ፈላማይ ኣብ ወርሒ ምብጻሕ ዘካይድ ሰብ ተፈሊጡ

ናብ ወርሒ ዝኸይድ ፈላማይ በጻሒ ተፈሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ስፔስ ኤክስ ዝተብሃለ ኩባኒያ፡ በጻሒ ኾይኑ ናብ ወርሒ ዝከይድ ዓሚሉ ወዲ 42 ዓመት ጃፓናዊ ቢሊየነር ያሱካ ማዚዋ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

እዚ ጃፓናዊ ናብ ወርሒ ዝከይድ፡ እቲ ኩባኒያ ኣብ 2016 ወግዓዊ ብዝገበራ ሮኬት ከምዝኾነ ተገሊጹ።

እዚ ናብ ወርሒ ዝግበር ጉዕዞ፡ ኣብ 2023 እንትኾን፡ ናይ ናሳ ኣፖሎ ኣብ 1972 ናብ ወርሒ ካብ እትኸይድ ናብዚ ንፈለማ እዋን ወዲ ሰብ ዝረግጸሉ ኣጋጣሚ ክከዉን'ዩ ተባሂሉ።

ሚስተር ማዚዋ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ጨረታ ንሓደ ስእሊ 110.5 ሚሊዮን ዶላር ኸፊሉ ብምዕዳጉ ርእሰ ዜና መራኸብቲ ሓፋሽ ኾይኑ ነይሩ።

እዚ ቢሊየነር፡ ናብ ህዋ ኣብ ዝገብሮ ጉዕዞ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝተወጻጽኡ ሽድሽት ወይም ሸሞንተ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ሒዙ ክጉዓዝ'ዩ።

መግለጺ ቪድዮ, ሓሙሽተ ትካላት፡ ኣብ ወርሒ ንምዕላብ እናተወዳደራ እየን።