ጉሕለት ኣልኣዛር፡ ሰሜን ኮርያ ንስለ ቢሊየን ዶላራት ዝሰረቐትሉ መገዲ

ስእሊ ኮምፒዩተር ላፕቶፕ ዝሓዘ ሰብ

ብ2016፡ ሰሜን ኮርያውያን ሰርሰርቲ ካብ ሃገራዊ ባንኪ ባንግላድሽ ሓደ ቢልዮን ዶላር ክሰርቁ መደብ ኣውጺኦም።

እዚ ኹሉ ገንዘብ ግሒጦም ከውጽኡ ኣብ ጫፍ ምስ በጽሑ ግን፡ ንስለ ካብቲ ዝወሰዱዎ 81 ሚልዮን ዶላር ተዓጊቱ።

ንምዃኑ እታ ኣብ ዓለም ዝደኸየትን ዝተነጸለትን ሃገር ብኸመይ ዝተራቐቐ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ ገበነኛታት ክህልውዋ ክኢሎም?

እዚ ብኽልተ ክፋል እነቕርበልኩም ዘለና ዛንታ ቀዳማይ ክፋሉ ነዚ ፈለግ ተኸቲልኩም ክትረኽቡዎ ትክእሉ።

ካልኣይ ክፋሉ ከኣ እነሆ።

Short presentational grey line

ኣባል ኮንግረንስ ኣመሪካ ካሮላይን ማሎኒ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ክትዛረብ እንከላ "ካብቲ ኮንግረንስ ወጺአ ናብ መገዲ ኣየር እናኸድኩ'የ ብዛዕባ እዚ ስርቂ ኣብ ጋዜጣ ኣንቢበ። ብጣዕሚ ዘሰንብድ ክስትተ እዩ ነይሩ፤ ምናልባት ኣብ ዕዳጋ ፋይናንስ ዝረኣኹዎ ዘሰንብድ ክስተት እዚ'ዩ ክኸውን ዝኽእል" ትብል።

ኣባል ቀዋሚ ኮሚቴ ፋይናንሳዊ ኣገልግሎት ኮንግረንስ ኣመሪካ ማሎኒ፡ እዚ ስርቂ ገንዘብ ብቐሊሉ ዘይኮነ ቢሊዮናት ዶላራት ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ስርዓት ዝነበረ እምነት ዘዳኽም እዩ ብዝብል እያ ተረዲኣቶ።

"እቲ [ዶላራት ዝሓዘ] ባንኪ ኣብ ኒውዮርክ'ዩ ነይሩ፤ ልዑል ጥንቃቐ እዩ ዝግበረሉ። ከመይ ኢሉ'ዩ እዚ ገንዘብ ክመሓላለፍ ክኢሉ?" ትብል።

ኣባል ኮንግረንስ ኣመሪካ ካሮላይን ማሎኒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣባል ኮንግረንስ ኣመሪካ ካሮላይን ማሎኒ

ናብቲ ባንኪ ደዊላ፡ ሓደ ሰራሕተኛ እቲ ዝበዝሕ ገንዘብ ከድሕኑዎ ከም ዝኽኣሉ ሓቢሩዋ፤ እዚ ሳላ ንኡሽቶ ሃንደበታዊት ነገር ዝተረኽበ ሚልዮን ዕድል እዩ።

Short presentational grey line

እቶም ሰርሰርቲ 951 ሚሊየን ዶላር ከመሓላልፍሉ ዝሓሰቡዎ ባንኪ ኣብ ማኒላ ዘሎ ጨንፈር ኣርሲቢሲ ኣብ ጎደና ጅፒተር እዩ ዝርከብ።

ኣብ ማኒላ ሰርሰርቲ ክጥቀሙለን ዝኽእሉ ብዙሓት ባንኪታት ኣለው'ዮም።

ግን ድማ ንሳቶም ነዚ ባንኪ መሪጾም፤ እዚ ውሳነኦም ክኣ ብዙሕ ሚሊዮን ዶላራት ክስእኑ ገይሩዎም።

"እቲ ምትሕልላፍ ገንዘብ ካብቲ ፌዴራላዊ ባንኪ ኣመሪካ [ፌድ] ክግታእ ተገይሩ፤ ናይዚ ምኽንያት ኣብቲ ዝተኣዘዘ 'ጁፒተር' ዝብል ቃል ተጠቒሞም ነይሮም። እዚ ሽም ናይታ ማዕቀብ ዝተገብረላ መርከብ ጽዕነት ኢራን እዩ" ትብል ካሮሊን ማሎኒ።

