"ንመሳርሕተይ ብምፍቃረይ ካብ ስራሕ ተባሪረ"

ምንጪ ስእሊ, GARY LYON
ኣውስትራልያዊ ወናኒ ትካል ጋሪ ሊዮን ምስ ሓንቲ ብመዓርግ ካብ'ኡ ዝተሓተት መሳርሕቱ ፍቕራዊ ርክብ ብምምስራቱ ካብ ስራሕ ምስጓጉ "ስግንጢር" ኮይኑ'ዩ ረኺብዎ።
ኣብ መወዳእትኡ ግን ንታምራ ተመርዕዩ ን12 ዓመታት ብሓዳር ጸኒዖም፤ ሻሎት እትበሃል ጓል ወሊዶም። ጓል 11 ዓመት በጺሓ'ላ።
ሕጂ ሊዮንን በዓልቲ ቤቱን ኣብ ከተማ ብረስበይን እትርከብ ኩባንያ ይውንኑ። "ክልተ ካብ ሰራሕተኛታተይ ኣብ ፍቕሪ እንተዝወድቁ ሕጉስ ምኾንኩ ነይረ" ይብል።
"ኣብ ስርሖም ዕንቅፋት ክሳብ ዘይፈጠረሎም፡ ፈጺሙ ኣይመሻቐለንን" ክብል'ውን ይዛረብ።
ኣሜሪካዊ ኩባንያ ማክዶናልድ፡ ንላዕለዋይ ኣካያዲ ስራሕ ስቲቭ ኢስተርብሩክ ንሓንቲ ብመዓርግ ዝተሓተት ሰራሕተኛ ብምፍቃሩ ካብ ስራሕ ኣባሪሩ ዝብል ዜና ኣብዚ ሰሙን ተሰሚዑ ነይሩ።
ነዚ ምስ ሰምዐ'ዩ ሊዮን ብዛዕባ ናይ ባዕሉ ተሞክሮ ንቢቢሲ ከዕልል ወሲኑ።
እቲ ፍቕራዊ ዝምድና ሓባራዊ ስምምዕ ናይ'ቶም ክልተ ሰባት ኣለዎ። እንተኾነ ግን ኢስተርብሩክ ፖሊሲ ኩባኒያ ግሂሱ ክብል ማክዶናልድ ካብ ስራሕ ኣባሪርዎ።
እዚ ጉዳይ'ዚ ሰራሕተኛታት ኣብ ቦታ ስርሖም ጾታዊ ፍቕሪ ምስ ዝረኽቡ ንዘጋጥምዎም ጸገማት፡ መፍትሒ የቐምጥ። ብፍላይ ድማ ሓዲኦም ብስልጣን ክብ ዝበለ እንተኾይኖም።
'ሞደሻ ወደቐ'
ሊዮን ኣብ ሓደ ማዓጹን መሳኹትን ዝሰርሕ ትካል ሓላፊ ስርሒታት'ዩ ነይሩ። ነታ ናይ መጻኢ በዓልቲ ቤቱ ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ድማ ከም ሓላፊት ፕሮጀክት ኮይና ኣብቲ ትካል ምስ ተቖጽረት'ዩ ረኺብዋ።
ድሕሪ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ኣኼባ ተራኺቦም።
"ይፈትዋ ነይረ፡ ንሳ'ውን ከም እትፈትወኒ ግልጺ ገይራትለይ" ይብል ሊዮን። "ብኸምኡ ድማ ቀጺሉ" ኢሉ ንሱ።
ንሱ ወዲ 41፡ ንሳ ድማ ጓል 27 ዓመት'ዮም ነይሮም። ኣብ ፈለማ ነቲ ዝምድና ብምስጢር'ዮም ሒዞሞ ነይሮም፡ ጸኒሖም ግን ኣግሂዶሞ።
"ክትኣምን ኣይትኽእልን፡ ንገለ ሰባት መዛረቢ ዛዕባ ነይሩ፡ ንምንታይ ከምኡ ይኸውን ግን ኣይርደኣካን'ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ስራሕካ ዝፈጠሮ ዕንቅፋት የለን" ይብል ሊዮን።
"ምስ ሰባት ንነዊሕ እዋን ሓቢርካ ምስ እትሰርሕ፡ ኣጸቢቕካ ክትላለዮም ናይ ግድን'ዩ" ይብል ንሱ።
ንኣስታት ሰለስተ ወርሒ ኣብ ፍቕሪ ድሕሪ ምጽንሖም ፡ ንሱ ብሓለፍቱ ተጸዊዑ፤ ሽዑ "እቲ ሞደሻ ወዲቑ" [ከም ዝተሰጎግኩ ተነጊሩኒ] ክብል ነቲ ዝተሰጎሉ ኩነታት ይዝክር።።
