ኣብ ፕላኔት ቬኑስ ብህይወት ምንባር ይከኣል ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, JAXA/ISAS/Akatsuki Project Team
ሊቃውንቲ ስነ-ህዋ ኣብ ቬኑስ ጋዝ ረኺቦም ኣለው። እዚ ድማ ኣብታ ፕላኔት ህይወት ዘለዎ ነገር ይህሉ'ዶ? ናብ ዝብል ሕቶ ከምርሑ ገይሩዎም።
እቲ ጋዝ ፎስፊን'ዩ፤ እዚ ካብ ሓደ ኣቶም ፎስፈረስን ሰለስተ ኣቶማት ሃይድሮጅን'ዩ ዝስራሕ።
እዚ ጋዝ ድማ ኣብ ልዕሊ ደመና ቬኑስ ከም ዝተረኸበ እቶም ሊቃውንቲ ይዛረቡ።
ኣብ መሬት ፎስፊን ህይወት ምስ ዘለዎም ነገራት ዝረኸበሉ ኣጋጣሚ ኣሎ። ብፍላይ ድማ ኦክስጅን ኣብ ዝሓጽሮም ከባቢታት ምስ ዝነብሩ ከም ፒንግዊን ዝበሉ እንስሳት ናይ ቐረባ ምትእስሳር ኣለዎ።
ብርግጽ ፎስፊን ኣብ ፋብሪካ'ውን ክስራሕ ይኽእል'ዩ፤ ግን ኣብ ቬኑስ ፋብሪካ የለን። ፒንግዊን'ውን የለን።
ስለዚ እዚ ጋዝ ኣብ ቬነስ እንታይ ይገብር ኣሎ?
ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ካርዲፍ ጄን ግሪቭስ ተመሳሳሊ ሕቶ ኣለዎ።
እቲ ፕሮፌሰር ምስ ናይ ሞያ መሳርሕቲ ብሓባር ነዚ ሕቶ ዘብርህ ከሕትም እንከሎ፡ እቲ ጋዝ ተፈጥሮኣዊ ዘይክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል ጥርጣረታት ከም ዘለዎም ገሊጾም።
ይኹን'ምበር ተመራመርቲ ውዱእ መልሲ ኣይረኸብሉን ዘለው። ግን ተፈጥሮኣዊ ዘይኮነ ፎስፊን ብኸመይ ኣብታ ፕላኔት ክርከብ ክኢሉ?
"ኣብ ዕድመይ ህይወት ዘለዎ ነገር ካብ ምድሪ ወጻኢ ኣብ ካልእ ቦታ ክህሉ ይኽእል'ዶ ዝብል ከጽንዕ እየ ወዲአዮ። እዚ ሓቂ ክኸውን ከም ዝኽእል ስለ ዝፈለጥኩ ገሪሙኒ'ዩ" ይብል ፕሮፌሰር ግሪቭስ።
"ካልኦት ዝተጋገናዮ እንተሃሊዩ እንተዝሕብሩና ባህ ምበለኒ። ሳይንስ በዚ መገዲ ስለ ዝሰርሕ እቲ መጽናዕቲ ንኹሉ ክፉት'ዩ" እውን ኢሉ።
ብፕሮፌሰር ግሪቭስ ዝምራሕ ጉጅለ፡ ኣብ ሃዋይ ዝተተኸለ ቴሌስኮፕ ጄምስ ክለርክ ማክስዌል ተጠቒሙ'ዩ ኣብ ቬኑስ ፎስፊን ከም ዘሎ ክፈልጥ ክኢሉ።
እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ ሃገረ ቺለ አታካማ ዝርከብ ቴሌስኮፕ'ውን ክረጋግጾ ክኢሉ።
እቲ ጋዝ ካብ ምድሪ ትሕቲ ጸፍሒ ባሕሪ ካብ 50 ክሳብ 60 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ደመና እዩ ተረኺቡ።
ቬነስ ግን ከመይ ዝበለት'ያ?
ካብ ምድሪ ወጻኢ ብህይወት ምንባር ዝከኣል'ዶ ይኸውን ዝብል ክሕሰብ እንከሎ፡ ቬኑስ ቀዲማ እትመጽእ ፕላኔት ክትኸውን ኣይትኽእልን።
ምኽንያቱ ምስ መሬት ክትነጻጸር እንከላ ቬኑስ ገሃነም'ያ። 96 ሚእታዊት ከባቢ ኣየር ቬኑስ ካብ ካርቦን ዳይ ኦክሳይድ ዝተሰርሐ'ዩ።
ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ዋዒኸ!? እሳተ ጎመራ'ዩ። ክሳብ 400 ዲግሪ ሴንቲግሬስ ዝበጽሕ ዋዒ ኣለዋ።
ናብ ቬኑስ ዝተጉዓዛ ሳተላይታት ልክዕ ኣብታ ፕላኔት ምስ ኣተዋ ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ ዓኒየን እየን።
ኣብ ቬኑስ ህይወት ክርከብ ዝኽእል እንተኾይኑ ኣብ ደመና እዩ። በዚ ምንኽንያት'ዩ እቲ ጋዝ 50 ኪሎ ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ደመና ዝተረኸበ።

ምንጪ ስእሊ, ESO
ኣብ ቬኑስ ዘሎ ደመና ሮጒድ'ዩ። ካብ 75 ክሳብ 95 ሚእታዊት ካብ ሳልፍሪክ ኣሲድ ዝተሰርሐ'ዩ።
ኣብ መሬት ኣብ ውሽጢ ከምዚ ዝበለ ደመና ህይወት ዘለዎ ነገር ንክነብር ይኸብዶ'ዩ።
ተመራመርቲ ኣብቲ ናይ ቬኑስ ደመና ህይወት ዘለዎ ነገር ክነብር ዝኽእል ወዲ ሰብ ብዘይፈልጦ ቀመር ኬሚስትሪ ጥራሕ እዩ።
ካብዚ ወጻኢ ግን ብሳልፈሪክ ኣሲድ ኣብ ዝተመልአ ደመና ህይወት ክህሉ'ዩ ኢልካ ምግማት ዕሽነት'ዩ ክብሉ ሰብ ሞያ ይዛረቡ።
ስለዝኾነ ተመራመርቲ ዘካይድዎ መጽናዕቲ ቐጺሉ'ሎ።
ዝኾነ ኮይኑ ናብ ከባቢ ኣየር ቬኑስ መንኮራኩር ብምልኣኽ'ዩ መልሲ ምፍላጥ ዝከኣል።
ትከል ምርምር ህዋ ኣመሪካ ናሳ፡ ተመራመርቲ ኣብ 2030 ናብቲ ከባቢ ክኸይድ ዝኽእል መንኮራኩር ንክሰርሑ ሓቲቱ ኣሎ።
እዚኦም ግን ኣዝዮም ብቑዓትን ክቡራትን'ዮም። እቶም መንኮርኮራት ድማ ናብ ደመናታት ቬኑስ ተላኢኾም ሓበሬታት ክእክቡ ትጽቢት ይግበሮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