"ጁፒተር" እትብል ቃል ኣብ 'ፌድ' ዝርከባ ኮምፒዩተራት መንቅሒ ደወል ምልክት ክህባ ገይራ።

በዚ ምኽንያት እቲ ዝተሓተተ ክፍሊት ተጻርዩ፤ መብዛሕትኡ ከኣ ጠጠው ክብል ተገይሩ። ሓሙሽተ ምልውዋጣት ገንዘብ ግን እዚ ፈተና ሓሊፎም ተፈጺሞም፤ 101 ሚሊየን ዶላር ማለት እዩ።

ካብዚ ሻሊካ ፋውንዴሽን ናብ ዝተባህለ ኣብ ስሪላንካ ዝርከብ ግብረሰናይ 20 ሚሊየን ዶላር ክመሓላለፍ ተገይሩ።

እዚ እቶም ሰርሰርቲ ዝገበሩዎ ኮይኑ፡ መስራቲት እቲ ፋውንዴሽን ግን እቲ ገንዘብ ሕጋዊ ልገሳ እዩ ኢላ ትኣምን።

ኣብዚ'ውን እንተኾነ እዞም ሰረቕቲ ዘጠራጥር ነገር ከይገደፉ ኣይተርፉን።

እቲ ገንዘብ ናብ "ሻሊካ ፋውንዴሽን" እዩ ተመሓላሊፉ ኢልናኩም።

ሓደ ቖቛሕ ዝኾነ ሰራሕተኛ ባንኪ ግን ኣብቲ ክፍሊት ክፍጸም ዝሓትት ወረቐት ናይ ስርዓተ ቋንቋ [Grammar] ጸገም ከም ዘሎ ስለ ዝተገንዘበ እቲ ገንዘብ ይመልሶ።

ስለዚ 81 ሚሊየን ዶላር ጥራሕ ይሓልፈሎም። እንተኾነ እዞም ሰረቕቲ ዝሓሰቡዎ ገንዘብ እዚ ጥራሕ ኣይነበረን።

ንባንግላድሽ ግን እዘን ገንዘብ እዚአን ንርእሰን ብዙሕ ነገር ስለ ዝኾና መንግስቲ እንታይ እናዓየየ'ዩ ገንዘብና ዝስረቕ ዝብል ዓብዪ ተቓውሞ ኣልዒሉ።

20 ሚኢታዊት ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ትሕቲ ድኽነት እዩ ዝነብር።

ባንኪ ባንግላድሽ እቲ ገንዘብ ንክመልስ ጻዕሪ ኣብ ዝገብረሉ እዋን እቶም ሰርሰርቲ እቲ ገንዘብ ባንግላድሽ ኣብ ዘይትረኽቦ ቦታ ኣቐሚጦምዎ።

ዓርቢ 5 ለካቲት፡ እቶም ኣብ ባንኪ ኣርሲቢሲ ዝተኸፈቱ ኣርባዕተ ናይ ባንኪ ሒሳብ ህይወት ዘሪኦም ምንቅስቓስ ይጅምሩ።

እቲ ገንዘብ ካብ ሓደ ኣካውንት ናብ ካልእ ክመሓላለፍ እንከሎ ገንዘብ ናብ ዝቕይር ትካል ክኣትው'ዩ ተገይሩ።

ናብ ናይታ ሃገር መተዓዳደጊ ገንዘብ ብምልዋጥ ተመሊሱ ናብቲ ባንኪ ኣትዩ።

ካብዚ ገሊኡ ብጥረ ገንዘብ ወጺኡ።

ሰብ ሞያ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ "ብገበን ዝመጽአ ገንዘብ ዋላ ሓደ ክፋእ ዘይብሉ መሲሉ ክርኣይ ክትገብር ኣለካ፤ ብሕጋዊ መገዲ ዝመጽአ ንክመስል እውን እቲ ምዝውዋር ገንዘብ ልኡም ክኸውን እዩ ዝግበር" ይብሉ።

ይኹን'ምበር መርመርቲ ምንጪ እዚ ገበን ንምጽራይ ኣይከበዶምን፤ ስለዚ እቶም ሰረቕቲ ኣበር ንከይርከቦም ካብ ስርዓት እቲ ባንኪ ክወጽኡ ኣለዎም።

ነቶም ገንዘቦም ክመልሱ ዝጓየዩ ዘለው ሰባት የሻል ንከብሉ፡ በቲ ገንዘብ ክጣልዑ መሪጾም።

ሶላሪ፡ ኣብ ውሽጡ ዓበይቲ ትካላት ንግዲ፣ ናይ ቲያትር ቦታ፣ ሆቴልን ካልእን ዘለዎ ዓብዪ ህንጻ ዝርከብ ናይ ጠላዕ [ቁማር] እዩ።

