ሰርሰርቲ ሩስያ፡ እንደገና "ንመረፃ ኣሜሪካ" ዒላማ ገይሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምስ ሩስያ፣ ቻይናን ኢራንን ርክብ ዘለዎም ሰርሰርቲ መርበባት ሓበሬታ፡ ኣብ ፕረዝደንታዊ መረፃ ኣሜሪካ 2020 ንዝሳተፉ ሰባትን ጉጅለታትን ንምስላል ይፍትኑ ከምዘለዉ ማይክሮሶፍት ገሊፁ።
እዞም ሰርሰርቲ፡ ኣብ 2016 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ንጎስጓስ ሰልፊ ዲሞክራት ዒላማ ብምግባር ዘጥቅዑ ከምዝኾኑ እቲ ኩባንያ ቴክኖሎጂ ሓቢሩ።
ናይ ወፃኢ ጉጅለታት ነዚ መረፃ ዒላማ ይገብሩ ምህላዎም ግልፂ እዩ ዝበለ ማይክሮሶፍት፡ ጎስጓሳት ዶናልድ ትራምፕን ጆ ባይደንን ግዳያት እዚ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ከምዝኾኑ ኣፍሊጡ።
ስትሮንቲዮም ናይ ዝተብሃለ ጉጅለ ሩስያውያን ሰርሰርቲ፡ ምስ ውድባት ፖለቲካ ኣሜሪካ ሪፓብሊካንን ዲሞክራትን ርክብ ንዘለዎም ልዕሊ 200 ትካላት ከምዘጥቅዑ ድማ ማይክሮሶፍት ሓቢሩ።
እዞም ሩስያውያን ሰርሰርቲ ንውድባት ፖለቲካ (ሰልፍታት) ብሪጣንያ'ውን ከምዘጥቅዑ'ውን ተገሊፁ።
ስትሮንትዮም፡ ምስ ወተሃደራዊ ስለያ ሩስያ ምትእሳር ኣለዎ ተባሂሉ'ዩ ዝጥቐስ።
ዚርኮንዮም ተባሂሎም ዝፍለጡ ቻይናውያን ሰርሰርቲ መርበባት ሓበሬታ'ውን፡ ምስ ጎስጓስ ጆ ባይደን ርክብ ንዘለዎም ውልቀሰባት ዒላማ ከምዝገበሩ ዝሓበረ ማይክሮሶፍት፡ ኢራናውያን ሰርሰርቲ ፎስፎረስ ድማ ምስ ናይ ትራምፕ ጎስጓስ ርክብ ንዘለዎም ንምጥቃዕ ይፍትኑ ከምዘለዉ ገሊፁ።
ይኹን'ምበር መብዛሕትኦም ሰርሰርቲ ከምዘይተዓወቱ እቲ ኩባንያ ኣፍሊጡ።
ምክትል ውሃቢ ቃል ጎስጓስ ትራምፕ ትያ ማክዶናልድ፡ "ዓብይ ዒላማ ኢና፡ ስለዚ ኣብ ጎስጓስናን ኣባላትናን ዒላማ ዝገበረ እከይ ተግባር ምርኣይ ዝገርም ኣይኮነን" ኢላ።
ብዓል መዚ ጎስጓስ ናይ ጆ ባይደን'ውን፡ ካብ መፈለምትኡ ንከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ዒላማ ከምዝኾኑ ይፈልጡ ከምዝነበሩን ተዳልየምሉ ከምዝነበሩን'ዩ ሓቢሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







