ስነጠፈር፡ ፕላኔት ሳተርን 20 ሓደስቲ ወርሒታት ከም ዘለዋ ተረጋጊጹ

ሳተርን

ምንጪ ስእሊ, NASA/JPL-CALTECH/SPACE SCIENCE INSTITUTE

መግለጺ ስእሊ, ንግስቲ ወርሒታት ተባሂላ ዘላ ፕላኔት ሳተርን

ፕላኔት ሳተርን፡ ነታ ክሳብ ሕጂ ዝበዝሓ ወርሒታት ከም ዘለዋ ክትፍለጥ ዝጸንሐት ጁፒተር ሓሊፋታ ይብሉ ኣመሪካውያን ተመራመርቲ።

ሓደ ጉጅለ ተመራመርቲ ስነጠፈር፡ 20 ተወሰኽቲ ወርሒታት ነታ ብናይ በረድ ቀለቤት ዝተኸበት ሳተርን ከም ዝዞራ ኣረጋጊጽና ይብሉ።

እዚ ማለት፡ ሳተርን 82 ወርሒታት ክህልዋ እንከሎ፡ እታ ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ዝጸንሐት ፕላኔት ጁፒተር ድማ ብ79 ወርሒታት ተዓጂባ ትርከብ።

እተን ተፈጥሮኣውያን ሳተላይታት በቲ ኣብ ክፍለሃገር ሃዋኢ (ሕመኣ) ዝርከብ ሱባሩ ዝተባህለ ቴለስፕ'የን ክርከባ ኪለን።

ነብሲወከፈን እዘን ኣብ ዙርያ ሳተርን ዑደት ዘካይዳ ሓደስቲ ወርሒታት፡ ሰንጣቒተን (ዲያሜተር) ኣስታት 5 ኪሜ ኮይኑ፡ 17 ካብኣተን ንድሕሪት ይዞራ- ኣንጻር ዑደት ናይታ ፕላኔት።

እዚ ዑደት እዚ 'ሬትሮገሬድ ዳይረክሽን' ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ናይተን ዝተረፋ ሰለስተ ድማ "ፕሮገሬድ ዳይረክሽን" ይበሃል- ኣብ ሓደ ኣንፈት ዑደት ናይታ ፕላኔት።

ክልተ ካብዘን ዳሕረዎት ድማ፡ ኣብ ዙርያ ሳተርን ዝገብርኦ ምሉእ ዑደት ክልተ ዓመት ይወስደለን።

ሓደስቲ ወርሒታት ሳተርን ዘርኢ ፈጠራዊ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, CARNEGIE INSTITUTION FOR SCIENCE

መግለጺ ስእሊ, ሓደስቲ ወርሒታት ሳተርን

እተን ካብታ ፕላኔት ርሒቐን ዝርከባ ወርሒታትን፡ ሓንቲ ካብተን ሰለስተን ድማ እቲ ዑደት፡ ንነብሲወከፈን ኣስታት ሰለስተ ዓመት ይወስደለን።

"ዑደት ናይዘን ወርሒታት ምጽናዕ ንመበቆለን ንምፍላጥ ዝሕግዝን፡ ኣብ ኣመሰራርታ ሳተርን ዝነበረ ኩነታት ዝገልጽ ሓበሬታ ንምርካብ ዘኽእልን'ዩ" ይብል መራሒ ናይቲ ጉጅለ ተመራመርቲ፡ ዶ/ር ስኮት ሸፓርድ፡ ካብ ካርነጅ ኢንስቲቱሽን ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ።

ዶ/ር ሸፓርድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ካብ 1990ታት ጀሚሩ ጁፒተር'ያ ዝበዝሓ ወርሒታት ከም ዘለዋ ክትፍለጥ ጸኒሓ ኢሉ።

ተመራመርቲ፡ እተን ሓደስቲ ወርሒታት፡ ስብርባር ናይ ሰለስተ ዓበይቲ ኣካላት ክኾና ይኽእላ'የን ኢሎም ይኣምኑ።

ዶ/ር ሸፓርድን ብጾቱን፡ ኣብ ዙርያ ሳተርን ብዙሓት ካልኦት ወርሒታት ክረኽቡ ትጽቢት ይገብሩ። ይኹን 'ምበር፡ ንናኣሽቱ ወርሒታት ንምርካብ፡ ካብዞም ሕጂ ዘለዉ ዝዓበዩ ቴለስኮፓት ከድሊ ምዃኑ'ዮም ዝገልጹ።

እቲ ጉጅለ ተመራመርቲ፡ ነተን ሓደስቲ ወርሒታት ኣስማት ንምውጻእ ውድድር ጀሚሮም ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ'ሎ።

ቴለስኮፕ

ምንጪ ስእሊ, SPL

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሃዋኢ ዝርከብ ቴለስኮፕ ሱባሩ

እቲ ምርጫ ካብቶም ዓበይቲ ብሂላት ኖርስ፡ ጋሊክ ኢኒት ክኸውን ኣለዎ ድማ ተባሂሉ'ሎ።