ኣብ ጃፓን ካብ ሰማይ ተሰሊዑ ዝወደቐ ክንፊ ነፋሪት ኣብ ልዕሊ መኪና ዓሊቡ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ከተማ ኦሳካ ጃፓን፡ ካብ ሰማይ ተሰሊዑ ብዝወደቐ ክንፊ ነፋሪት ዝተሃርመት መኪና ኣዚያ ተጎዲኣ።
እቲ 4 ኪ.ግራም ክብደት ዝምዘን ክፋል ክንፊ ነፋሪት፡ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ካብ ዓለም-ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ካንሳይ ናይ ዝተበገሰት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኬ ኤል ኤም ቁሩብ ምስተጉዓዘት'ዩ ወዲቑ።
ካብ ልዕሊ 2,000 ሜትሮ ብራኸ ንቑልቁል ተኖቚቱ ኣብ ልዕሊ መኪና ዓሊቡ፡ ንላዕለዋይ ክፋል'ታ መኪና ጨፍለዒቑ ንመስትያታ ሓማሺሹዎ።
በቲ ዝተፈጠረ ኩነታት ዝተጎድአ ሰብ እኳ እንተዘየሎ፡ ኬ ኤል ኤም ግን ነቲ ጉዳይ ንምጽራይ መርመርኡ ጀሚሩሎ።
እታ ገለ ክፋል ክንፋ ዝተሰልዓ ነፋሪት ቦይንግ 777 ልዕሊ 300 ተጓዓዝቲ ፅዒና ነይራ። ኣብ ኣምስተርዳም ድማ ብሰላም ዓሊባ።
እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ ዝሃቦ መግለፂ "ኬ ኤል ኤም በቲ ኩነታት ሓዚኑ እዩ፤ መንቀሊኡ ንምንፃር ድማ መርመራ ጀሚሩ ኣሎ" ኢሉ።
ምስ ሲቪል ኣቭየሽን ጃፓንን ቦይንግን ብቐረባ ይራኸቡ ምህላው እውን ኣፍሊጡ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







