መራሒ ሰሜን ኮርያ ቻይና ኣትዩ ከይከውን ይጥርጠር

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
ሓደ ዓቢ በዓል ስልጣን ብናይ ሰሜን ኮርያ ባቡር ዲፕሎማሲ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ በይጂን ከምዛኣተወ ማዕከናት ዜና ጃፓን ኣቐዲመን ጸብጺበን ነይረን።
ደቡብ ኮርያ ግን ብዛዕባ መንነት'ቲ በዓል ስልጣን ትፍለጦ ነገር ከምዘይብላ፡ ነቲ ኩነታት ግን "ብጥንቃቐ ትከታተሎ" ከምዘላ ገሊጻ።
ሓቂ እንተደኣ ኮይኑ፡ ድሕሪ 2011፡ ሚስተር ኪም ናብ ካልእ ሃገር ክበጽሕ ናይ ፈለማ እዋኑ ክኸውን'ዩ።
ከምዚ ዓይነት ምብጻሕ ዓብይ ኣገዳስነት ዘለዎ'ኳ እንተኾነ፡ ብቻይና ይኹን ብሰሜን ኮርያ ግን ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ'ዚ ዝተዋህበ መግለጺ የለን።
ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ናይ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ሚስተር ኪም ንምርኻብ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ዕድመ ተቐቢሉ ነይሩ፡ ሰበ-ስልጣን ድማ ነቲ ሕልኽላኽ ዝበዝሖ መስርሕ ዲፕሎማሲ ብድሕሪ መጋረጃ ኮይኖም ይሰርሕሉ ከምዘለዉ ይፍለጥ።
ተንተንቲ ፖለቲካ ድማ መራሕቲ ሰሜን ኮርያን ቻይናን ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ንምዝታይ ኣቐዲሞ ክራኸቡ ይኽእሉ'ዮም ኢሎም። ቻይና ቀንዲ ናይ ቁጠባ መሻርኽቲ ሰሜን ኮርያ እያ።
በታ ቶክዮ ዝመደበራ ኒፖን ኒውስ ኔትዎር ዝተባህለት ማዕከን ዜና ዝተፈነወ ምስሊ ቪድዮ ናይታ ባቡር ድማ ብጫ ኣግዳሚ መስመር ዘለዋ ቀጠልያ ሰረገላ ኣርእያ። ምስታ ብነፋሪት ናይ ምብራር ፍርሒ ዝነበሮ ኣቦ ሚስተር ኪም ኪም ጆንግ ኢል ዝጥቀመላ ዝነበረ ባቡር ድማ ትመሳሰል እያ ኢላ እታ ማዕከን ዜና።

ምንጪ ስእሊ, AFP
መገሻታት ኪም ጆንግ ኢል ናብ ቻይና፡ ምብጽሑ ወዲኡ ናብ ሃገሩ ምስ ተመለሰ ጥራይ'ዩ ዝንገር ነይሩ።
ሓደ ኣካያዲ ስራሕ ናይ ሓንቲ ኣብቲ መገዲ ባቡር ካብ ዝርከባ ድኳናት ድማ ሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ "ዘይልሙድ" ነገራት ከምዝረኣየ ገሊጹ። "ኣብ ቅድሚ'ቲ መንገዲ ባቡርን ወሰና ወሰን ናይቲ መንገዲን ብዙሓት ፖሊስ ነይሮም። እቲ መደበር ባቡር ድማ ብውሽጢ ተኸርዲኑ ነይሩ" ኢሉ ንሱ ንማዕከን ዜና ኤ ኤፍ ፒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ።
ብመሰረት ጸብጻብ ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ ፖሊስ ኣብ ሜዳ ቲያናንመን ንዝነበሩ በጻሕቲ ሃገር ኣውጺኦሞም። እዚ ድማ ኣብቲ ዓቢ ህዝባዊ መንደቕ ወይ ግረይት ዎል ኦፍ ዘ ፒፕል ተባሂሉ ዝፍለጥ ቤተ-መንግስቲ ዓቢ ዝርርብ ይካየድ ከምዝነበር ይእምት።
ዓጀባ ናይ ፖሊስ ሞተርሳይክል ከምዝተራእየ ድማ እታ ማዕከን ዜና ወሲኻ ጸብጺባ።
ማዕከን ዜና ብሉምበርግ ድማ ብመንገዲ ዘይተሰምዩ ምንጭታት እቲ ጋሻ ሚስተር ኪም እዩ ኢላ።
እንተኾነ ግን፡ ንማዕከን ዜና ዮንሃፕ ናይ ሰሜን ኮርያ መብርሂ ዝሃቡ ተንተንቲ፡ እቲ ጋሻ ንእሽተይ ሃፍቱ ንሚስተር ኪም፡ ኪም ዮ-ጆንግ ክትከውን ትኽእል'ያ ኢሎም።
"እቲ ጋሻ መን ምዃኑ ገና ኣይፈለጥናን ዘለና" ