ሰለስተ ግዝኣት'ያ" ይብል።

እታ ኣህጉር ካብ ኒውዚላንድ ብተወሳኺ ኒው ካሊዶኒያ ዝተባህለት ደሴትን ሎርድ ሁዌ ዝተባህለ ክፋል ኣውስትራሊያ ዝኾነት ደሴትን ሒዛ ኣላ።

በዓልቲ ብዙሕ ምሽጢር ኣህጉር

ዚላንዲያ፡ ኣካል ቅድሚ 550 ሚሊየን ዓመታት ዝነበረ ጥንታዊ ኣህጉር ጎንድዋና እያ። ምዕራብ ኣንታርክቲካ፣ ምብራቕ ኣውስትራሊያን ካልኦት መዳውቲ ከባቢታትን'ውን ኣለውዋ።

እዚ ኸባቢ ኣካል ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ኮይና ድሕሪ ምጽናሕ ቅድሚ 105 ሚሊየን ዓመታት ክሳብ ሕጂ ምኽንያቱ ብዘይተፈለጠ ኩነታት ተነጺላ ክትወጽእ ጀሚራ።

ኣብ ነዊሕ ግዜ ብማይ ተዋሒጣ። ኣዝዩ ረቂቕ ከባቢ እኳ እንተኾነ ኣብ ውሽጡ ዝተረኸቡ ኣኻውሕ ኣህጉር ምንባራ ምልክታት እዮም።

እቶም ኣኻውሕ ካብ ኣግኒየስ፣ ሜታሞርፊክን ሴድመንተሪን ዝተሰርሑ ኮይኖም ባይታ እቲ ውቅያኒስ ከኣ ካብ ባዘልት ዝተፈጥረ'ዩ።

ክሳብ ሕጂ ግን ብዛዕባ እዛ ሻምነይቲ ኣህጉር ዘይተፈልጡ ሓቅታት ኣለው።

ዚላንዲያ ኣዝያ ረቃቕ ኮይና እናሃለወት ክሳብ ሕጂ ተበቲና ናብ ንኣሽቱ ኣህጉራት ከይተኸፋፈለት ዝጸንሐትሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ብሱሩ ስለ ምንታይ'ዩ ብማይ ተወሓጡ፣ ብማይ ቅድሚ ምውሓጡ ደረቕ መሬት ድዩ ነይሩ ብዛዕባ ዝብል ግን ኣይተፈልጠን።

ካብ ንኣሽቱ ደሴታት እታ ኣህጉር ብተወሳኺ መብዛሕትኡ መሬት ካብ ቀደሙ'ውን ማይ ዝተሸፈነ መሬት ነይሩዎ'ዩ ኢሎም ዝካትዑ ተመራመርቲ ኣለው፤ ኣቐዲሙ ደረቕ መሬት'ዩ ኢሎም ዝኣምኑ ሰብ ሞያ'ውን ኣለው።

እዚ ከባቢ በዓል 101 ሚሊየን ትርብዒት ኪሎ ሜትሮ ኮይኑ ደጉዓ ኩነታት ኣየር ኣለዎ፤ ኣብታ ናይ ቀደም ግዝኣት ጎንድዋና ዝተፈላለዩ እጽዋትን እንስሳትን ይነብሩ ነይሮም።

እዞም እንስሳት ካብ ንኣሽቱ ፍጥረታት ክሳብ ገዘፍቲ ታታኖሰረስ ዝበጽሑ'ዮም።

ጫካ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዳይነሰራት

ኣብ ደቡብ ንፍቀ ክቢ ቅሪት ኣካል ገዚፍ እንስሳት ምርካብ ልሙድ'ኳ እንተዘይኮነ ከም ዳይነሰር ዝበሉ እንስሳት ግን ቅሪት ኣካሎት ተረኺቡ'ዩ።

ኣብ 1960ታት ኣብ ኒው ዚላንድ ናይ ዳይነሰር ናይ ጎኒ ዓጽሚ ከም ዝተረኽበ ይዝከር።

ብ2006፡ ብቐሊሉ ዘይርከብ ስጋ ናይ ዝበልዕ እንስሳ ናይ እግሩ ዓጽሚ ተረኺቡ ነይሩ። እዚ እንስሳ ኣሉሶር ዝብሃል ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት። እዚ ዓጽሚ ኣብ ደሴት በቻታም እዩ ተረኺቡ።

