ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ወታደራዊ ልምምድ ኣብ ዝጀመራሉ፡ ሰሜን ኮርያ ፈተነ ሚሳይል ኣካይዳ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሰሜን ኮርያ ክልተ ሚሳይል ቶኲሳ፤ እዚ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ንራብዓይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ፈተነ ምኳኑ ሰብ መዚ መክልኻል ደቡብ ኮርያ ኣፍሊጦም።
ሰሜን ኮርያ፡ ከም ግብረ መልሲ እቲ ብሰኑይ ዝጀመረ፡ ጥሙር ወተሃደራዊ ልምምድ ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን ሕርቃና ንምግላጽ ነዚ ፈተነ ሚሳይል ከም ዘካየደቶ ኣፍሊጣ።
እቲ ብጥሙር ሓይሊ ኣሜሪካን ደቡብ ኮርያን ዝካየድ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ እቲ ስሩዕ ታዕሊም ኣብ 11 ነሓሰ'ኳ ዝጅምር እንተኾነ፡ ቅድመ ምድላዋት ግን ካብ ሰኑይ'ዩ ጀሚሩ።
ኣሜሪካ ብወገና፡ ነዚ ፈተነ ሚሳይል ሰሜን ኮርያ፡ ንደቡብ ኮርያን ጃፓንን እናተወከሰት ብቐረባ ትከታተተሎ ከም ዘላ'ያ ትግልጽ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሰሜን ኮርያ ንምንታይ'ያ ፈተነ ሚሳይል ተካይድ ዘላ?
እቲ ብሰሉስ ካብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰሜን ኮርያ ዝወጽአ መግለጺ፡ ዋላ ድኣ ፈተነ ሚሳይል ከም ዝተኻየደ ኣይግለጽ፡ እቲ ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝካየድ ጥሙር ወተሃደራዊ ልምምድ ሓደሽቲ ሚሳይላት ንኸተማዕብልን ንክትፍትንን ከም ዘገድዳ'ዩ ዝገልጽ።
እቲ መግለጺ ሰሜን ኮርያ፡ ንኣሜሪካን ንደቡብ ኮርያን ብምጥቃስ 'ኩሉ ዓይነት ሽርሕታተን' ይጻወታ ኣለዋ ብምባል 'እዚ ተተንዃሊ ባህሪኤን' ክኽወል ኣይክኣልን ክብል ገሊጹ።
ብተወሳኺ እዚ ብደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን ዝግበር ዘሎ ጥሙር ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ቅሉዕ ምፍራስ ስምምዓት'ዩ ብምባል ነቲ ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን ተጀሚሩ ዝጸንሐ ዝርርብ ዝዕንቕፍ'ዩ ይብል መግልጺ ሰሜን ኮርያ።
ሰሜን ኮርያ ብሰንኪ ፈተነን ምምዕባል ሚሳይልን ኣደዳ እገዳታት ኣሜሪካ ኮይና እያ ጸኒሓ።
ብሰኑይ'ውን ኣሜሪካ፡ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ናብ ሰሜን ኮርያ ምብጻሕ ኣካይዶም ዝፈልጡ ሰባት ናብ ኣሜሪካ ከይኣትዉ እገዳ ኣንቢራ ኣላ።
እዚ ሕጊ እዚ ከኣ ንብዙሓት ነበርቲ ኣውሮጳ፣ ኣውስትራልያ፣ ኒውዝላንድ፣ ጃፓን፣ ታይዋንን ሲንጋፑርን ዝጸሉ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







