ዕጡቓት ጉጅለ ጅሃድ 25 ወተሃደራት ማሊ ቀቲሎም

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty
ኣብ ማሊ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ቡርኪናፋሶ ኣብ ዝርከብ ክልተ ወተሃደራዊ መዓስከራት መንግስቲ፡ ብጅሃዳውያን ጉጅለታት ብዝተፈጸመ መትቃዕቲ 25 ወተሃደራት ከምዝሞቱን፡ ኣስታት 60 ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥን መንግስቲ'ታ ሃገር ገሊጹ።
ኣብ መንጎ ወተሃደራት ማሊን እቶም ጅሃዳውያን ጉጅለታት ኣብ ዝተኻየደ ኵናት፡ መንግስቲ ማሊ ኣገዳሲ ንብረት እውን ከምዝጠፈኦ ሓቢሩ።
ከም ግብረ መልሲ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ምስ መንግስቲ ቡርኪናፋሲ ብምልፋን ብኣየር ዝተሰነየ መጥቃዕቲ ከምዝጀመሩ ተፈሊጡ።
ኣብ ማሊ፡ ካብ 2012 ጀሚሩ ጅሃዳዊ ምንቅሰቓስን ቀቢላዊ ውድድርን ዘበገሶ ሓያል ግርጭት ከምዘሎ ይፍለጥ።
ማሊ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ጫድ፡ ኒጀርን ሞሪታንያን ኣብ ከባቢ ዞባ ሳሕል ስርሒታት ጸረ ናዕባዊ ምንቅስቃስ ዝገብራ ሃገራት ኮይነን፡ እዚ ምንቅስቃስ እዚ ብኣስታተ 3000 ወተሃደራት ፈረንሳ ከምዝድገፍ እዩ ዝግለጽ።
ዋና ጽሓፊ ውድብ ሃገራት፡ ኣንቶንዮ ጉተሬዝ፡ ካብ 2012 ጀሚሩ ኣብቲ ዞባ ተኸሲቱ ዘሎ ዘይምርግጋእ ከምዘሰከፎ ብምግላጽ፡ ሞት ሲቪልያን ብኣርባዕቲ ዕጽፊ ምውሳኺ ዝያዳ ሻቕሎት ዝፈጥር ምዃኑ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, AFP

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







