ርክብ ሰሜን ኮርያን ኣሜሪካን ላሕሊሑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን ሰሜን ኮርያዊ መዘንኡ ኪም ጆንግ ኡንን፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ሲንጋፑር ምርኻቦም ዝዝከር'ዩ።
'ታሪኻዊ' ኣብ ዝተብሃለ ርክቦም ድማ፡ ክልትኣዊ ርክብ እተን ሃገራት ናብ ዝሓሸ ብርኪ ናብ ዝወስድ ኣንፈት ኣመላኺቶም።
ካብቲ ሽዑ እዋን ጀሚሩ ግን ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ክልተ ስምዒት ኾይና'ያ ንኣሜሪካ እንትትጥምታ፤ 'ኹራን ምትፍናን ዝነከየ ስምዒትን' ብወገን ሰሜን ኮርያ ክርአይ ጸኒሑ።
እዚ'ውን ኾይኑ ግን፡ መራሕተን ዳግማይ ዝራኸብሉ ጉባኤ ክህሉ ተተስፍዩ ነይሩ'ዩ።
ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሰሜን ኮርያ ይቕጽል'ዩ ዘሎ ዝብል ጸብጻብ ምስ ወጽአ ግን፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ'ታ ሃገር ሓድሽ ማዕቀብ ኣንቢራ።
እዚ ማዕቀብ፡ "ቐጠና ኮርያ ካብ ኒኩሌር ናጻ ዝገብር መገዲ ንዘልኣለም ዝዓጹ'ዩ" ክትብል ድማ ሰሜን ኮርያ ኾኒና።
ምምሕዳር ሰሜን ኮርያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብሓድሽ ማዕቀብ ኣሜሪካ ዝተሰምዖ "ቑጥዐን ድንጋጸን" ኣንጸባሪቑ።
እቲ ማዕቐብ፡ "ናብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ርሱን ምትፍናን ዝመልስ'ዩ" ክብል ድማ ብሃገራዊ ቴሌቭዥኑ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ኾኒኑ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ዝነበረ ልውውጥ ቃላት ዳርጋ 'ናይ ቃላት ኲናት' እዩ ነይሩ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ንፕሬዝደንት ሰሜን ኮርያ "ንኡሽቶ በዓል ሮኬት" ኢሉ እንትገልጾ፡ "ዓለም ገጢሙዋ ዘይፈልጥ ቑጥዐን ሓውን ክስዕቦ'ዩ" ኢሉዎ ነይሩ።
እቲ ማዕቀብ ግን እንታይ'ዩ?
ኣሜሪካ፡ ኣብ ሃገራ ዘሎ፡ ሃብቲ የማናይ ኢድ ፕሬዝደንት ኪም ናይ ዝኾነ ቾ ርዮንግ-ሃ፣ ሚኒስትር ምክልኻል ጆንግ ክዮንግን ሓላፊ ፕሮፖጋንዳ ፓክ ክዋንግ-ሆን፡ ክትህግር'ያ።
ወሃቢ ቃል ምምሕዳር ኣሜሪካ ሮበርት ፓላዲኖ፡ "ቅትለት፣ ግዱድ ስራሕን ምንጻል ጥንስን፣ ምስቓይ፣ ጾታዊ ዓመጽን ካልኦትን ኣብ ሰሜን ኮርያ ዝፍጸም ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ኮይኑ ቀጺሉ'ሎ" ኢሉ።
መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ሲንጋፑር ድሕሪ ምርኻቦም፡ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ኮርያ ዝተመሓየሸ ርክብ ተራእዩ'ዩ።
ኣብዚ ሰሙን ጥራሕ፡ ወተሃደራት ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ዶብ ነንሓድሕድ እተን ሃገራት ሰጊሮም፡ ምሕዝነታዊ ናይ እግሪ ጉዕዞ ገይሮም'ዮም።
ርክብ ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን ግን ዳርጋ ዝተኣጓጎል ዘሎን፡ ዝላ ዘየርኣየን ኾይኑ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ኣብ ሞንጎ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፒዮን ኮርያዊ መዘንኡ ኪም ዮንግ ቾልን ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዘተ ተሰሪዙ፡ ዳግም ቆጸሮ ከይተትሓዘሉ ተሪፉ።
ሰሜን ኮርያ ንኣሜሪካ ምንጪ ስግኣት ኒዩክሌር ኮይና እናሃለወት፡ ኣሜሪካ ብስሩዕ ኲናት ኮርያ ከብቅዕ ስምምዕ ከም ዘይትፈቅድን ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዘንበረቶ ማዕቀብ ቁጠባ ከም ዘይተልዕልን ገሊጻ እያ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







