ማላዊ ስፓይደርማን ምስ ፕረዚደንት ክራኸብ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, FACEBOOK
ካብ 4ይ ደብሪ ክጸድፍ ኢሉ ንዝነበረ ፈረንሳዊ ህጻን ብምድሓኑ "ስፓይደርማን" ዝብል ቅጽል ዝተዉሃቦ ማላዊ ስደተኛ ነባሪ ፈረንሳ ምስ ፕረዚደንት ክራኸብ'ዩ።
ማማዱ ጋሳማ ሎም መዓልቲ ምስ ፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ቦባካር ኬታ ክራኸብ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።
ኣብ ትካል መጥፋእቲ ሓዊ ክሰርሕ ዝተዉሃቦ ናይ ስራሕ ዉዕል ክፍርም 28 ሰነ 2018 ድማ ናብ ፈረንሳ ክኸይድ'ዩ።
ማማዱ ጋሳማ ብዘይሕጋዊ መገዲ'ኳ ፈረንሳ እንተኣተወ፡ ብምኽንያት እቲህጻን ንምድሓን ዝኸፈሎ መስዋእቲ ግና ዜግነት ፈረንሳ ክረክብ ኣኽኢልዎ'ዩ።
እዚ ስደተኛ ካብ 4ይ ደርቢ ክጸድፍ ኢሉ ንዝነበረ ህጻን ዘድሓነሉ መገዲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብብዙሓት ናእዳ ረኺቡ'ዩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







