ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ሳተላይት ወንጪፋ

ሳተላይት

ምንጪ ስእሊ, ETV

ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ሳተላይት ናብ ጠፈር ወንጪፋ።

እዛ Ethiopian Remote Sensing Satellite - 01 (ETRSS - 01) ዝተሰምየት ሳተላይት፡ ሎሚ ካብ መደብር መወንጨፊ ሳተላይት ቻይና እያ ናብ ጠፈር ተወንጪፋ።

እታ ሳተላይት፡ ንዕደና፣ ንሕርሻ፣ ንሓለዋ ከባቢ፣ ንመጽናዕቲ ስነ-ምድሪ ዘገልግሉ ሓበሬታታት እትህብ እያ።

ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመት ኣገልግሎት ክትህብ ትጽቢት ዝግበረላ እዛ ሳተላይት፡ በብኣርባዕተ መዓልቱ ናይ ሙሉእ ኢትዮጵያ ሓበሬታ ክትሰድድ እያ። ኣብ 55 መዓልታት ከኣ፡ ዓለማዊ ሓበሬታ ትሰድድ።

እታ ሳተላይት ብመንግስቲ ቻይና ዝተሃነጸት ኮይና፡ 21 ኢትዮጵያውያን ተመራመርቲ እውን ኣብቲ ከይዲ ከምዝተሳተፉ ተገሊጹ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

እዛ ዓርቢ ወጋሕታ ዝተወንጨፈት 70 ኪሎ ግራም ክብደት ዘለዋ ሳተላይት፡ ካብ ቻይና ብዝተረኸበ 6 ሚሊዮን ዶላር እያ ተሃኒጻ።

ሳተላይት ምውንጫፍ ንምንታይ የድሊ?

ካብ ህዋ ንመሬት ምድህሳስ ብዙሕ ረብሓታት ኣለዎ።

ሰብሞያ ከምዝብልዎ፡ ለውጢ ክሊማ ንምቁጽጻር፣ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ቀዲምካ ንምትንባይን ውሕስነት ንምርግጋጽን ሳተላይት ተጠቒምካ ሓበሬታታት ክትእክብ ትኽእል።

ኣብ ሕርሻ እውን፡ ኣየናይ ከባቢ ልሙዕ ምዃኑ፡ ብዛዕባ ትሕዝቶ ሓመድን ማይን ዝኣምሰሉ ሓበሬታታት ካብ ሳተላይት ምርካብ ይከኣል እዩ።

ካብ ሰተላይት ብዝርከብ ሓበሬታ፡ ፋብሪካታት ኣበየናይ ከባብታት ክህነጹ ከምዘለዎም ንምውሳን ከምዘኽእል እውን ሰብሞያ ይዛረቡ።

ቅድም ክብል፡ ኢትዮጵያ ነዞም ዝተጠቐሱ ዓይነት ሓበሬታታት ካብ ካልኦት ሃገራት እያ ትረክብ ነይራ።

ሳተለይት ኣወንጪፈን ስእልታት ካብ ዝስእላ ሃገራት ክትዕድግ እያ ጸኒሓ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝተጸንዐ መጽናዕቲ ከምዝብሎ፡ ኢትዮጵያ ናይ ሳተላይት ሓበሬታታት ንምዕዳግ ዓመታዊ 250 ሚልዮን ብር ወጻኢ ትገብር ነይራ።