ማኒላ ካብ ቻይና ከይተረፈ መጺኦም ጠላዕ ዝጣልዑላ ከተማ እያ።

ሶላሪ ከኣ "ሓደ ካብቶም ኣብ ኤዥያ ዘለው ሰሓብቲ ናይ ጠላዕ ቦታታት'ዩ" ይብል ኤዲተር መጽሄት 'ኤዥያን ጌሚንግ' መሓመድ ኮሄን።

"ኣዝዩ ምዕሩግ ኮይኑ ዝተሰርሐን ኣብ ደቡብ ምብራቕ ኤዥያ ምስ ዘሎ ዝኾነ ይኹን ነገር ክወዳደር ዝኽእልን'ዩ። ብውሑድ 400 ጠረጴዛታት ጌምን 2000 መጻወቲ ማሽናትን ኣለውዎ" ኢሉ።

ኣብዚ'ዮም እቶም ሰረቕቲ ባንኪ ባንግላድሽ ቐጻሊ ገንዘብ ናይ ምዝውዋር መደቦም ከሳልጡ ትልሚ ሒዞም ዝነበሩ።

ካብቲ 81 ሚሊየን ዶላር እቲ 50 ሚሊየን ዶላር ናብ ሒሳብ ባንኪ ሶላሪን ካልእ ናይ ሚዳስ ዝተባህለ መጠልዕን ክኣቱ ገይሮም።

እቲ ዝተረፈ 31 ሚሊዮን ዶላር ከ?

ብ2013 ዝተኸፈተ ሶላሪ እንዳ ጠላዕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብ2013 ዝተኸፈተ ሶላሪ እንዳ ጠላዕ
Short presentational grey line

ሰኔት ፊሊፒንስ ዘጣየሶ ኮሚቴ ምጽራይ ከም ዝብሎ እቲ ገንዘብ ዡ ዊካንግ ንዝተባህለ ቻይናዊ ተኸፊሉ።

እዚ ውልቀሰብ ካብታ ከተማ ብናይ ውልቂ ጀት ወጺኡ ምስ ተባህለ ድሕሪኡ ብዛዕብኡ ተሰሚዑ ኣይፈልጥን።

እዞም ሰረቕቲ ጠላዕ ዝተጠቐምሉ ምኽንያት ኣሰር እቲ ገንዘብ ንከይፍለጥ ንምጥፍፋእ ኮይኑ መጀመርታ እዚ ዝተሰረቐ ገንዘብ ናብዚ ናይ ጠላዕ ሳናቲም ተቐይሩ ኣብ ጠረጴዛታት እቲ መጻወቲ ወሪዱ መሊሱ ናብ ገንዘብ እዩ ተቐይሩ።

እዚ መርመርቲ ምንጪ እቲ ገንዘብ ንምፍላጥ ከጸግመሎም እዩ ብዝብል ሒሳብ ዝተመረጸ መገዲ'ዩ።

ሓደግኡኸ? እቲ ገንዘብ ኣብ ጠረጴዛ ጠላዕ ተበሊዖም ገንዘቦም ክስእኑ'ዶ ኣይክእሉን'ዮም? ትብሉ ትኾኑ።

ፈጺሞም ኣይስእኑዎን።

ሓደ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ኩሉ ሰብ ዝጻወተሉ ቦታ እቶም ሰረቕቲ ናይ ባዕሎም ክፍሊ ክዳለወሎም ብምግባር ኣብታ ናቶም ጠረጴዛ ክጻወት ዘፍቅድሉ ጥራይ'ዩ ዝርከብ፤ እዚ ድማ እቲ ገንዘብ ከመይ ኣብ ቑማር ይውዕሎ ኣሎ ንምቁጽጻር ይጥዕሞም።

ካልኣይ እቲ ዝተሰረቐ ገንዘብ ኣብ ኤዥያ ፍሉጥ ዝኾነ 'ባካራት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጌም'ዮም ዝጻወትሉ።

እዚ ጸወታ ኣዝዩ ቀሊል ስለ ዝኾነ ንምስዓር ኣይጽገሙን።

ድሕሪ'ዚ እዞም ገበነኛታት እቲ ዝተሰረቐ ገንዘብ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምዝውዋር ሕጋዊ ብዝመስል መገዲ ናብ መዓልኦም ዘውዕልሉ ኣገባብ ይሕንጽጹ።

