ንማርስ ናብ መሬትና ንምምጻእ ዝግበር ዘሎ ፈተነ

ማርስ ናብ መሬት ናይ ምምላስ ፈተነ ዝገልፅ ስእሊ

ናይ ኣውሮጳን ናይ ኣሜሪካን ትካላት መደበር ህዋ፡ ካብ ማርስ ሓመድን ኣኻውሕን ንምምጻእ ፈተነታት ጀሚሮም፤ ካብ ማርስ ናብ መሬት ቅምሶ ሓመድን ኣኻውሕን ንከምጽኡ ድማ ክልተ ሮቦታት ድልዋት ኮይኖም ኣለዉ።

ተመራመርቲ፡ ቅምሶ ሓመድን ኣኻውሕን ማርስ ኣብ ኢዶም ምስ ኣተወ፡ ኣብታ ቀያሕ ፕላኔት ተባሂላ እተፍለጥ ማርስ ፍጡር ይነብር ነይሩ ድዩ? ወይ ይነብር ኣሎ ድዩ? ንክፈልጡ ከምዝሕግዞም እዮም እምንቶ ኣንቢሮም ዘለዉ።

ኣብ ናሳ ዝተሰርሐ ‘ፕሪዘርቫንስ’ ዝተሰመየ ሮቦት፡ ኣብ ለካቲት 2021 ኣብ ማርስ ብፓራሾት ተሓጊዙ ክዓልብ እዩ።

እቲ ፓራሾት ነቲ ሮቦት ኣብታ ፕላኔት ብቀስታን ብዘይሃስያን ንክዓልብ ክሕግዞ እዩ።

ሮቦት ‘ፕሪዘርቫንስ’ ሽዱሽተ መንኮርኮር ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ውሽጡ 23 ካሜራታት ተገጢመናሉ ኣለዋ፡ ብመንገዲ እዘን ካሜራታት ተሓጊዙ ድማ፡ ሕሉፍ ኣሰራት እታ ፕላኔት ክድህስስ እዩ።

‘ፕሪዘርቫንስ’ ካብዚ ብተወሳኺ ካብታ ፕላኔት ቅምሶ ሓመድን ኣኻውሕን ኣልዒሉ፡ ኣብቲ ዝተሰረሓሉ ዘንቢል ከቐምጦም እዩ።

‘ፕሪዘርቫንስ’ ነቶም ዘልዓሎም ኣኻውሕ ናብቲ ‘ማርቲን ሳርፌስ’ ዝተሰመየ ቀንዲ መደበሩ ኣብጺሑ ስርሒቱ ክቅጽል እዩ።

እቲ ሮቦት ጽዓት ካብቱ ዝተገጥመሉ ፕላትንየም ዝተብሃለ ባእታ እናተጠቀመ፡ ኣብ ማርስ ንዓሰርታትን ዓመታትን ልዕሊኡን ተፍትሽ ከካይድ እዩ።

ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመታት ድማ፡ ኣብ 2026 ካልእ ኣብ ኢሮ ስፔስ (ኢሳ) ዝተመስረሐ ሮቦት ናብ ማርስ ክብገስ እዩ።

ስራሕ እዚ ሮቦት ነቲ ብ‘ፕሪዘርቫንስ’ ኣብ ‘ማርቲን ሳርፌስ’ ዝተኣከበ ቅምሶታት ሓመድን ኣኻውሕን፡ ናብ መሬት ምምጻእ እዩ ክኸውን።

እዚ ካብ ኣውሮጳ ዝብግስ ሮቦት፡ ነቲ ‘ፕሪዘርቫንስ’ ዝተኣከበ ቅምሶታት ኣብቲ ዝተዳለወሉ መዐሸጊ ብምቕማጥ፡ ኣብ ንእሽተይ ‘ማርስ ኣሴት ቪሄክል’ዝተሰምየት ሮኬት ክእትዎ እዩ፡ እዛ ሮኬት እዚኣ ናብ ሰማያት ማርስ ብምውንጫፍ፡ ኣብ ዙርያ ማርስ (ኦርቢት) ክትኮልል ክትጅምር እያ።

እዛ ኣብ ዙርያ ማርስ ክትኮልል ዝጀመረት ሮኬት፡ ብመንገዲ ሳተላይት ናይ ኣውሮጳ እናተቀለሰት ካብ ሕምባበ ዙርያ ማርስ ወጺኣ፡ ነቲ ዝሓዘቶ ቅምሶታት ሓመድን ኣኻውሕን ሒዛ ናብ መሬት ክትመጽእ እያ።

እዛ ኣብ ዙርያ ማርስ ወጺኣ ናብ መሬት እትዓልብ ሮኬት ቅድሚ 2031 ኣብ መሬት ክትዓለብ ትጽቢት ኣይግበርን እዩ፡ ስለዝኾነ እቲ ቅምሶታት ዝዕሸገሉ መትሓዚ ኣዝዩ ተሪር ዝኾነ ድርዒ እዩ ክኸውን፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ክትዓልብ ድማ’ዩ ውጥን ተታሒዙላ ዘሎ።

ድሕሪ እዚ ተመራመርቲ ዝተራቐቐ መሳርሕን ሜላን ተጠቒሞም፡ ነቲ ናይ ማርስ ቅምሶታት ሓመድን ከውሕን መርመራ ከካይዱሉ እዮም። እቲ መመርመሪ ገሊኡ ሕጂ ኣብ ስራሕ ዘሎ ክኸውን እንከሎ፡ ገሊኡ ድማ ኣብ ዝመጽእ ዓሰርተ ዓመታት ተማሂዙ ክጸንሕ እዩ።

እቲ ዝግበር መርመራ ድማ፡ ብዛዕባ ማርስ ዘለና ኣፍልጦ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ከበርኾ እዩ ትጽቢት ተገይርሉ ዘሎ።