ማሊ፡ 37 ኣርባሕቲ እንስሳ ብዕጡቓት ሃደንቲ ተቐቲሎም

ቅትለት ዝተፈጸሞም ከብቲ ብምርባሕ ዝናበሩ ዓሌታ ፉላኒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቅትለት ዝተፈጸሞም ከብቲ ብምርባሕ ዝናበሩ ዓሌታ ፉላኒ

ኣብ ባህላዊ ሃደን ዝተዋፈሩ ዕጡቓት ሃደንቲ ኣብ ማእኸላይ ግዝኣት ማሊ 37 ሰባት ከም ዝቐተሉ መንግስቲ እታ ሃገር ገሊጹ።

ኣብቲ ከባቢ ገጠር ኮሎጎን፡ ብርክት ዝበሉ መንበሪ ገዛውቲ እቶም ነበርቲ ከም ዘቃጸሉ'ውን ተፈሊጡ።

እቲ መጥቃዕቲ ካብ ምንታይ ዝነቐለ ንምፍላጥ፡ መንግሰቲ ምርመራ የካይድ ምህላው'ውን ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፤ ኣብ መንጎ ዶጎነ እናተብሃሉ ዝፅውዑ ኣብ ሃደን ዝወፍሩ ዕጡቓትን እንስሳ ኣርባሕቲ ፉላ ዓሌትን ብዝተፈጠረ ጎንፂ ብኣማኢቲ ዝቑፀሩ ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ዝዝከር እዩ።

ሓደ ተወላዲ ዓሌት ፉላኒ ዝኾነ፡ ኣላየ ያታራ ንኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ናይ ትማሊ ጥቕዓት እንትፍፀም ከብቲ ሒዙ ካብቲ ቁሸት ወፃኢ ኮይኑ ድምፂ ተኹሲ ከምዝሰምዐ ይዛረብ። "ባህላዊ መራሒና ምስ ጓሉን ሙሉእ ስድርኡ ተቐቲሉ።" ኢሉ።

ከምዚ ዓይነት ጎንፂ ኣብ መንጎ እቶም ዓሌታት ዘጓንፍ ብዚሕ ግዘ ብመሬትን ማይን ዝነቐለ እዩ።

እዞም ኣብ ሃደን ዝወፈሩ ዕጡቓት ነቶም ፉላኒ ዝበሃሉ ዓሌት ምስ ጅሃዲስት ጉጅለ ምትእስሳር ኣለዎም ኢሎም'ዮም ዝኣምኑ።

እቶም ፉላኒ ብወገኖም፡ ነቶም ሃደንቲ ዘዕጠቖም ናይ ማሊ ሰራዊት እዩ ኢሎም ይውንጅሉ።

ፈረንሳይ፡ ነዚ ኣብ 2012 ኣብዝሓ ሰሜናዊ ማሊ ዝተቖፃፀረ ኣክራሪ ጉጅለ ከይግስግስ ከከላኸል ነቶም ሓይልታት ፀጥታ ትረድእ እያ።