ካብቲ እንዳ ጠላዕ ገንዘብ ንምውጻእ ሰሙናት ይወስድ ስለ ዝነበረ ኣብዚ ግዜ ባንኪ ባንግላድሽ ክስዕቦም ጀሚሩ ነይሩ።

ሰብ መዚ እታ ሃገር ናብ ማኒላ መጺኦም እቲ ገንዘብ ኣብ ምንታይ ከም ዘሎ ፈሊጦም።

ናብቲ ናይ ጠላዕ ቦታ ምስ መጽኡ ግን ገለ ዝገትኦም ነገር እዩ ኣጋጢሙዎም።

ኣብቲ እዋን ኣብ ፍሊፒንስ ዘለው ናይ ጠላዕ ገዛውቲ ብመምርሒታት ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ዝግዝኡ ኣይነበሩን።

ጠላዕ ኣተሓሳሳቢ ጉዳይ እንተነበረ'ውን እቲ ገንዘብ ግን ብሕጋውያን ተጣላዕቲ ናብ ባንኪ ኣትዩ'ዩ።

ሶላሪ፡ ብዛዕባ እቲ ዝተሰረቐ ገንዘብ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረንን እዩ ዝብል።

ሚዳስ ግን ርኢይቶ ንምሃብ ዝቐረበሉ ሕቶ ኣይመለሰን።

ሰብ መዚ እቲ ባንኪ ካብ ሓደ ነቲ ኣብ ሚዳስ ነቲ ጠላዕ ዘተሓባበረ ውልቀሰብ 16 ሚሊየን ዶላር ክመልሱ ክኢሎም።

እዚ ኪም ዎንግ እዩ ዝብሃል። ተኸሲሱ እንተነበረ'ውን ጸኒሑ ክሱ ውድቂ ኮይኑ።

ወዮ ሓደ ቢሊየን ዶላር ክሰርቁ ዝተበገሱ ሰርሰርቲ፡ 35 ሚሊየን ዶላር ሒዞም ተሪፎም፤ መርመርቲ ከም ዝብሉዎ እዚ ገንዘብ ናብ ሰሜን ኮርያ ክኣቱ ሓንቲ መገዲ ጥራይ ተሪፋቶ ነይራ።

ፍሉይ ምምሕዳር ማካኡ ኣብ ሆንግ ኮንግ ምስ ዘላ እትመሳሳሰል ግዝኣት ቻይና እያ።

ልክዕ ከም ፊሊፒንስ ኣብ ቻይና ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ፍሉጣት ናይ ጠላዕ ቦታታት ኣለውዋ።

እዛ ባዕላዊ ምምሕዳር ዘለዋ ሃገር ምስ ሰሜን ኮርያ ነዊሕ ዝጸንሐ ዝምድና ኣለዋ።

ኣብ መጀመርታ 2000 ሰብ መዚ ሰሜን ኮርያ ዝለዓለ ዋጋ ዘለዎ "ሱፐርዶላርስ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ በዓል 100 ኖት ዶላር ኣመሪካ ብዘይሕጋዊ መገዲ ከዘዋውሩ ኣብ ማካኡ'ዮም ተታሒዞም።

ብ2006፡ ሰብ መዚ ባንኪ ጃፓን ካብቲ ንቡር ዓቀን ዶላር 400 ዕጽፊ ዝኾነ ዘይሕጋዊ ገንዘብ 'ሱፐርዶላር' ሒዞም

ምንጪ ስእሊ, Empics

መግለጺ ስእሊ, ብ2006፡ ሰብ መዚ ባንኪ ጃፓን ካብቲ ንቡር ዓቀን ዶላር 400 ዕጽፊ ዝኾነ ዘይሕጋዊ ገንዘብ 'ሱፐርዶላር' ሒዞም

እዚ ገንዘብ ኣብ ሰሜን ኮርያ ከም ዝተሓተመ ሰብ መዚ ኣመሪካ ይገልጹ።

እዚ ገንዘብ ዘመሓላለፈሎም ባንኪ ከኣ ኣብ ትሕቲ ማዕቀብ ኣመሪካ ዝነበረ ባንኪ ኮይኑ ምስ ስርዓት ሰሜን ኮርያ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ይእመን።

ብተወሳኺ ብ1987 115 ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ቦንባ ዝፈጸመ ሰላሊ ሰሜን ኮርያ ኣብዛ ሃገር እዩ ስልጠና ወሲዱ።

