ክመዉት ዝበለ ማእኸል ህዋ

ማእኸል ህዋ ቲያንጎንግ

ምንጪ ስእሊ, china manned space engineering

ቲያንጎንግ ሓደ ዝተብሃለ ማእኸል ህዋ ቻይና፡ ካብ ቑጽጽር ወጸኢ ኮይኑ ብምህላዩ ትጽቢት ካብ ዝተገበሮ እዋን ቐዲሙ ኣብቲ ዝመጽእ ዓመት ናብ መሬት ክወድቕ'ዩ።

ዳህሰስቲ ናብ በረኽቲ ከባቢታት ብምዉጻእ ሓደሽቲ ቦታታት ክረኽቡ በረኻታትን ዉቅያኖሳትን እናቋረጹ ይጽዕሩ'ዮም ዘለዉ። ካብ ሞንጎ እቶም ሓደሽቲ ከባቢታት 'ናይ መተኣጓጎሊ ዓምዲ' ተባሂሎም ዝጽዉዑ ኣለዉ።

እቲ ሓደ "ኣህጉራዊ መባጽሒ መስመር" እንትበሃል፡ ካብ ዉቅያኖስ ርሒቑ ዝርከብ መሬት'ዩ። ኣብ ዙርያ ትኽክለኛ ቦታ እዚ መስመር ብዙሕ ክትዕ'ኳ እንተሃለወ፡ ብቻይናን ማእኸላይ ኤዥያን ኣቋሪጹ ብዝሓልፍ ጎቦ "ድዙነጋሪያን ጌት" ዝርከብ'ዩ።

እዚ ካብ መሬት ርሒቑ ማዕረ ዉቕያኖስ ዝርከብ፡ 2,700km ኣብ ሞንጎ ደቡባዊ ፓስፊክ ዝርከብ (ሰብ ዘይብሉ ደሴት ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ፒትካሪን ደሴት) ማለት ኣብ ሞንጎ ኣዉስትራሊያ፣ ኒዉዝላንድን ደቡብ ኣሜሪካን ዝርከብ'ዩ።

ኣብዚ ናይ ዉቅያኖስ ድልድል፡ ዳህሰስትን ኦፕሬተራት ሳተላይትን ዝተፈላለየ መጽናዕቲ ንምክያድ ድሌት ኣለዎም። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣብ መብዛሕትኦም ዑደት ምድሪ ዝርከቡ ሳተላይታት ናብ ታሕቲ ስለዝወርዱ'ዩ። ግን ናበይ?

ኣናኣሽቱ ሳተላይታት ናይ ምቅጻል ዕድል እንትህልዎም፡ ዓበይቲ ግና ናብ ከባቢ ኣየር ናይ ምብጻህ ዕድል ኣለዎም። ኣብ ጽዑቕ ከባቢ ከይገራጨዉ ግና ናብ ከባቢ ዉቅያኖስ ክወድቑ ይግበር።

ብኮምፒዩተር ዝተሰነደ ምስሊ ህዋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ነዊሕ እዋን ሓደ ዓመት ናብ ዓለምለኸ ማእኸል ህዋ ዘጎዓዕዝ ቖፎ ዝተኣከበ ጉሓፍ የቃጽል። እዚ ብልዑል ጥንቃቐ ዝፍጸም ስለዝኾነ ዋላ ሓደ ሰብ ኣብ ሓደጋ ጥሒሉ ኣይፈልጥን። ህይወት ማያዊ ኣካላት'ዉን ከይምርዝ ከምኡ።

ንመጻኢ ዓለምለኸ ማእኸል ህዋ'ዩ ናብዚ ናጻ ከባቢ ዑደት ዘካይድ።

ኮይኑ ግና ሓደ ሓደ ግዜ ሳተላይት ወይ ማእኸል ህዋ ናብ ደቡባዊ ፓስፊክ ክምለስ ምግባር ከቢድ'ዩ። ጸገም ከይፍጠር ኣብ መሬት ዘለዉ ተቖጻጸርቲ ሓበሬታ ክለዋወጥሉ ካብ ዝኽእል ኣጋጣሚ ወጸኣኢ ክኾኑ የብሎምን።

መሬት ብኣሽሓት ዝወዳደቑ ህዋ ዝተኸበበት'ያ

ምንጪ ስእሊ, NASA

እዚ ህዋ፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሚያዝያ ቲያንጎንግ ሓደ ናብ መሬት ክምለስ ትጽቢት ኣሎ። እዚ ማእኸል ህዋ ቻይና ኣብ 2011 ዝለኣኾ እንትኾን፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ብፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ቻይናዊት ተመራማሪት ህዋ ሉ ያንግ ተበጺሑ'ዩ።

ብ42.8 ዲግሪ ድማ ኣብ ሞንጎ ሰሜንን ደቡብን ክወድቕ'ዩ። እዚ ኣብ ሞንጎ ሰሜናዊ ስፔይንን ደቡባዊ ኣዉስትራሊያን'ዩ።

ቲያንጎንግ ሓደ ግና፡ ናብ ርሑቕ ደቡብ ፓስፊክ ክጽምበር ዘይኽእል ሓደ ማእኸል ህዋ'ዩ።