ኪም ጆንግ ኡን፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዘንበረቶ እገዳ ክተልዕል ሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንምጥፋእ ድሉው'ኳ እንተኾነ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ኣንቢራቶ ዘላ ማዕቀብ ዘይተልዕሎ እንተኾይና ኣንፈቱ ክቕይር ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
ንሱ ነዚ መጠንቀቕታ ዝሃበ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኣብ ዝሃቦ መልእኽቲ'ዩ።
ዓሚ ኣብ ዝሃቦ ናይ ሓድሽ ዓመት መልእኽቲ፡ ነታ ሃገር ምስ ደቡብ ኮሪያን ኣሜሪካን ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ ሓድሽ ዓለም-ለኻዊ ዲፕሎማሲ ኣእትይዋ'ዩ።
ሚስተር ኪም ኣብ ሰነ 2018 ምስ ፕረሲደንት ትራምፕ ተራኺቡ ብዛዕባ ምጥፋእ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ተዛትዪ ነይሩ፡ ዛጊት ግን ብዙሕ ውጺኢት ኣይተረኽቦን።
እቲ ምምሕያሽ ዝምድናታት ናይ ዓሚ ነቲ ሰሜን ኮርያ ኣብ 2017 ኣሜሪካ ክበጽሕ ዝኽእል ሚሳይላት ድሕሪ ምውንጫፋ ዝተፈጥረ ወጥሪ ስዒቡ'ዩ መጺኡ ነይሩ። ኣብ'ቲ እዋን'ቲ ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን ኣብ ሓድሕድ ምዝልላፍን ብኑክሌር ናይ ምጥፋእ ምፍርራሕን ተጸሚደን ነይረን።
ንሱ ነዚ ዓመታዊ መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት ካብ'ቲ ነታ ዴሳዊት ሃገር ዝመስረተ ኣባሓጎኡ ኪም ኢል ሳንግ'ዩ ወሪስዎ።
እቲ መልእኽቲ ናብ ናይ ውሽጢ ዓዲ ሰማዕቲ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ልክዕ ከም'ቲ ናይ ዓሚ ድማ ኣብ ቁጠባ ዘተኮረ'ዩ ነይሩ፡ ዓለም-ለኻዊ ተዓዘብቲ ግን ኣመት ዓለም-ለኻዊ ዛዕባ ሰሜን ኮርያ ንምፍላጥ ሃንቀው'ዮም ዝብሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
'ኣሜሪካ ኣብ ቅድሚ ዓለም ዝኣተወቶ ቃል ዘይተኽብር እንተድኣ ኮይናን ኣብ ሪፓብሊካዊት ሃገርና ማዕቀብን ጸቕጥን ምንባር እንተቐጺላን፡ ጥቕምታትናን ሉኣላውነትናን ንምኽባር ኣማራጽታት ሃሰሰ ንምባል ክንግደድ ኢና' ኢሉ ንሱ ኣብ'ቲ ብሰሉስ ምሸት ብመንግስታዊ ቴለቪዥን ብቐጥታ ዝተቓልሐ መልእኽቲ።
እዚ ኣዘራርባ'ዚ፡ ሰሜን ኮርያ ኣሜሪካ ኣብ 2019 ስጉምቲ ክትወስድ ትጽበ ከምዘላን፡ ኣሜሪካ ከምኡ ምስ ዘይትገብር ግን፡ እቲ ንግዚኡ ደው ኢሎ ዘሎ ፈተነ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከብቅዕ'ዩ ማለት'ዩ ኢላ ልእኽቲ ቢቢሲ ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኮርያ ላኡራ ኪከር።