እዞም ቅሪታት ከም ዘመላኽቱዎ እቶም እንስሳት ዚላንዲያ ካብ ጎንድዋና ምስ ተገንጸለት ዝነበሩ'ዮም።

እዚ ማለት ግን ዳይነሰራት ኣብ መላእ ዚላንዲያ ይነብሩ ነይሮም ማለት ኣይኮነን።

ፕሮፌሰር ጂኦፊዚክስ ዩኒቨርሲቲ ቪክቶሪያ ሩፐርት ሱተርላንድ ኣህጉር ከይተፈጥረ ገዘፍቲ እንስሳት ይህልው'ድዮም? ወይስ ኣህጉር ክጠፍእ እንከሎ እቶም እንስሳት ይጠፍኡ? ዝብል ኣዝዩ መካትዒ'ዩ ይብል።

ንኣብነት ኣብ ኒው ዚላንድ ኪዊ ዝብሃል ዓይነት ዑፍ ኣሎ። ካብ ሓደ ዓሌት ኣዕዋፍር ዝርከብ ካልእ ዑፍ ድማ ሞዋ ይብሃል።

እዚኦም፡ ቅድሚ 500 ዓመታት ካብ ምድረ ገጽ ክሳብ ዝጠፍኡ ኣብ ሓደ ኣህጉር ይነብሩ ነይሮም።

ካልእ ኤለፋንት በርድ ዝበሃልን ካብዞም ኣዕዋፍ ዝገዝፍ ዑፍ ቅድሚ 500 ዓመታት ኣብ ጫካ ማዳጋስካር ይነብር ነይሩ።

ተመራመርቲ ከም ዝብሉዎ እዞም ኣዕዋፍ ኣብ ውሽጢ ጎንዋድና ካብ ዝነብር ዓሌት ዑፍ ዝተረኸቡ'ዮም።

እዚ ኣህጉር ኣብ ውሽጢ 130 ሚሊዮናት ክበታተን እንከሎ ደቡብ ኣመሪካ፣ ኣፍሪቃ፣ ማዳካስካር፣ ኣንታርክቲካ፣ ኣውስትራሊያ፣ ወሽመጥ ዓረብ፣ ህንድን ዚላንዲያን ተፈጢሮም።

እዚ ማለት ድማ ዚላንዲያ ልዕሊ ባሕሪ ነይራ። ቅድሚ 25 ሚሊየን ዓመታት ግን መላእ እታ ኣህጉር ብማይ ተዋሒጣ።

ምናልባት ኒው ዚላንድ'ውን ኣካል ናይዚ ክስተት ከም ዝነበረት ይእመን።

ፕሮፌሰር ሩፐርት ከም ዝብሎ እቶም እንስሳትን እጽዋትን ድሕሪ እዚ ለውጢ ተስፋሕፊሖም ክኾኑ ይኽእሉ።

ብ2017፡ ሓደ ጉጅለ መጽናዕቲ 1250 ሜትሮ ኩዒቱ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ረኺቡ'ዩ። ቅሪት እጽዋት ከምኡ'ውን ናይ ነፍሳት ቅሪት ረኺቦም።

እቲ ፕሮፌሰር ከም ዝብሎ፡ እዞም እጽዋት ምርካቦም ዚላንዲያ ኣብ ሓደ እዋን ሙሉእ ንሙሉእ ብማይ ዝተውሓጠት መሬት ከም ዘይኮነት ይሕብር።

ኒው ዚላንድ ካብ እምባታት ኢላንዲያ ከም ዝቦቖለት ይእመን

ምንጪ ስእሊ, Alamy

ፍሉይ ቅርጺ

ካብ ቅርጺ ኒው ዚላንድ ክልተ ዘገርሙ ነገራት ምህላዎም እቲ ፕሮፌሰር ይዛረብ።

እቲ ሓደ ብሸንኽ ደቡባዊ ደሴት ዘሎ ጎልጎል መሬት'ዩ። እቲ ኻልኣይ ድማ ኣብቲ ዝተረፈ ከባቢ ዝተፈጥረ ዝተዓጽፈ መሬት'ዩ።

ክልቲኦም ቕርጽታት ብጋድም መስመር ዝተፈላለዩ'ዮም። እዚ መስመር ላዕለዋይ ሽዋን መሬት ፓስፊክን ኣውስትራሊያ ቴክቶኒክን [ፕሌታት] ዝራኸብሉ እዩ።

እዚ ፍሉይ ቕርጺ ንኽፍጠር ከም ምኽንያተ ከም ዝኾነ ዝጥቀስ ፕሌታት ቴክቶኒክ ምንቅስቓሶም ከም ዝኸውን ዝውሃቡ ግምታት ኣለው።

ኣቤል እዛ ኣህጉር ንምርካብ ካብ ዝተበገሰሉ ዘመን ድሕሪ 400 ዓመታት ሻምነይቲ ሃገር ምህላዋና ግን ተረጋጊጹ ኣሎ።

እንተኾነ ብርግጽ ነዚ ዝኸውን እኹል መረዳእታ ንምርካብ ሰፊሕ ግዜን ገንዘብን ይሓትት።