ካብ ስራሕ ተባሪሩ፡ ንሳ ግን ስራሕ ቀጺላ። "ኣዝያ ሓሪቓ ነይራ፡ ክትገብሮ እትኽእል ነገር ግን ኣይነበራን፡ ክትቅጽል ጥራይ'ዩ ዘለካ" ይብል ሊዮን።
ንጾታዊ ዝምድና ሰራሕተኛታት ዝምልከት ንጹር ሕጊ ኣይነበረን። እቲ ውሳነ ድማ "ኣዝዩ ብሃውሪ ዝተወስደ እዩ፤ ኣዝዩ ጊዜኡ ዘሕለፈ ኣረኣእያ ዓለም" ክብል ይገልጾ።
"ኣካየድቲ ስራሕ ብመዓርግ ካብኦም ምስ ዝትሕቱ ሰባት ፍቕራዊ ዝምድና ምምስራት ክኽልከሉ ኣለዎ'ዶ? ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ዝተመስረተ እንተኾይኑ፡ ክኽልከሉ ይግባእን" በሃላይ'ዩ ንሱ።
"ፍቕሪ እትረኽበሉ ቦታ ክትመርጽ ኣይትኽእል ኢኻ፡ ስለ'ዚ ንምንታይ ንሓዲኦም ብምስጓግ ንኽልቲኦም ትቐጽዖም?"

ምንጪ ስእሊ, GARY LYON
ሰብኣዊ ተመስጦታት
ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ከምዝሕብርዎ፡ ካብ ርብዒ ክሳብ ሲሶ ናይ ነዊሕ እዋን ጾታዊ ዝምድናታት ኣብ ቦታ ስራሕ'ዮም ዝጅመሩ።
ኩሎም ንነዊሕ እዋን ይኸዱ ማለት ግን ኣይኮነን። ገሊኦም ነዊሕ ዘይከዱ፡ ምናልባት ናይ ሓደ ለይቲ ደስ ደስ'ዮም።
ሰብኣዊ ተመስጦታት ምስ ባህሊ ዋኒነ-ትካላት ምስ ዝራጸሙ ህይወት ክሳብ ክንደይ ሕልኽላኽ ከምዝኸውን ዘርእዩ ሓያሎ ዓበይቲ መዘኻኸሪ ዝኮኑ ኣብነታት'ውን ኣለዉ።
- ኣካያዲ ስራሕ ሰናዒ ቺፕ ኢንተል (Chipmaker Intel) ብራያን ክርዛኒች ሕጊ ኩባንያ ብምጥሓስ ምስ ሓንቲ ሰራሕተኛ ኣብ ክልተኣዊ ስምምዕ ዝተመስረተ ጾታዊ ዝምድና ብምምስራቱ፡ ኣብ ሰነ 2018 ስርሑ ለቒቑ።
- ሓላፊ መርበብ ሓበሬታ ናይ ጉዕዞ ወኪል ፕራይስላይን ዶት ኮም፡ ዳረን ሃስተን ምስ ሓንቲ ሰራሕተኛ ዝነበሮ ጾታዊ ዝምድና ብመርመራ ምስ ተቓልዐ፡ ኣብ ሚያዚያ 2016 ስርሑ ለቒቑ።
- ሓላፊ ኣቪቫ (Aviva boss) ኣንድሩ ሞስ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2009 ምስ በዓልቲ ቤት ሓደ ካብ ኣሕልቑ ጾታዊ ዝምድና ከምዝነበሮ'ኳ እንተኣመነ፡ ኣብ ስርሑ ቀጺሉ። ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ግንቦት 2012 ስርሑ ለቒቑ።
ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ጠቐነታት ጾታዊ መጥቃዕቲ ኣንጻር ኣፍራዪ ፊልም፡ ሃርቨ ወይንስተይን (Harvey Weinstein) ንክፍልታት ሃብቲ ሰብ [ሁዩማን ሪሶርስ] ብዛዕባ ጾታዊ ንጥፈታት ሰራሕተኛታት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣሜሪካ ንኽሻቐሉ ገይሩ`ዩ።
