መራኸቢ ብዙሃን ሰሜን ኮርያ፡ ንዑደት ትራምፕ ''ዘደንቕ'' ኢለንኦ
ሃገራዊ ሚድያ ሰሜን ኮርያ ንሃንደበታዊ ምብጻሕ ፕረሲደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ''ኣደናቒ ፍጻመ" ክትብል ገሊጻቶ።
ትማሊ ሰንበት፡ ትራምፕ ብመራሒ ደቡብ ኮርያ ተሰንዩ ናብ ሰሜን ኮርያ ዝበጽሐ ቀዳማይ መራሒ ኣሜሪካ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ ።
ትራምፕ ኣብ ደቡብ ኮርያ ከሎ ኣቐዲሙ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም፡ ክረኽቦ ዝደሊ እንተኾይኑ ሓቲቱ ነይሩ።
ኬሲኤንኤ፡ ነቲ ትጽቢት ዘይተገበረሉ ምብጻሕ ልዑል ሸፈነ ሂባቶ እያ።
ሰሜን ኮርያውያን ናይ ወጻኢ ዜና ዳርጋ ኣይረኽቡን እዮም፡ እዛ ልዑል ቁጽጽር ዝግበረላ ሚድያ ድማ ንዓሰርተታት ዓመታት ንኣሜሪካ ከም ቀዳመይቲ ጸላኢት ሰሜን ኮርያ ገይራ ክትገልጻ ጸኒሓ'ያ።
ንተራ ዜጋታት ሰሜን ኮርያ፡ መራሒ ኣሜሪካ ምስ ኪም ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ዶብ ሃገሮም ክሰግር ምርኣይ ኣዝዩ ብርቂ እዩ።
ዝርርብ ኒዩክልየር ሰሜን ኮርያ ምስ ኣሜሪካ፤ ድሕሪ'ቲ ብዘይፍረ ዝተበተነ ካልኣይ ርክብ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት፡ ደው ኢሉ እዩ ጸኒሑ።
ድሕሪ'ቲ ብስንበት ዝተኻየደ ርክብ ግና ዝርርብ ዳግም ክጅመር ተሰማሚዖም ኣለዉ።
ገለ ነቐፍቲ ግና እቲ ናይ ሰንበት ፍጻሜ ካብ ፖለቲካዊ ድራማ ዝሓልፍ ትርጉም ዘለዎ ተጨባጢ ውጽኢት ኣብ ጉዳይ ኒዩክልየር ሰሜን ኮርያ ዘምጽኦ ትርጉም የለን በሃልቲ እዮም።
ትራምፕ ድሕሪ ዋዕላ 'ጉጀለ 20' እዩ ናብ ደቡብ ኮርያ በጺሑ።
ነቲ ትራምፕ ብቀዳም ዘቕረቦ ጻውዒት፡ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ስለ ዝተቐበሎ ድማ ሰለስቲኦም መራሕቲ ክራኸቡ ክኢሎም።
ርክብ ናይዞም ሰለስተ መራሕቲ ኣብ ዶብ ክልቲኤን ኮርያ ኣብ ዝርከብ ካብ ወታደራዊ ህላወ ነጻ ዞባ ኢዩ ተኻይዱ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ትራምፕን ኪምን ኣብ ዶብ ክልቲኤን ኮርያ ኣብ ዝርከብ ሕንጻጽ ኣብ ዝተራኸብሉ፡ ኪም ንትራምፕ ብዘቕረበሉ ጻውዒት፡ ትራምት ነቲ ሕንጻጽ ሰጊሩ ናብ ሰሜን ኮርያ ብምእታው ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ኣሜሪካ ኣብ ስልጣን ኮይኖም ዘይገበርዎ ታሪኽ ሰሪሑ።
እቲ ፍጻመ ብሃገራዊ ተለቭዥን ሰሜን ኮርያ ብቐጥታ ተመሓላሊፉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







