ጃፓን፡ ኣብ ኢንተርኔት ብጨረታ ክሽየጥ ዝወጸ 'ዩራንየም' ትምርምር

ምልክት መጠንቀቕታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፖሊስ ጃፓን፡ እቲ 'ዩራንየም' ከምዝኾነ ዝተነገረሉ ትሕዝቶ ብኸመይ ኣብ ኢንተርኔት ብጨረታ ክሽየጥ ከምዝወጸ ምጽራይ ይገብር ኣለዉ።

ፖሊስ ጃፓን ነቲ ሸያጥን ብርክት ዝበሉ ዓደግትን ምርመራ ይገብረሎም ከምዘሎ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።

ኣብቲ ኣብ 'Yahoo' ዝተዘርገሐ ጨረታ፡ እቲ ኣብ ጥርሙስ ዝተዓሸገ ምህርቲ "99.9% ዩራንየም" ከምዝኾነ እዩ ተገሊጹ።

ኣብቲ ልሑም ነገር ዝተገብረ ናይ መጀመርያ ፈተነ፡ እቲ ትሕዝቶ 'ራድዮኣክቲቭ' ምዃኑ እዩ ዘርእይ።

ሰብመዚ ቁጽጽር ኒዩክለር እታ ሃገር፡ ብዛዕባ እቲ ጨረታ ኣብ 2017 ምስፈለጡ፡ እቲ ትሕዝቶ ዝተጸንቀቐ ዩራንየም ከምኡ ድማ ልሑም ዩራንየም ክኸውን ከምዝኽእል እዮም ገሚቶም።

እቲ ሸያጢ፡ ንሱ'ውን ነቲ ትሕዝቶ ብኢንተርኔት ካብ ካልእ ሃገር ከምዝዓደጎ እዩ ዝገልጽ።

ኣብቲ እዋን በዓል መዚ ቁጽጽር ኒዩክለር ጃፓን ምስ ያሁ ብምዝርራብ ነቲ ዘደንቕ ጨረታ ደው ኣቢልዎ እዩ።

እቲ ትሕዝቶ፡ 'ናይ ብሓቂ ዩራንየም ድዩ? ዝበልጸገ ድዩኸ?' ዝብል ገና ኣይተረጋገጸን።