ሓው ንኪም ጆንግ-ኡን ኪም ሎንግ-ናም ብስደት ንዓመታት ዝነበረላ'ውን ማካኡ እያ።

ስለዚ እቲ ካብ ባንኪ ባንግላድሽ ተሰሪቑ ብፍሊፕንስ ዝተመሓላለፈ ገንዘብ ምስ ማካኡ ምትእስሳር ከም ዘለዎ ዝገልጹ ሓበሬታታት ክወጽኡ ጀሚሮም።

ኣብ ሶላሪ እቲ ናይ ጠላዕ መደብ ዝወደቡ ሰባት ካብ ማካኡ ምዃኖም ይፍለጥ።

ክልተ ናይ ብሕቶም መጣልዒ ክፍሊ ክትሓዘሎም ዝገበሩ ኩባኒያታት'ውን ማእከሎም ማካኡ ኮይኑ።

መርመርቲ ኣብዝሓ እቲ ዝተሰረቐ ገንዘብ ናብ ሰሜን ኮርያ ቅድሚ ምኻዱ ኣብዛ ንኡሽቶ ግዝኣት እዩ ነይሩ ኢሎም ይኣምኑ።

Short presentational grey line

ሓደ ምሸት ብናሳ ብዝተወስዱ ምስሊታት ሰሜን ኮርያ ኣዘራራቢት ትኸውን።

ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር ሕጽረት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ስለ ዘሎ እቲ ናሳ ካብ ህዋ ዝወሰዶ ምስሊ ሰሜን ኮርያ ጸሊም ሃጓፍ [ብላክ ሆል] ስለ ዘምሰላ'ያ ተወዓዊዓ።

ናሳ ዝወሰዶ ምስሊ ሰሜን ኮርያ

ምንጪ ስእሊ, NASA

ብኣንጻሩ ጎረቤታ ደቡብ ኮርያ ቀትሪ ይኹን ለይቲ መብራህቲ ዘይጠፍኣ ብርሃን ሃገር እያ።

ሰሜን ኮርያ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ድኻ ሃገራት ኣብ መበል 12 እትስራይ ኮይና ዓመታዊ ሓፈሻዊ እቶት ሓደ ውልቀሰብ እታ ሃገር 1700 ዶላር ጥራሕ እዩ። እዚ ካብ ሴራሊዮንን ኣፍጋኒስታንን ዝተሓተ ምዃኑ ሲኣይኤ ይገልጽ።

እዚ'ውን ኮይኑ ግን ሰሜን ኮርያ ኣብ ዓለም ኣለው ዝብሃሉ ኣዝዮም ከበድቲ ሰርሰርቲ እተፍሪ ሃገር እዩ።

ከመይን ብኸመይን ዝብል ብምርዳእ፡ ሰሜን ኮርያ ኣዝዮም ዝተራቐቑ ናይ ሳይበር ክኢላታት ብምሓዝ፡ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ዝኾኑ ሰባት እነሆ ካብ 1948 ጀሚሩ ነታ ሃገር ይገዝኡዋ ኣለው።

እንዳ ኪም!

መስራቲ እዛ ሃገር ዝኾነ ኪም ካልኣይ-ሳንግ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ህዝብታት ኮርያ ኢሉ ክምስርታ እንከሎ ፖለቲካዊ ስርዓቱ ዚያዳ ናብ መስፍናዊ ዝቐርብ ነይሩ።

ወዱ ኪም ጆንግ-ኢል ስልጣኑ ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘጽዓቐ ክኸውን ብምግባሩ፡ ንኣመሪካ ባላስቲክ ሚሳይልን ኒኩለር ብምውንጫፍ ይተዃቱኳ ነይሩ።

ነዚ ዝኸውን ገንዘብ ንምርካብ እቲ ስርዓት ኣዝዩ ናብ ዝተሓላለኸ መገዲ ፋይናንሳዊ ምንጪ ከም ዘእተዋ ኣመሪካ ትገልጽ።

ብተወሳኺ ኪም ጆንግ-ኢል ሳይበር ምስ ስትራቴጂ እታ ሃገር ክትኣሳሰር ክውስን እንከሎ ብ1990 ማእከል ኮምፒዩተር ኮርያ ከፊቱ።

እዚ ሕምብርቲ ስርሒታት ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ እታ ሃገር ኮይኑ።

ሳልሳይ ወዱ ንኪም ጆንግ-ኢል ኪም ጆንግ ኡን ብ2010 ወራሲ መንግስቲ ምዃኑ ምስ ተነግረ ነቲ ብዙሕ ዘይፈልጦ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ምኩር ዝኾነን በሊሕ ኣእምሮ ዘለዎን ኣብ መበል 20ታት ዕድመ ዝርከብ መንእሰይ እዩ ዝብል ዛንታ ክንገረሉ ጀሚሩ።

