ሰሜን ኮርያ፡ ናይ ሓጺር ርሕቀት ተወንጫፊ ፈቲና

መራሒ ሰሜን ኮሪያን ኪም ጆንግ ኡን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሰሜን ኮርያ ፈተነ ናይ ሓጺር ርሕቀት ተወንጫፊ ሚሳይል ከም ዘካየደት ጸብጻባት ካብ ውሽጢ ደቡብ ኮርያ ሓቢሮም።

እቲ ተወንጫፊ ካብ ሓውሲ ደሴት ሆዶ ካብ ምብራቕ እታ ሃገር ከም ዝተወንጨፈን፡ ካብ 70 ኪሎ ሜትር ክሳብ 250 ኪሎ ሜትር ድሕሪ ምውንጫፍ ኣብ ባሕሪ ጃፓን ከም ዝወደቐን ኣዘዝቲ ሰራዊት ደቡብ ኮርያ ገሊጾም።

እዚ እንድሕሪ ተረጋጊጹ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ሕዳር 2017 ዝተኻየደ ፈተነ ባላስቲካዊ ሚሳይል ንፈለማይ ግዜ ይኸውን ኣሎ ማለት እዩ።

ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሰሜን ኮርያ 'ብሓባሪ እናተመርሐ ዝውንጨፍ ሚሳይል' ኢላ ዝገለጸቶ ተወንጫፊ ፈቲና ከም ዝነበረት ትሕብር።

ድሕሪ እቲ ኣብ ቬትናም ዝተኻየደን ብዘይ ፍረ ዝተበተነን ርክብ ኪም ጆንግ ኡንን ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን እዩ እዚ ፈተነ ሚሳይል ንፈለማ እዋን ዝግበር ዘሎ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፤ ነቲ ብሰሜን ኮርያ ዝቐረበ እማመ "ሕማቕ ውዕል" ብምባል እዩ ገሊጽዎ ነይሩ።

ሰሜን ኮርያ ክሳብ ንኹሉ ኒኩለራዊ ኣጽዋራታ እተዕንዎ፡ ኩሉ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ተነቢሩ ዘሎ ቑጠባዊ ማዕቀብ ክጸንዕ ኣለዎ ዝብል መርገጺ ኣሜሪካ፤ ንትዕግስቲ ሰሜን ኮርያ እናጸንቀቖ ይመጽእ ምህላው ጸብጻባት ይሕብሩ።

ሰሜን ኮርያ ካብቲ ዝተነበረላ ማዕቀብ 'ሩፍታ ክረክብ ኣለኒ' ድሕሪ ምባላ፡ ኣሜሪካ ድማ ነዚ ጠለብ ስለዘይተቐበለቶ፤ ጉባኤ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ብዘይ ስምምዕ ከም ዝተበነ ዝዝከር ኢዩ።