ሰሜን ኮርያ፡ 'ብመጥቃዕቲ ሳይበር ክልተ ቢሊዮን ዶላር ሰሪቓ'

ዝተወንጨፈ ሚሳይል ኣብ መደብር ቴሌቭዥን እናተርኣየ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ቀረባ ዘወንጨፈቶ ሚሳይል ንኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን ንምጥንቃቕ'ዩ ምባላ ይዝከር

ሰሜን ኮርያ ናይ ኣጽዋር መደባታ ብገንዘብ ንምሕጋዝ መጥቃዕቲ ሳይበር ብምፍጻም ክልተ ቢሊየን ዶላር ሰሪቓ ይብል ልሒኹ ዝወጽአ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት።

እዚ ሚስጢራዊ ጸብጻብ፡ ፒዮንጊያንግ ገንዘብ ንምእካብ ባንክታትን ናይ ክሪፕቶ ካረንሲ ምልውዋጣትን ተጠቒማ'ያ ኢሉ።

እዚ ንቢቢሲ ዘረጋገጹ ምንጪታት ድማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት 35 መጥቃዕታት ሳይበር ክምርምር'ዩ ጸኒሑ ኢሎም።

ብሮቡዕ ኣብ ዝወጽአ መግለጺ መንግስቲ እታ ሃገር ድማ፡ ፕሬዝደንት ኪም ጆንግ-ኡን እቲ ምውንጫፍ ሚሳይል፡ ጥሙር ወተሃደራዊ ታዕሊም ንዘካይዳ ዘለዋ ሃገራት ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን መጠንቀቕታ'ዩ ምባሉ ይዝከር።

ሰሜን ኮርያ፡ እዚ ምንቅስቓስ ንስምምዓት ሰላም ዝጥሕስ'ዩ ክትብል'ውን ገሊጻቶ።

እቲ ልሒኹ ዝወጽአ ናብ ባይቶ ጸጥታ ኮሚቴ ማዕቀብ ሰሜን ኮርያ እቲ ውድብ ዝተልኣኸ ጸብጻብ፡ ሰሜን ኮርያ "ንእተካይዶም ዝተሓላለኹ መጥቃዕታት ንምሕጋዝ ካብ ፋይናንሳዊ ትካላት ገንዘብ ሰሪቓን፡ ገንዘባዊ ምንጪ ንምርካብ ድማ ምልውዋጥ ክሪፕቶ ካረንሲ ተጠቒማን" ኢሉ።

ካብ 2006 ጀሚሩ ባይቶ ጸጥታ ሰደድን ኣታውን ኣብ ልዕሊ እትገብሮም ምህርታት ማዕቐብ ኣንቢሩ።