እዚ ጎስጓስ ትውልዲ እታ ሃገር ምእዙዝ ንክኸውን ዓብዪ ተራ ተጻዊቱ።

ስእሊ ኪም ካልኣይ-ሳንግን ኪም ጆንግ-ኢልን ኣብ መምሃሪ ክፍሊ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ስእሊ ኪም ካልኣይ-ሳንግን ኪም ጆንግ-ኢልን ኣብ መምሃሪ ክፍሊ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ

መንእሰይ ኪም ብ2011 ናብ ስልጣን ምስ ደየበ [ኣቡኡ ምስ ሞተ] ንኣጽዋር ኒኩለር "ክቡር ሰይፊ" ኢሉ ክጽውዖ እንከሎ ነዚ ዝምውለሉ ፋይናንስ የድልዮ ነይሩ።

እታ ሃገር ብ2006 ነዊሕ ባላስቲክ ሚሳይልን ኒኩለርን ምስ ኣወንጨፈት ኣብ ማዕቀብ ኣመሪካ ኣትያ እያ።

ስለዚ ስርቂ መፍትሒ ኮይኑ ረኺባቶ ክብሉ ሰብ መዚ ኣመሪካ ይዛረቡ።

እንተኾነ ኣብ ሰሜን ኮርያ ዘሎ ናይ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ክእለት ነታ ሃገር ምስቲ ዝተረፈ ክፋል ዓለም ክትትኣሳሰርን ዜጋታታ ካብታ ሃገር ወጻእ ዘሎ ኩነታት ዓለም እንታይ ይመስል ዝብል ክፈልጡን ኣይሓገዞምን።

ስርዓት እታ ሃገር፡ ኣዝዮም ዝሰልጠኑ ክኢላታት ንክህልዎን ሙኩራት ፕሮግራመራት ኮምፒዩተር ንክምሃሩሉን ናብ ወጻኢ ሃገር [መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ቻይና] እዩ ዝልእኾም።

ኣብዚ ዓለም ኮምፒዩተርን ኢንተርነትን ከመይ ትጥቀም ዝብል ይምሃሩ፤ እዚ ምስ ሸቐጣት፣ ጠላዕ፣ ንምርኻብን ንምዝንጋዕን ዝብሉ ዘጠቓለለ እዩ።

ኣብዚ'ዮም ካብ ናይ ሒሳብ ክኢላታት ናብ ሰርሰርቲ ዝሰጋገሩ።

መብዛሕትኦም መናእሰይ ኣብ ቻይና ኣብ ዝንቀሳቐሱ ትካላት ሰሜን ኮርያ ይነብሩን ይሰርሑን።

"ነፍሲ ወከፍ ስርሖም ንከይፍለጥ ጥንቁቓት'ዮም፤ ግን ሓሓሊፉ ልክዕ ከምቲ ካልእ ገበነኛ ገለ ክፍተት ይገድፉ'ዮም። ነዚ ተጠቒምና ናብ 'IP' ኣድራሽኦም ብምእታው ኣበይ ከም ዘለው ንፈልጥ" ክብል ኣባል ኤፍቢኣይ ዝነበረ ክያንግ-ጂን ኪም ይዛረብ።

ንሱ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ደቡብ ኮርያ ከተማ ሴኡል ብውልቂ መርማሪ ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ።

እዞም ነዃላት'ዮም ድማ መርመርቲ ኣብ ሰሜን ምብራቕ ቻይና ሺንያንግ ናብ ዝርከብ 'ሆቴል' መሪሖዎም።

እዚ ሆቴል ቺልቦሳን ተባሂሉ'ዩ ዝጽዋዕ።

ጂንግ ኪም እዚ ሆቴል "ኣብ ማሕበረሰብ ስለያ ኣዝዩ ፍሉጥ" እዩ ነይሩ ክብል እንከሎ፡ ብ2014 ሰሜን ኮርያውያን ሰርሰርቲ ፈላማይ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ እንከለው ኣብዚ ሆቴል ነይሮም ተባሂሉ ይጥርጠር።

ወደባዊት ከተማ ዳሊን - ንዓሰርተ ዓመት ፓርክ ጂን-ዮክ ሓዊሱ ብዙሓት ክኢላታት ኮምፒዩተር ዝነብሩላን ዝሰርሑላን ክትከውን ከም ዝጀመረትን ብርክት ዝበሉ ሰሜን ኮርያ እተመሓድሮም ትካላት ዝተኸፈቱላን ከም ዝኾነት ካብታ ከተማ ወጺኡ ዕቑባ ዝሓተተ የን ሰንግ-ሊ ይገልጽ።

