ኢራናውያን ሰርሰርቲ ብሩስያውያን ሰርሰርቲ ተጠቒዖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሩስያውያን ሰርሰርቲ (ሃከራት) ንኢራናውያን ሰርሰርቲ ብምጥቃዕ፡ ብኣቶም ኣቢሎም ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ስለላ ከም ዝፈጸሙ ተገሊጹ።
በዚ ካብ ዝተጸለዋ ሃገራት ድማ፡ ብሪጣንያን ኣመሪካን ይርከበአን።
እቲ 'ኦይልሪግ' ዝብሃል ጉጅለ ሰርሰርቲ ኢራን፡ 'ቱርላ' ብዝበሃሉ ሩስያውያን ሰርሰርቲ እዩ ተጠቒዑ።
እቶም ሩስያውያን ሰርሰርቲ፡ ነቲ ናይ ኢራን ጉጅለ ከም መገዲ ተጠቒሞም፡ ንካልኦት ዒላማታቶም ኣጥቂዖም።
ምፍጻም ናይዚ መጥቃዕትታት ዘጻረየን ዝገለጸን ድማ፡ ሃገራዊ ማእከል ሓለዋ ሳይበር ብሪጣንያ እዩ።
ማእከል ሓለዋ ሳይበር ብሪጣንያ ብዝገበሮ መርመራ፡ እቲ ናይ ሩስያውያን ጉጅለ፡ ነቲ ኢራናውያን ሰርሰርቲ ዝጥቀምሉ ረቂቕ ናውትን ዝረኸብዎ መገድታትን ተጠቒሙ ሓበሬታታት ንምእካብን ካልኦት ስርዓታት መርበብ ንምጥቃዕን ከም ዝተጠቐመሎም ኣረጋጊጹ።
ኣብ ልዕሊ 35 ሃገራት መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ ዝተገለጸ ክኸውን ከሎ፡ መብዛሕተአን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከባ ሃገራት እየን። ካብኣተን ድማ፡ ኣብተን 20 ዕውት መጥቃዕቲ ፈጺሞም።
ድልየት ናይቶም ሰርሰርቲ፡ ሚስጢር ምስራቕ ክኸውን ከሎ፡ ንመንግስታት ሓዊሱ ካብ ብዙሓት ዒላማታት ሰነዳት ክወስዱ ክኢሎም እዮም።
ትካላት ስለላ ከም ዝገለጽዎ እንተኾይኑ፤ እቲ 'ቱርላ' ዝበሃል ጉጅለ ሰርሰርቲ ሩስያ፡ ነቲ ኢራናውያን ዝሰረቕዎ ሓበሬታት ጥራይ ዘይኮነ ዝረክብ ነይሩስ፡ ነቲ ንሶም ዝኣተውሉ መገድታት ተጠቒሙ እውን ናቱ መጥቃዕትታት ይፍጽም ነይሩ።
በዚ ኣቢሉ ድማ ነቲ መጥቃዕትታቱ ክሓብኦ ፈቲኑ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ግዳያት ናይቲ መጥቃዕቲ፡ በቲ ኣብ ኢራን-ዝመደበሩ ጉጅለ ዝተጠቕዑ እዩ መሲልዎም ነይሩ፤ ብሓቂ ዘጥቅዕዎም ግን እቶም ኣብ ሩስያ ዝመደበሮም ሰርሰርቲ እዮም ነይሮም ተባሂሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







