ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ወታደራዊ ልምምድ ኣብ ዝጀመራሉ፡ ሰሜን ኮርያ ፈተነ ሚሳይል ኣካይዳ

ሰሜን ኮርያ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንራብዓይ ግዜኣ'ያ ፈተነ ምሳየል ተካይድ ዘላ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰሜን ኮርያ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንራብዓይ ግዜኣ'ያ ፈተነ ሚሳየል ተካይድ ዘላ

ሰሜን ኮርያ ክልተ ሚሳይል ቶኲሳ፤ እዚ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንራብዓይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ፈተነ ምኳኑ ሰብ መዚ መክልኻል ደቡብ ኮርያ ኣፍሊጦም።

ሰሜን ኮርያ፡ ከም ግብረ መልሲ እቲ ብሰኑይ ዝጀመረ፡ ጥሙር ወተሃደራዊ ልምምድ ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን ሕርቃና ንምግላጽ ነዚ ፈተነ ሚሳይል ከም ዘካየደቶ ኣፍሊጣ።

እቲ ብጥሙር ሓይሊ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ዝካየድ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ እቲ ስሩዕ ታዕሊም ኣብ 11 ነሓሰ'ኳ ዝጅምር እንተኾነ፡ ቅድመ ምድላዋት ግን ካብ ሰኑይ'ዩ ጀሚሩ።

ኣሜሪካ ብወገና፡ ነዚ ፈተነ ሚሳይል ሰሜን ኮርያ፡ ንደቡብ ኮርያን ጃፓንን እናተወከሰት ብቐረባ ትከታተተሎ ከም ዘላ'ያ ትግልጽ።

ሄሊኮፕተራት ኣሜሪካ ኣብዚ ጥሙር ወተሃደራዊ ልምምድ ክሳተፋ'የን

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሄሊኮፕተራት ኣሜሪካ ኣብዚ ጥሙር ወተሃደራዊ ልምምድ ክሳተፋ'የን

ሰሜን ኮርያ ንምንታይ'ያ ፈተነ ሚሳል ተካይድ ዘላ?

እቲ ብሰሉስ ካብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰሜን ኮርያ ዝወጽአ መግለጺ፡ ዋላ ድኣ ፈተነ ሚሳይል ከም ዝተኻየደ ኣይግለጽ፡ እቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝካየድ ጥሙር ወተሃደራዊ ልምምድ ሓደሽቲ ሚሳይላት ንኸተማዕብልን ንክትፍትንን ከም ዘገድዳ'ዩ ዝገልጽ።

እቲ መግለጺ ሰሜን ኮርያ፡ ንኣሜሪካን ንደቡብ ኮርያን ብምጥቃስ 'ኩሉ ዓይነት ሽርሕታተን' ይጻወታ ኣለዋ ብምባል 'እዚ ተተንዃሊ ባህሪኤን' ክኽወል ኣይክኣልን ክብል ገሊጹ።

ብተወሳኺ እዚ ብደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን ዝግበር ዘሎ ጥሙር ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ቅሉዕ ምፍራስ ስምምዓት'ዩ ብምባል ነቲ ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን ተጀሚሩ ዝጸንሐ ዝርርብ ዝዕንቕፍ'ዩ ይብል መግልጺ ሰሜን ኮርያ።

ሰሜን ኮርያ ብሰንኪ ፈተነን ምምዕባል ሚሳይልን ኣደዳ እገዳታት ኣሜሪካ ኮይና እያ ጸኒሓ።

ብሰኑይ'ውን ኣሜሪካ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ናብ ሰሜን ኮርያ ምብጻሕ ኣካይዶም ዝፈልጡ ሰባት ናብ ኣሜሪካ ከይኣትዉ እገዳ ኣንቢራ ኣላ።

እዚ ሕጊ እዚ ከኣ ንብዙሓት ነበርቲ ኣውሮጳ፣ ኣውስትራልያ፣ ኒውዝላንድ፣ ጃፓን፣ ታይዋንን ሲንጋፑርን ዝጸሉ እዩ።