ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ 37 ሺሕ ኮምፒተራት መጥቃዕቲታት ሳይበር ተፈቲኑ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Information Network Security facebook
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ 37 ሺሕ ኮምፒተራት መጥቃዕቲ ሳይበር ንምብጻሕ ፈተነ ከምዝተገብረ፡ ኤጀንሲ ድሕነት መርበብ ሓበሬታ ኢትዮጵያ ገሊጹ።
እቲ ኤጀንሲ፡ ሎሚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገጹ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፤ እዚ ፈተነታት መትቓዕቲ ዘካይድ ዘሎ 'ሳይበር ሆርስ ግሩፕ' ዝተብሃለ ሰርሳሪ ጉጅለ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ዝርከቡ ኮምፒተራት ሓድሽ ቫይረስ ክፍንው ኣብ ምድላው እንተሎ ቀዲሙ ከምዝተፈልጠ'ውን ተገሊጹ።
'ብላክ ፒራሚድ ዋር' ዝብል መጸውዒ ዝተውሃቦ እቲ ቫይረስ፡ ብሓፈሻ ኣስታት 37 ሽሕ ኮምፒተራት ከጥቅዕ እናፈተነ ከምዝነበረ'ውን ተሓቢሩ።
እንተኾነ፡ እቲ ቫይረስ ኣብ ዒላማ ዘእተዎን እዘን ኮምፒተራት ናይ በዓል መንን ኣበይ ኣበይ ዝርከባ ከምዝኾናን ኣይተነጸረን።
እቲ ጉጅለ፡ ምስ ካልኣይ ዙር ማይ ምምላእ ህዳሰ ግድብ ብዝተኣሳሰር ኣብታ ሃገር ዝርከቡ መርበባት ሓበሬታ ኣብ ምስርሳር'ውን ጻዕሪ እናገበረ ከምዝጸንሐ ቢቢሲ ካብቲ ኤጀንሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
እንተኾነ፡ ኣየኖት መርበባት ሓበሬታ ግዳይ እቲ መጥቃዕቲ ከምዝኾኑ ኣይረቑሐን።
እቲ ኤጀንሲ፡ ብሓፈሻ፡ ኩሎም ተጠቀምቲ መርበባት ሓበሬታ ኣድላይ ዘበለ ጥንቃቐ ክገብሩ ምዒዱ።
ቅድም ክብል፡ ኤጀንሲ ድሕነት መርበብ ሓበሬታ'ታ ሃገር፡ ተቐማጦ ግብፂ ዝኾኑ ጉጅለታት ኣጥቃዕቲ ሳይበር ኣብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲታት ከብጽሑ ሃቂኖም ከምዝፍሽለ ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
እቲ ቀዲሙ ምቁጽጻር ከምዝኸኣለ ዝገለጾም ፈተነታት መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ፖለቲካውን ቁጠባውን'ታ ሃገር ጽዕንቶ ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዝነበረ እዩ ገሊጹ ነይሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