ሊ ኣብ ፒዮንግያንግ ተወሊዱ ዓብዩ። ንዓመታት ከኣ ኣብ ዳሊን ምስ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ርክብ ምስ ነበሮ ነጋዳይ ኣቡኡ ተቐሚጡ።

እቲ ስድራ ብ2014 ካብታ ወደባዊት ከተማ ክሳብ ዝወጽእ ኣብኡ ነይሩ።

ንሱ ክሳብ ዝነበረሉ ግዜ ኣስታት 500 ሰሜን ኮርያውያን ኣብ ዳሊን ይነብሩ ነይሮም። ካብዚኦም እቶም 60 ፕሮግራመራት ነይሮም።

ኣብ ሓደ ክፍሊ ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ ኮይኖም ከም ዝቕመጡን ብኡ ኣቡሎም እቲ መንበሪ ገዝኦም ናብ ቤት ጽሕፈት ቀይሮም ከም ዝሰርሑን ይዛረብ።

ገለ ንበዓል ልደት ዝጽውዑዎ መናእሰይ እንታይ ከም ዝሰርሑ ኣርእዮምዎ፤ ብደለልቲ ኣቢለን ናብ ደቡብ ኮርያ ዝሽየጣ ናይ ሞባይል ጌም ኢና ንሰርሕ ኢሎምዎ።

በዚ ኣብ ዓመት ሓደ ሚሊየን ዶላር ከም ዝርከቦ'ውን ነጊሮምዎ።

ዋላ'ውን ሰብ መዚ ጸጥታ ሰሜን ኮርያ ዓይኖም ካብኦም ዝፈልዩ እንተዘይኮኑ ህይወቶም ግን ቁሩብ ነጻነት ነይሩዎ'ዩ።

"ኣብ ሰሜን ኮርያ ምስ ዘሎ ህይወት ክነጻጸር እንከሎ ነጻነት ዘለዎ ህይወት ስለ ዝነበረ፡ ኢንተርነት ተጠቒሞም ገለ ፊልምታት ከማን ይርእዩ ነይሮም" ኢሉ ሊ።

ድሕሪ ሸሞንተ ዓመት፡ ሰርሳሪ ፓርክ ጂን-ዮክ ናብ ሃገሩ ክምለስ ነይሩዎ።

ብ2011 ኤፍቢኣይ ዝረኸቦ ኢሜይል ኣብ ፒዮንግያንግ ዘላ ሕጽይቱ ክምርዖ ከም ዝደሊ ዝሓትት ነይሩ።

ግን ድማ ኤፍቢኣይ ከም ዝብሎ ሓለፍቱ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ፣ ካሊፎርኒያን ሆሊውድን ዝርከቡ ከም ሶኒ ፒክቸርስ ዝበሉ ዓበይቲ ዓለማዊ ናይ ምዝንጋዕ ትካላት ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጽም ዝብል ንዕኡ ዝህቡዎ ካልእ መደብ ነይሩ።

ብ2013፡ ሶኒ ፒክቸርስ ሓድሽ ፊልም ከም ዝሰርሕን ክኢላታቱ ናብ ሰሜን ኮርያ ከም ዝልእኽን ይገልጽ።

እዞም ክኢላታት ናብታ ሃገር ብምኻድ ንኪም ጆንግ-ኡን ቃለ መጠይቕ ክገብርሉ እሞ ክቐትሉዎ ሲኣይኤ የእምኖም።

በዚ ዝተሰናበደት ሰሜን ኮርያ ሶኒ ፒክቸርስ እዚ ፊልም እንተፈኒዩዎ ኣንጻር ኣመሪካ ሕነ ንምፍዳይ ስጉምቲ ከም እትወስድ ተሓንያ።

ኣብ ሕዳር 2014 ናብ ሓለፍቲ እቲ ኩባኒያ "ዘብዒ ሰላም" ኢሎም ንርእሶም ካብ ዝጽውዑ ሰረቕቲ መልእኽቲ ኢሜይል ይበጽሖም።

"ከቢድ ሓደጋ ከነብጽሐልኩም ኢና" ኢሉ ዘፈራርሕ መልእኽቲ'ዩ።

ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ከኣ ኣዝዩ ዘፍርሕ ፊልም ኣብ ኮምፒዩተር ሰራሕተኛታት እቲ ኩባኒያ ይዝርጋሕ።

