ብድሕሪ እቲ ኣብ ማሊ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ መን'ዩ ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
እቲ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ማሊ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ፡ ንፕረዝደንት እታ ሃገር ኢብራሂም ኬታ ካብ ስልጣኑ ኣልዩዎ ይርከብ። ካብ ሞንጎ እዞም ወተሃደራዊ ዕልዋ ዝፈጸሙ፡ ኣብ ፈረንሳ ሰልጢኑ ዝመፅአ ምክትል ዳይሬክተር ማእከል መሰልጠኒ ወተሃደራት ዝኾነ ጀነራል ይርከቦም።
ኮሎኔል ማሊክ ዲያው
እዚ ናዕቢ ኣብ ዝተጀመረሉ ወተሃደራዊ መደበር ካቲ፡ ምክትል ዳይሬክተር እዩ።
ብዛዕባ ኮሎኔል ማሊክ ዕሙቕ ዝበለ ሓበሬታ እኳ እንተዘየለ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሩስያ ሰልጢኑ ከምዝመፅአ እዩ ዝግለጽ።
ምኽትል ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኮሎኔል ኢስማኤል ዋጌ ብሮቡዕ ስልጣን እታ ሃገር ብወተሃደራዊ ሓይሊ ከም ዝተቖጻጸሮ መግለጺ ከንብብ እንከሎ፡ ኮሎኔል ማሊክ ዲያው ኣብ ጎኑ ጠጠው ኢሉ ነይሩ።
እዚ ኮሎኔል፡ ነቲ ካብ ከተማ ባማኮ 15 ኪሎሜትር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ መደበር ካቲ ዝተጀመረ ናዕቢ ከምዝመርሖን ፕረዝደንት እታ ሃገር ክሳብ ሰዓት 2:00 ካብ መዝነቱ ንክወርድ ከምዝኣዝዘዘን እዩ ዝግለፅ።
ኮሎኔል ሳዲዮ ካማራ

ምንጪ ስእሊ, OTHER
ዳይሬክተር እቲ ማእከል ስልጠና ዝነበረ ኮሎኔል ሳዲዮ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ማሊ ግዝኣት ኩሊኮሮ ብ1979 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ከም ዝተወለደ ማሊ ትሪቡን ጸብጺቡ።
ካብ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ኩሊኮሮ ድማ ብመዓርግ ተመሪቑ። ኣብ ሰሜናዊ ማሊ ተመዲቡ ኣብ ትሕቲ ጀነራል ኤል ሓጂ ጋሙ ክሳብ 2012 ኣገልጊሉ።
ድሕሪ እዚ ድማ፡ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ንምውሳድ ናብ ሩስያ ክሳብ ዝኸደሉ ግዘ፡ ኮሎኔል ካማራ፡ ክሳብ 2020 ዳይሬክተር መደብር ካቲ ኮይኑ ሰሪሑ።
ካብ ሩሲያ ምስ ተመለሰ ንሓደ ወርሒ ኣብ ዕረፍቲ ከም ዝጸንሐ ማሊ ትሪቡን ይገልጽ።
"ኮሎኔል ካማራ፡ ኣብ ዝሰርሐሉ ብኹሉ ሰብ ዝንኣድ፣ ዝኽበርን ዝፍቶን እዩ። ኣብ ስርሑ ንዘለዉ ወተሃደራት ድማ ናይ ቅንዕና፣ ቆራጽነትን ፅንዓትን ኣብነት እዩ" ክብል እቲ መርበብ ሓበሬታ ገሊፅዎ።
ጀነራል ሸኽ ፋንታ ማዲ ዴምቤሎ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሸኽ ፋንታ ማዲ ዴምበሌ፡ ዳይሬክተር ጀነራል ናይ ሓደ ዓቃብ ሰላም ትካል እዩ።
ኣብ ወርሒ ጉንበት 2018 መዓርግ ብርጋዴር ጀነራል ዝተውሃቦ ፋንታ ማዲ፡ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ድማ ነቲ ትካል ዓቃብ ሰላም ክመርሕ ጀሚሩ።
እዚ ጀነራል፡ ኣብዚ ትካል ቅድሚ ምሻሙ፡ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ኣዲስኣበባ ኮይኑ፡ ንኣተኣላልያ ጎንፅን እስትራተጂካዊ ትልምን ይመርሕ ነይሩ።
ኣብ ፈረንሳይ ካብ ዝርከብ ሴንት-ሲር ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ዝተመረቐ ጀነራል ዴምበሌ፡ ኣብ ማሊ እውን ካብ ኮሌጅ ኮሊኮሮ ተመሪቑ እዩ።
እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ፓሪስ ብትምህርቲ ታሪኽ፡ ቀዳማይ ዲግሪ፡ ኣብ ሙኒኽ ካብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ጀርመን ድማ ብምህንድስና ማስተርስ ዲግሪ ዲግሪ ረኺቡ እዩ፡






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







