መራሒ ሰሜን ኮርያ `ንቅንዕና ዝጎደሎ ባህርያት` ኣሜሪካ ወቒሱ

ኪም ጆንግ ኡን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኪም ጆንግ ኡን

መራሒ ኪም ጆንግ ኡን ምስ ፕሬዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ሰላም ክሰፍን እንተድኣ ኮይኑ፡ ኣብ ናይ ኣሜሪካ ቅንዕና ኢዩ ዝምርኮስ ኢሉ። ፕሬዚደንት ፑቲን ድማ እንተድኣ ሰሜን ኮርያ ናይ ኒዩክለር መደባታ ደው ከተብል ኮይና፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንኪም ጆንግ ኡን ውሕስነት ክህብዎ ኣለዎም ድሕሪ ምባል፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ክኽበር ድማ ተማሕጺኑ።

ናይ ኪም ናይ ሩስያ ዑደት፡ ንዓለም ናብቲ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ዝነበረ ደንበይ ደንበኻ ከይመልሳ ስግኣት ኣሎ።

መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን፡ ኣብቲ ምስ ፕሬዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቬትናም ዘካየድዎ ርክብ ናይ ኣሜሪካ ቅንዕና ዝጎደሎ ንጥፈታት ከምዝወቐሰ ናይ ኮርያ ናይ ዜና ማዕከን ጸብጺቡ።

ኪም ጆን ኡን፡ ብሓሙስ ምስ ፕሬዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ሩስያዊት ከተማ ቭላዲስቶክ ኣብ ዝተራኸብሉ፡ ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ሰላም ክሰፍን እንተኾይኑ ኣብ ቅንዕና መንግስቲ ኣሜሪካ ኢዩ ዝምርኮስ ኢሉ።

ፕሬዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ነቲ ሰሜን ኮርያ ክበጽሕ ብኪም ጆንግ ኡን ዝቐረበሉ ዕድመ ከምዝተቐበለ ውን ናይ ሰሜን ኮርያ ናይ ዜና ማዕከን ገሊጹ።

ኣብ ርክቦም፡ ኪም ጆንግ ኡን ኩነታት ሓውሲ ደሴት ኮርያ ብዙሕ ምዕባለታት ከም ዘየርኣየን ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ከምዘሎን ንፕሬዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ሓቢርዎ።

``ብሰንኪ ናይ ኣሜሪካ ቅንዕና ዝጎደሎ ባህርያት ድማ እቲ ኩነታት ናብቲ ዝነበሮ ክምለስ ከምዝኾነ`` ኪም ጆን ኡን ኣጠንቂቑ።

ባቡር ኪም ጆንግ ኡን

ምንጪ ስእሊ, AFP

እዚ ናይ ኪም ጆንግ ኡን መጠንቀቕታት ሓደ ሰሙን ድሕሪ ሰሜን ኮርያ ንኣሜሪካ ብዛዕባ ዝርርብ ሰላም ምውቃሳ ኢዩ ተዋሂቡ።

እቲ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ሰላም ዝርርብ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ቬትናም ዝተኻየደ ርክብ ኢዩ ተቛሪጹ። እቲ ኣብ ጉዳይ ናይ ሰሜን ኮርያ ናይ ኒዩክለር ኣጽዋር ዝካየድ ዝነበረ ዝርርብ`ውን ኣብ ስምምዕ ከይተበጽሐ ኢዩ ተቛሪጹ።

ከምቲ ዝብሃል፡ ኣሜሪካ ነቲ ብሰሜን ኮርያ ዝቐረበ ምልዓል ቁጠባዊ እገዳ ብዘይምቕባል ኢዩ እቲ ዝርርብ ተቛሪጹ።

እንተድኣ ሰሜን ኮርያ ናይ ኒዩክለር መደባታ ደው ከተብል ኮይና ኪም ጆንግ ኡን ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ውሕስነት ክውሃቦ ኣለዎ። ኩነታት ዓለምና ክምሓየሽ እንተኾይኑ ኮይኑ ኣህጉራዊ ሕጊ ክኽበር ኣለዎ ኢሉ ፕሬዚደንት ፑቲን ኣብቲ ትማሊ ሓሙስ ምስ ኪም ጆንግ ኡን ዘካየዶ ርክብ።

ድሕሪ`ቲ ርክብ፡ ኪም ጆንግ ኡን እቲ ምስ ፕሬዚደንት ፑቲን ዘካየዶ ርክብ ``ኣዝዩ ውጽኢታዊ`` ከምዝነበረን ``ሰናይ ዘመን`` ኣብ መንጎ ሰሜን ኮርያን ሩስያ ዘበስር ክኸውን ድማ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

ብዛዕባ`ቲ ርክብ እንታይ ይፍለጥ?

