ዘተ ኣሜሪካን ኮርያን፡ ትራምፕን ኪም ጆንግ ኡንን ተራኺቦም

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ኪም ጆንግ ኡንን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ኪም ጆንግ ኡንን

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ኣብቲ ንሰሜንን ንደቡብ ኮርያን ዘዋስን ካብ ወተሃደራዊ ህላወ ነጻ ዝኾነ ዞባ ተራኪቦም።

ፕረዚደንት ዶናልድ፤ መሬት ሰሜን ኮርያ ዝረገጸ ቀዳማይ መራሒ ኣሜሪካ ክኸውን በቒዑ።

ኣማኻሪት ዋይት ሃውስን ጓሉ ንራምፕን ዝኮነት ኦቫናክ'ውን ምስ ብዓል ቤት ጃረድ ኩሽነር ምስ ፕረዚደንት ትራምፕ ካብ ዝተጎዓዙ እያ።

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን፡ ካብ ዝሓለፈ እዋን ፍኩስ ኢልዎ ምስ ትራምፕ ከም ዝተቀራረበን ከም ዘዕለለን መምህር ዩኒቨርስቲ ስኦል ጆን ደሉሪ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

line

እዛ ብብዙሓት ሃገራት ተነጽሎ ክገጥማ ዝጸንሐ ሰሜን ኮርያ ምስ ኣሜሪካን ምስ ዓለምን ዘቀሓሕራ ዘሎ ጉዳይ ግን እንታይ'ዩ?

ሰሜን ኮርያ ንንታይ እያ ኒኩለራዊ ኣጽዋር ኣማዕቢላ?

ኮርያ ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም እያ ናብ ሰሜንን ደቡብን ተኸፋፊላ፡ ሰሜን ኮርያ ከኣ ብገባርን ሓዳግን ዝኾነ መንግስቲ ክትመሓደር ጀሚራ።

ዓይነት መንግስታ ካብ ዓለም ተነጽሎ ምስ ኣስዓበላ፡ ንኒኩለራዊ ኣጽዋር ነታ ሓንቲ መዓልቲ ከተጥቕዓኒ'ያ እትብላ ዓለም፡ መከላኸሊ ንኽኾና ክትምስርሖ ጀሚራ።

ሰሜን ኮርያ ግን ብኒኩለር ከተጥቕዕ ትኽእል ድያ?

ተኽእሎ ኣሎ፡ ክሳብ ሕጂ ሽዱሽተ ፈተነታት ኒኩለር ኣካይዳ ኣላ።

ዋላ ድኣ ሓቕነቱ ኣይረጋገጽ እምበር፡ ንርሑቕ ክውንጨፍ ዝኽእል ኒኩለራዊ ቦምባ ከም ዘለዋ'ዩ ዝእምን።

ናብ ኣሜሪካ ክበጽሕ ዝኽእል ባላስቲካዊ ሚሳኤል'ውን ኣማዕቢላ ከም ዘላ ክኢላታት ይሕብሩ።

7 መጋቢት 2017 ሰሜን ኮርያ ኣርባዕተ ሚሳይላት እናፈተነት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዘተ ምስ ኣሜሪካ ከመይ'ዩ ተጀሚሩ?

ኣብ ጥሪ 2018 ፕረዚደንት ሰሜን ኮርያ ኪም ንኽልተኣዊ ዘተ ድሉው ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ'ውን፡ ነቲ ሰሜን ኮርያ ቅድሚ ዘተ ኒኩለራዊ ኣጽዋር ከተዕኑ ኣለዋ ዝብል መማጎቲ ሓሳብ ዕሽሽ ብምባል ንጻውዒት ኪም ተቐቢልዎ።

12 ሰነ 2018 ፕረዚደንት ትራምፕ እቲ ቀዳማይ መራሒ ኣሜሪካ ንዘተ ምስ ሰሜን ኮርያ ኮፍ ዝበለ ሞይኑ።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ካብ ኒኩለር ነጻ ክኸውን ኣብ ዝብል ዝርዝር ዘይብሉ ስምምዕ ተፈራሪሞም።

ድሕሪ እዚ ምፍርራም ውሑድ ምዕባለታት'ዩ ተራእዩ፡ ኣሜሪካ ሰሜን ኮርያ ምሉእ ብምሉእ ኑክለራዊ ኣጽዋር ከተረክብን ከተዕኑን ክትጠልብ እንከላ፡ ሰሜን ኮርያ ብወገና፡ ምስ ምልዓል ኣብታ ሃገር ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ተሳንዩ ቀስ ብቀስ ክኸውን'ያ ትጠልብ።

ኣብ 28 ለካቲት 2019፡ መራሕቲ እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ ሃኖይ ተራኺቦም፡ እንተኾነ እቲ ሰሜን ኮርያ እገዳ ክለዓለላ ዘቕረበቶ ሕቶ ስለ ዘይተመለሰ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ።

መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ክዛተዩ ከም ዝደልየን ከምዘለዎምን ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።

ኪም ጆንግ ኡን፡ ጎኒ ጎኒ ምስ ኣሜሪካ ዝገብሮ ዝጸንሐ ዘተ፡ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዳሚር ፑቲን ኣብ ፈተነ ሓደሽቲ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ክዝቲ ተራኺቡ ነይሩ እዩ፡ እዚ ከኣ ኣብ ኣሜሪካ ጸቕጢ ዘይጸጥር ኣይኮነን።