ሰሜን ኮርያ፡ 'ብመጥቃዕቲ ሳይበር ክልተ ቢሊዮን ዶላር ሰሪቓ'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰሜን ኮርያ ናይ ኣጽዋር መደባታ ብገንዘብ ንምሕጋዝ መጥቃዕቲ ሳይበር ብምፍጻም ክልተ ቢሊየን ዶላር ሰሪቓ ይብል ልሒኹ ዝወጽአ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት።
እዚ ሚስጢራዊ ጸብጻብ፡ ፒዮንጊያንግ ገንዘብ ንምእካብ ባንክታትን ናይ ክሪፕቶ ካረንሲ ምልውዋጣትን ተጠቒማ'ያ ኢሉ።
እዚ ንቢቢሲ ዘረጋገጹ ምንጪታት ድማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 35 መጥቃዕታት ሳይበር ክምርምር'ዩ ጸኒሑ ኢሎም።
ብሮቡዕ ኣብ ዝወጽአ መግለጺ መንግስቲ እታ ሃገር ድማ፡ ፕሬዝደንት ኪም ጆንግ-ኡን እቲ ምውንጫፍ ሚሳይል፡ ጥሙር ወተሃደራዊ ታዕሊም ንዘካይዳ ዘለዋ ሃገራት ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን መጠንቀቕታ'ዩ ምባሉ ይዝከር።
ሰሜን ኮርያ፡ እዚ ምንቅስቓስ ንስምምዓት ሰላም ዝጥሕስ'ዩ ክትብል'ውን ገሊጻቶ።
እቲ ልሒኹ ዝወጽአ ናብ ባይቶ ጸጥታ ኮሚቴ ማዕቀብ ሰሜን ኮርያ እቲ ውድብ ዝተልኣኸ ጸብጻብ፡ ሰሜን ኮርያ "ንእተካይዶም ዝተሓላለኹ መጥቃዕታት ንምሕጋዝ ካብ ፋይናንሳዊ ትካላት ገንዘብ ሰሪቓን፡ ገንዘባዊ ምንጪ ንምርካብ ድማ ምልውዋጥ ክሪፕቶ ካረንሲ ተጠቒማን" ኢሉ።
ካብ 2006 ጀሚሩ ባይቶ ጸጥታ ሰደድን ኣታውን ኣብ ልዕሊ እትገብሮም ምህርታት ማዕቐብ ኣንቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