እዞም ሰረቕቲ ንሶኖ ጽቡቕ ገይሮም ከፈራርሑዎ ጀሚሮም ኣለው።

መሃያ ፈጸምቲ ስራሕ፣ ሚስጥራዊ ኢሜይላትን ካልኦትን ኣብ ኦንላይን ሰሊኾም ክወጽኡ እንከለው እቲ ኩባኒያ ኮምፒዩተራቱ ብቫይረስ እቶም ሰረቕቲ ስለ ዝተጠቕዐ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኑ።

ሰራሕተኛታት ናብ ስርሖም ክኣትው ኮነ ካልእ ክገብሩ ኣይክኣሉን።

ሶኒ እቲ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ብዘይተለመደ መልክዑ ክፍንዎ ምዃኑ ገሊጹ'ኳ እንተነበረ እቶም ሰረቕቲ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከይተረፈ ከብጽሑ ከም ዝኽእሉ ብምፍርርሖም ኣይደፈረን።

ቀንዲ ሲነማታት ነዚ ፊልም ኣይነርእይን ብምባለን እቲ ፊልም ኣብ ገለ ናይ ውልቂ ሲነማታት ጥራይ ተራእዩ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ሶኒ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ግን ነቲ ኣብ 2016 ኣብ ልዕሊ ባንግላድሽ ዝተፈጸመ ስርቂ ኣፋፍኖት ዝኸፍት ኮይኑ።

ባንግላድሽ ክሳብ ሕጂ 65 ሚሊየን ዶላር ዝኸውን ገንዘብ ክትምልስ ላሕ ትብል ኣላ።

እቲ ሃገራዊ ባንኪ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ ትካላትን ሰራሕተኛታት ባንኪ ኣርሲቢሲን ሓዊሱ ስጉምቲ ይወስድ ኣሎ።

እቲ ባንኪ ግን ዝኾነ ዓይነት ሕጊ ከም ዘይተመሓላለፈ ይካታዕ።

ኮርያውያን ተመሃሮ ኮምፒዩተር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ 2017 'ዋናክራይ' ዝተባህለ ስርቂ ገንዘብ ኣብ ዓለም ልክዕ ከም ባርዕ ጫካ ተላቢዑ ነይሩ።

እቶም ሰረቕቲ ሰነዳት ግዳያት ብምሓዝ ገንዘብ ቤዛ ክኸፍሉዎም ብምሕታት ኣማኢት ዶላራት ናብ መኽዝኖም ክኣቱን እቲ ክፍሊት ብቢትኮይን ክኸውንን ይጠልቡ ነይሮም።

ኣብ ብሪጣኒያ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ብኸፊል በዚ ዝተጠቕዐ ትካል እዩ።

ምስ ኤፍቢኣይ ዝሰርሑ ዝነበሩ ብሪጣናውያን መርመርቲ እቲ ቫይረስ ንባንኪ ባንግላድሽን ሶኒ ፑክቸርስን ምስ ዘጥቅዐ ዝመሳሰል ከም ዝኾነ ገሊጾም።

ኤፍቢኣይ ድማ ዘዚ ጉዳይ ዝኸፈቶ ክሲ ኣብ መዝገብ ፓርክ ጂን-ዮክ ክካተት ገይሩ።

ክሲ ኤፍቢኣይ ልክዕ እንተኾይኑ ሰራዊት ሳይበር ሰሜን ኮርያ ሕጂ ክንደየናይ ብክሪፕሮካረንሲ ከም ዝደለበ ምግማት ይክኣል። ናይዚ ምኽንያት ነቲ ዝተለመደ ስርዓት ባንኪ ዝልውጥ ዝተራቐቐ ቴክኖሎጂ ዝሓትት ዲጂታላዊ ባጤራ እዩ።

እንተኾነ 'ዋና ክራይ' መጀመሪ እዩ ነይሩ።

ቀጺሎም ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ዓውዲ ቴክሎኖጂ ሰሜን ኮርያውያን ሰርሰርቲ ኣብ ከም ቢትኮይን ዝበሉ ክሪፕቶካረንሲታት ዘነጻጸረ ዕማም ከም ዝነበሮም ዘመላኽት ሓበሬታ ኣሎ።

እዚ ተደሚሩ ልዕሊ ክልተ ቢሊየን ዶላር ስርቂ ክኸውን ይገብሮ። እቲ ክሲ ሕጂ'ውን ይቕጽል ኣሎ።

ብለካቲት ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣመሪካ ካልኦት ክልተ ሰሜን ኮርያውያን ኣባላት ኣልኣዛር'ዮም ዝበሎም ጉጅለ ካብ ካናዳ ናብ ናይጄሪያ ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ገንዘብ ዝፍጽሙን ዝበሎም ከሲሱ ኣሎ።

Short presentational grey line