ብዛዕባ`ቲ ሰሜን ኮርያ ምስ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ እገዳን ኒዩክለር ኣጽዋርን ዝተበጽሐ ስምምዕ ስጋብ ሕጂ ዝኾነ ጸብጻብ ብወግዒ ኣይተገልጸን ዘሎ።

ፕሬዚደንት ፑቲን ድሕሪ ምስ ኪም ጆን ኡን ምርኻቡ ንናይ ክልተ መዓልቲ ወግዓዊ ዑደት ናብ ቻይና ኣምሪሑ ከምዘሎን ፡ንናይ ቻይና መራሒ ድማ ብዛዕባ`ቲ ምስ ኪም ጆንግ ኡን ዘካየዶ ርክብ ክሕብሮ ከምዝኾነ ተፈሊጡ ኣሎ። ምስ ሰበ ስልጣናት ኣሜሪካ`ውን ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ምስ ኪም ጆንግ ኡን ዝገበሮ ርክብ ከካፍሎም ድልውነቱ ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ብሽዱሽተ ሃገራት - ክልተ ኮርያ፡ ቻይና፡ ጃፓን፡ ሩስያን ኣሜሪካ - ኣብ 2003 ዝተበገሰ ዝርርብ ጥራይ ኢዩ ነቲ ኣብ ጉዳይ ሰሜን ኮርያን ጉዳይ ኒዩክለር ኣብ ሓውሲ ደሴት ኮርያ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ኢሉ ኣፈኛ ፕሬዚደንት ሩስያ፡ ዲሚትሪ ፔስኮቭ።

ብጀካ ናይዘን ሃገራት ድማ ካልእ ዝኾነ ኣህጉራዊ ፍታሕ የለን ኢሉ ዲሚትሪ ፔስኮቭ።

ደሴት ረስኪ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ክልቲኦም ወገናት እንታይ ይደልዩ?

ድሕሪ`ቲ ሰሜን ኮርያ ምስ ኣሜሪካ ተካይዶ ዝነበረት ዝርርብ ምቁራጹ ዝተኻየደ ናይ ኪም ጆንግ ኡን ዑደት ሩስያ ፡ ሰሜን ኮርያ ሓያላት የዕሩኽ ከምዘለውዋ የርኢ ተባሂሉ።

ሰሜን ኮርያ ንወጻኢ ጉዳይ ምኒስተር ኣሜሪካ ማይክ ፖምፔዮ ብምፍራስ ናይ ቬትናም ርክብ ከምዝወንጀለቶን፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ካብቲ ናይ ኒዩክለር ዝርርብ ዘካይድ ጉጅለ ክተልዕሎ ከምዝሓተትን ይዝከር።

ሩስያ፡ ከም ኣሜሪካን ቻይናን ሰሜን ኮርያ ወናኒት ኒዩክለር ክትከውን ኣይትደልን ኢያ።

ዝምድና ሩስያን ሰሜን ኮርያን ስጋብ ክንደይ ጥቡቕ`ዩ?

ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት፡ ሕብረት ሶቭየት [ናይ ሕጂ ሩስያ] ብሰንኪ ስነ ሓሳባውን ስትራቴጂካውን ጉዳያት ዝተበገሰ፡ ምስታ ዴሳዊት ብዓልቲ ኪዳና ዝኾነት ሰሜን ኮርያ ጥቡቕ ዝኾነ ወተሃደራውን ንግዳውን ርክባት ነይርዋ።

ኣብ 1991፡ ሕብረት ሶቭየት ምስ ፈረሰ፡ እቲ ምስ ሰሜን ኮርያ ዝነበረ ርክብ ተቛሪጹ።