ሰሜን ኮርያ ብምኽያት'ቲ ዘለዋ ክልኩል ዝኾነ መደባት ኑክሌራዊ ኣጽዋርን ባሊስቲክ ሚሳይላታን፡ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ማዕቀባት ናይ ውድብ ሃገራት ኣትያ ትርከብ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሰሜን ኮርያ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንኸይትሰሕ፡ ከይትጥቀምን ከይትዝርግሕን ቃል ኣትያ'ያ፡ ንምትግባሩ ድማ ጭቡጥ ዝኾነ ስጉምቲ ወሲዳ'ያ ኢሉ ሚስተር ኪም። ኣብ ዝኾነ እዋን ምስ ፕረሲደንት ትራምፕ ንምርኻብ ድሉው ከም ዘሎ'ውን ገሊጹ።
'እቲ ቃና ኣዘራርብኡ ብዙሓት ሰባት ዝተጸበይዎ'ዩ ነይሩ' ኢሉ ኦሊቨር ሆታም ናይ ኤን ከይ ኒውስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ።
'ብሓፈሻ፡ እቲ መልእኽቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ወሰንቲ ጉዳያት ንዘለዎ ድጋፍ ህዝቢ ንምድራዕን፡ ናብ ኣሜሪካ ናይ ዕርቂ ከኣ ተሪር መልእኽቲ ብምስዳድ፡ ንደቡ ኮርያ ድማ ሓድሽ ናይ ምትሕብባር ሃዋሁው ክፍጠር ከምዝእል ንምእማን ዝዓለም'ዩ ነይሩ' ኢሉ።
ከም ዝፍለጥ ዓሚ ኣብ ከዚ ህሞት'ዩ ሚስተር ኪም ሰሜን ኮርያ ኣብ'ቲ ደቡብ ኮርያ ዘዳለወቶ ውድድራት ኦሎምፒክ ከምእትሳተፍ ዘበሰረ፡ እዚ ድማ ናብ ምምሕያሽ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ኣምሪሑ።
ድሕሪ ተኸታተልቲ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ድማ፡ ሚስተር ኪም ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ምስ ፕረሲደንት ሙን ጃይ ኢን ናይ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ተራኺቡ።
ብድሕሪ'ዚ'ውን ክልቲኦም መራሕቲ ክልተ ጊዜ ተራኺቦም። እቲ ዝዓበየ ታሪኻዊ ህሞት ናይ 2018 ግን ርክብ መራሒ ሰሜን ኮርያ ምስ ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ሲንጋፖር'ዩ ነይሩ።
ኣብ'ቲ ሓደ መራሒ ሰሜን ኮርያ ንፈለማ ኣዋን ምስ ሓደ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣሜርካዊ ፕረዚደንት ዝተራኸበሉ እዋን፡ ክልቲኦም መራሕቲ ዝምድናታቶም ንምምሕያሽን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንምጥፋእን ብንጹር ዘይተጻሕፈ ስምምዕ ከቲሞም።
ድሕሪ'ቲ ርክቦም ግን ብዙሕ ሰብ ካብ ዝተጸበዮ ንታሕቲ ዝኾነ ምዕባለ'ዩ ተራእዩ።
ሰሜን ኮርያ ፈተነ ኑክሌራዊ ኣጽዋርን ሚሳይላትን'ኳ ደው እንተበለት፡ ከም'ቲ ኣሜሪካ ዝተጸበየቶ ሓፈሻዊ ምጥፋእ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ግን ክትገብር ኣይተራእየትን።
ሰሜን ኮርያ ሓደ ሓደ ነቑጣታት መፈተኒ ኑክሌራዊ ኣጽዋር'ኳ እንተዕነወት፡ ኣጽዋር ናይ ምስራሕ መደባታ ግን ትቕጽሎ ከምዘላ ጠቐነታት ኣለዉ።
እንተደንጎየ ኣብ ወርሒ ሚያዚያ ርክብ ናይ ክልቲኦም መርሕቲ ክህሉ ከምዝኽእል ፕረሲደንት ትራምፕ ኣሚቱ'ሎ፡ ዛጊት ግን ዝተዋህበ መረጋገጺ የለን።
ኪም ጆንግ ኡን ናብ ከተማ ሶል ተጓዒዙ ምስ ደቡብ ኮርያዊ መዘንኡ ዳግማይ ክራኸብ መደብ ከምዘሎ'ውን ይንገር፡ እንተኾነ ግን እዚ'ውን ኣይተረጋገጸን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