እንተኾነ ግን "ውሑዳት ኣስራሕቲ ጥራይ'ዮም ኣብ ጉዳይ ጾታዊ ዝምድና ኣብ ቦታ ስራሕ ፍሉይ ፖሊሲ ዘለዎም" ይብል ሓላፊ ህዝባዊ ፖሊሲ ኣብ ቻርተርድ ኢንስቲትዩት ዕቤት ሰራሕተኛታት ቤን ዊልሞት።
"መብዛሕትኦም ኣስራሕቲ ፍልይ ዝበለ ኣገባብ ክኽተሉ ይመርጹ" ይብል ንሱ።
"ኣብ ክብረትን ኣኽብሮትን ዝተመስረተ ጾታዊ ድፍረንት ዓሎቕን ዘይግቡእ ጠባያትን ኣብ ምክልኻል ዘድሃበ ንጹር ፖሊሲ ናይ ምክልኻል ፖሊሲ የውጽኡ" ክብል የረድእ።
ብመሰረት ሕጊ መሰል ደቂ ሰባት ብሪጣኒያ፡ ሰራሕተኛታት መሰል ብሕትናን/ስትረትን ስድራቤታዊ ህይወትን ኣለዎም። በዚ ምኽንያት ድማ ትካላት ሚዛን ናይ ምህላው ሓላፍነት ኣለወን።
"ኣዝዩ ጽኑዕ ትእዛዝ ዝህብ ኣገባብ እንተሃልዩካ፡ ሰራሕተኛታትካ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኦም ከም ዓበይቲ ሰባት ኣይትኣምኖምን ኣለኻ ማለት`ዩ" ይብል ንሱ።
ንጾታዊ ፍቕሪ ኣቐዲምካ ዝወሃቡ ህያባት
ልክዕ'ዩ፡ ሰራሕተኛታት ጥንቁቓት እንተዘይኮይኖም፡ ናይ ጥቕሚ ግርጭት ክመጽእ ይኽእል'ዩ።
"ሓደ ካብ'ቶም ጾታዊ ዝምድና ዝመስረቱ ሰራሕተኛታት፡ ሓላፍነት ምግምጋም ብቕዓት ስራሕ፣ ወሰኽ ደሞዝ፣ ዕድላት ምሃብ ሽመትን ቦታ ናይ ምምዳብን ናይ'ቲ ኻልእ እንተሃልይዎ፡ ሓደጋ ናይ ኣድልዎ ኣሎ" ትብል መሻርኽቲ ናይ ሓደ ኣብ ለንደን ዝመደበሩ ትካል ሕጊ ረቤካ ቶንሊ ጊብሰን።
"ኣብ ዝያዳ ትሑት ማዕረግ ዘላ/ሎ ሰብ'ውን ኣቐዲሙ ንዝቐርበሎም ንጾታዊ ዝምድና ዝዕድም ህያባት 'ኣይፋል' ንምባል ዝጽገምሉ ኩነታት'ውን ክፍጠር ይኽእል'ዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ'ቲ ሓላፍን ትካልን ድሒሩ ዝመጽእ ክሲ ጾታዊ ድፍረት ከስዕብ ይኽእል'ዩ" ትብል ንሳ።
ጾታዊ ዝምድናታት ምዕጋት ንኣስራሕቲ ውጽኢታዊ ስጉምቲ ኣይኮነን፡ እንተኾነ ግን ንሳዕቤናት ምፍሻል ናይ'ቲ ዝምድና ንምቅላል ዝሕግዙ ፖሊሲታት ኣብ ግምት ምእታው ግን ክሕሰበሉ ኣለዎ።
"እዚ ድማ ኣብ ቦታ ስራሕ ክዝውተሩ ዘለዎምን ዘይብሎምን ጠባያት ዘመሓዳር ፖሊሲ ክህሉን ብግቡእ ንሰራሕተኝታት ክግለጽን ናይ ግድን'ዩ፡ ፖሊሲ ማዕርነትን ብዙሕነትን ንጾታዊ ድፍረት ዘይጻወር ፖሊሲ ክህሉን ሰራሕተኛታት ድማ ግርጭት ከስዕቡ ዝኽእሉ ዝምድናታት ክሓብኡ ከምዘይብሎም ዘገድድ ፖሊሲ ክህሉ ጽቡቕ'ዩ" ትብል ረቤካ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







