ዓሰርተ-ኣርባዕተ ወታሃደራት ፈረንሳ ኣብ ማሊ ተቐቲሎም

ሄለኮፕተር ሰራዊት ፈረንሳ ኣብ ማሊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፈረንሳ፡ 4500 ወታሃደራት፡ ንሓይልታት ማሊ፡ ማውሪታንያ፡ ኒጀር፡ ቡርኪናፋሶን ጫድን ንምድጋፍ ኣብቲ ዞባ ኣስፊራ'ላ

ኣብ ማሊ፡ ክልተ ኣብ ወታሃደራዊ ስርሒት ተዋፊረን ዝነበራ ሄለኮፕተራት ብምግጫወን ብውሕዱ 14 ወታሃደራት ፈረንሳ ከም ዝሞቱ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ፈረንሳ ሓቢሩ።

እተን ሄለኮፕተራት ኣንጻር ጂሃዳውያን ዕጡቓት ኣብታ ሃገር ወታሃደራዊ ስርሒታት እናካየዳ እንከለዋ'የን ተጋጭየን።

እቲ ሓደጋ፡ ካብ 1980ታት ጀሚሩ እቲ ዝኸፍአ ኣብ ሰራዊት ፈረንሳ ዘጋጠመ ምዃኑ ይግለጽ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝተሰምዖ "መሪር ሓዘን" ገሊጹ። ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ንምፍላጥ መርመራ ተጀሚሩ'ሎ።

ኣብ 2013፡ እስላማውያን ዕጡቓት መጥቃዕቲ ብምኽፋት ሰፊሕ ካባቢታት ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ፈረንሳ ንሰራዊት ማሊ ንምድጋፍ ሰራዊታ ኣብታ ሃገር ኣሰሊፋ።

ዋላ'ኳ ሰራዊት ማሊ ንመብዛሕትኡ እቲ ሽዑ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ናይቶም ዕጡቓት ዝኣተወ ቦታታት ከምልስዎ እንተኸኣሉ፡ ገና ምርግጋእ ዘይብሉን ቀጻሊ ግጭታት ዝራኣየሉን ኮይኑ ይርከብ።

ፈረንሳ፡ 4500 ወታሃደራት፡ ንሓይልታት ማሊ፡ ማውሪታንያ፡ ኒጀር፡ ቡርኪናፋሶን ጫድን ንምድጋፍ ኣብቲ ዞባ ኣስፊራ'ላ።

ኣብቲ ሓደጋ፡ ሓንቲ 'ታይገር' ዝዓይነታ ናይ ኲናት ሄለኮፕተርን ካልእ ናይ መጓዓዝያ ሄለኮፕተር ኣብ ናይ ውግእ ዞባ፡ ንሓይሊ ምድሪ ደገፍ እናሃባ'የን ኣብ ሰማይ ተጋጭየን።

ሓደ ካብቶም ዝሞቱ ወታሃደራት ወዲ ፍሉጥ ብዓል ስልጣን ፈረንሳ ከም ዝኾነ'ውን ተፈሊጡ።

"ዕላማ ናይዞም 13 ጀጋኑ፡ ሓንቲ'ያ ነይራ፡ ንዓና ንምሕላዉ" ክብል ፕረዚደንት ማክሮን ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን ሓደ መኮንን ሰራዊት ፈረንሳ ከም ዝሞተ ይፍለጥ።

ፈረንሳ፡ ሰራዊታ ኣብቲ ዞባ ካብ እተዋፍር ጀሚሩ፡ ዛጊት 38 ወታሃደራታ ኣብ ማሊ ተቐቲሎም ኣለዉ።

እቲ ዝበዝሐ መጥቃዕትታት ግን ኣብ ልዕሊ፡ ሓይልታት ጸጥታ እተን ሃገራት ዝበጽሐ ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ።

ጅሃዳውያን ዕጡቓት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ኣብ ዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 53 ወታሃደራት ማሊ ምቕታሎም ይዝከር።