ዘተ ንዩክለር ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን ዳግም ተጀሚሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነቲ ዓሚ ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ፕረዚደንት ትራምፕን መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡንን፡ ኣብ ሲንጋፖር ዝጀመርዎ ዘተ ኒዩክለር፡ ብ27 ለካቲት ኣብ ቬትናም ክቕጽልዎ ኢዮም።
ነዚ ርክብ ዕዉት ንምግባር፡ ድሮ መንግስቲ ኣሜሪካ ፍሉይ ልኡኽ ናብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ሰዲዳ ኣላ።
ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ንሰሜን ኮርያ ስቲቭ በይጋን፡ ነቲ ኣብዚ ቀረባ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ኣኼባ ንምጥጣሕ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ርእሰ ከተማ ፕዮንግያንግ ይርከብ።
ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናላድ ትራምፕ ምስ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን፡ ኣብ ቬትናም ብ27 ለካቲት ክራኸብ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ ኢዩ፡ ስቲቭ በይጋን ፕዮንግያንግ በጺሑ።
ኣብ ርክቦም፡ ክልቲኦም መራሕቲ ነቲ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ሲንጋፖር ዝተመባጽዕዎ ንጹር ዘይኮነ ካብ ንዩክለር ነጻ ናይ ምግባር መብጽዓ፡ ንምትግባሩ ክጽዕቱ ኢዮም ይብሃል።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ሰሜን ኮርያ ናይ ኒዩክለር መደባታ ትቕጽሎ ከምዘላን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተኣወጀ እገዳ`ውን ትጥሕሶ ኣላ ብምባል ኣጠንቂቓ።
እቲ ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ባሕሪ ዝገበር ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዝተእገዱ ኣቑሑ፡ ነቲ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ጸቕጢ ንምግባር ዝተኣወጀ እገዳ ``ኣድማዒ ከይከውን`` ገይርዎ ኢሉ።
`ጭቡጥ ውጽኢት`
እቲ ናይ ሲንጋፖር ርክብ ትስፍው ናይ ዜና ሸፈነ ይሃብ ድኣ`ምበር፡ብዙሕ ውጽኢታዊ ኣይነበረን።
ኣብ ርክቦም፡ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ነቲ ካብ ኒዩክለር ነጻ ንምግባር ቆራጽነት ኣርእዮም ነይሮም፡ እንተኾነ እቲ ጉዳይ ብኸመይ ከም ዝትግበር ግና ዝሃብዎ ዝርዝር መግለጺ ኣይነበረን።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ዋላ`ኳ ፕሬዚደንት ትራምፕ፡ ሰሜን ኮርያ ድሕሪ ደጊም ናይ ንዩክለር ስግኣት ኣይኮነትን ይበል ድኣ`ምበር፡ እታ ሃገር ስጋብ ሕጂ ነቲ ናይ ኒዩክለር መደባታ ደው ከምዘበልት ኣይገለጸትን፡ኣሜሪካ`ውን ነቲ እገዳ ኣመልኪታ ዝገበረቶ ሕድገት የለን ኢሎም፡ ገለ ክኢላታት።
ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ፡ ስቲቭ በይጋን ምስ ሰበ ስልጣናት ደቡብ ኮርያ ምርኻቡን ናብ ፕዮንግያንግ ከቕንዕ ምዃኑን፡ ዑደቱ ጭቡጥ ውጽኢት ክህልዎ ከምዝደሊን ገሊጹ።
ናይ ስቲቭ በይጋን ዑደት፡ ነቲ ክልቲኦም መራሕቲ ዓሚ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ሲንጋፖር ዝተመባጽዕዎ መብጽዓ ውጽኢታዊ ንምግባር ዝሓለነ ከምዝኾነ፡ ቤት ጽሕፈት ምኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ገሊጹ።
ናይ ኣሜሪካ ድልየት፡ ሰሜን ኮርያ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ማሕበረሰብ ዓለም ኩሉ ናይ ኒዩክለር ኣጻውር ትካላታ ብወግዒ ክተፍልጥን፡ ንከተዕንዎም ድማ ቃል ክትእቱን ኢዩ ናይ ኣሜሪካ ድልየት።
እንተኾነ ግን፡ ሰሜን ኮርያ ስጋብ ሕጂ ነዚ ዝተባህለ ክትፍጽሞ ከም ዝኾነት ኣይገለጸትን ዘላ።
ስቲቭ በይጋን፡ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ስታምፎርድ ዩኒቨርስቲ ኣብዝገበሮ መደረ፡ ሰሜን ኮርያ ነዚ ዝተባህለ እንተድኣ ዘይፈጺማቶ፡ ኣሜሪካ ነቲ እገዳ ክልዓል ኣይክትሰማማዕን ኢያ ኢሉ።
እንተኾነ፡ ``ንሕና ኩሉ ከይተተግበረ ዝኾነ ነገር ኣይክንገብርን ኢና ኣይበልናን`` ድሕሪ ምባል፡ ኣሜሪካ ነቲ ስምምዕ ንምትግባር ኩሉ ሓገዛት ክትህብ ምዃና ድማ ገሊጹ።
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ-ኡን ኩሉ ናይ ሰሜን ኮርያ ኒዩክለር ንምምስራሕ ትጥቀመሎ ናይ ፕሉቶንየምን ዩራንይምን መመስረሒ ትካላት ክተዕኑ ቃል ኣትዩ ነይሩ ኢሉ ስቲቭ በይጋን።
እንተኾነ ብሰኑይ [4 ለካቲት] ናብ ሕቡራት ሃገራት ዝተላእኸ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ሰሜን ኮርያ ስጋብ ሕጂ ነቲ ናይ ንዩክለርን ሚሳይላት ናይ ምምዕባል መደባታ ደው ከም ዘየበለቶን ነቲ ናይ ኒዩክለር ትካላታ ካብ ዝኾነ ናይ መጻኢ መጥቃዕትታት ንምክልኻል ትጽዕር ከምዘላ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, KCNA
ቅዳሕ ናይቲ ምስጢራዊ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ሰሜን ኮርያ ብቐጻሊ ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝተነብረ እገዳ ክትጥሕሶ ከምዝጸንሐት ገሊጹ።
``ኣብ ባሕሪ ዓቕን ዘይብሉ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ነዳድን ከሰልን`` ካብ ናይ ሰሜን ኮርያ ዘይኮና መራኽብ ከም ዝተኻየደ እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዝተነብረ ኣህጉራዊ እገዳ፡ ነቲ ናይታ ሃገር ሰደድን ናብታ ሃገር ዝኣቱ ኣቑሑን ብምግዳብ፡ ነቲ ናይ ኒዩክለር መደባታ ደው ንክተብሎ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ ኢዩ ነይሩ።
እንተኾነ፡ እታ ሃገር ነቲ እገዳ ብምጥሓሳ፡ ``እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ኣድማዒ ከም ዘይኸውን ገይርዎ`` ኢሉ ማዕከን ዜና ሮይተር ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







