ትኹረት ናሳ ዝሰሓበ ወዲ 6 ዓመት ቆልዓ

ምንጪ ስእሊ, RTÉ Late, Late Toy Show
ንልቢ ብዙሓት ተመልከትቲ ቴሌቪዥን ዝገዝአ ኣየርላንዳዊ ቆልዓ 6 ዓመት፤ ኣብ ምርምር ህዋ ዘለዎ ባህጊ ምስገለጸ ንቐልቢ ትካል ምርምር ህዋ ኣሜሪካ (ናሳ) ስሒቡ'ሎ።
ኣዳም ኪንግ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ኣየርላንድ 'ሌት ቶይ ሾው' ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ መደብ ቴሌቪዥን ምስቀረበ፡ ምስ ዓበየ ኣብቲ ዓውዲ ክወፈር ዘለዎ ባህጊ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ጉድኣት ኣካል ዘለዎ ቆልዓ ብድሕሪ'ቲ ኣብ ቴሌቪዥን ዝነበሮ ጻንሒት፡ ካብ ፍሉጣት ተመራመርቲ ስነ ህዋ ከምኡ'ውን ትካላት ምርምር ህዋ ኣሜሪካን ኣውሮጳን መልእኽትታት ይበጽሖ ኣሎ።
ትካል ምርምር ህዋ ኣሜሪካ (ናሳ) ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ "ሓደ ዕለት ናብዚ ናይ ሰብ ሕልሚ ጉጅለና ክሳብ ዝጽምበረና ብሃንቀውታ ንጽበዮ" ክብል፡ ንኣዳም ክቕበል ዘለዎ ድልየት ገሊጹ።
ብምኽንያት ቅነ በዓል ልደት ኣብቲ ተሌቪዥን ጋሻ ኮይኑ ዝቐረበ ኣዳም ኪንግ፡ ብኣየርላንዳውያን ስድራ ዝፍጸም ዓመታዊ ልማድ ከርእይ'ዩ ተዓዲሙ።
እቲ ዓመታዊ ልምዲ፡ ዕዱማት ኮይኖም ዝቐርቡ ህጻናት ኣብ ቀረባ እዋናት ንህጻናት መጻወቲ ብዝብል ዝፈረዩ ኣቑሑትን ካልኦት ናውትን እናፈታተኑ ብግልጽነት ክግምግምዎም ዝግበረሉ እዩ።
መጻወቲ ህጻናት ኣቑሑት ዝፍትንን ዝግምግምን ኣዳም ግን፡ ኣብቲ ፕሮግራም ቴሌቪዥን ቀሪቡ ኣብቲ ኣዝዩ ዝለዓለ ሞያ ዘለዎ ባህጊ ብድሕሪ ምግላጹ ተፈላጥነት ክረክብ ኪኢሉ'ሎ።
"ምስዓበኻ እንታይ ክትኸውን ትደልይ?" ዝብል ሕቶ ብኣቕራቢ መደብ ተሓቲቱ።
ሽዑ ኣዳም ዝሃቦ መልሲ " ኣብ ናሳ በዓል ሞያ ርክብ ምርምር ህዋ [ኣብ ናሳ ካፕኮም]" ዝብል ነይሩ።
እቲ 'ካፕኮም' [ካፕሱል ኮሚዩኒኬሽን] ዝብል ቃል፡ ኣብ ምርምር ህዋ ኣብ ሞንጎ ክፍሊ ምቁጽጻር በረራን ተመራመርቲ ህዋን ንዝህሉ ርክብ ዝከታተልን ዘፈጽምን በዓል ሞያ እዩ።
"ኣብ ዝኾነ እዋን'ከ ጠፈርተኛ ናይ ምዃን ድልየት ይህልወካ'ዶ?" ዝብል ካልእ ሕቶ ድማ ይቐርበሉ።
"ኣነ ኣስትሮናት ክኸውን ኣይክእልን ምኽንያቱ ኣዕጽምተይ ተሰባሪ እዩ" ክብል ብምግላጽ፡ ኣብ ክንድኡ ግን ኣብ መሬት ምስዘሎ መቆጻጸሪ ክፍሊ ክሰርሕ ተስፋ ከምዘለዎ ኣረዲኡ።
ንሱ ኣብቲ ተሌቪዝን ዝገበሮ ጻንሒት ኣብ መላእ ዓለም ምስተዘርግሓ ናብ ናሳ ይበጽሖ፤ ካብቲ ትካል ምርምር ዝተወሃበ ሓጺር መግለጺ ድማ "ሓቦ ዝተምልኦ መንፈሱ ኣነቓቒሑና'ሎ" ዝብል ሓሳብ'ውን ኣካቲቱ'ዩ።
"ኣብ ናሳ ንዝኾነ ሰብ ዝኸውን ቦታ ኣሎ፤ ሓደ ዕለት ናብዚ ናይ ሰብ ሕልሚ ጉጅለና ክሳብ ዝጽምበረና ብሃንቀውታ ንጽበዮ። ድልው ክሳብ ዝኸውን ክንጽበዮ ኢና" ኢሉ ናሳ።
ብሪጣንያዊ ጠፈርተኛ ቲም ፒከ፡ ንኣዳም "ብሉጽ ኮኾብ" ክብል ገሊጽዎ'ሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







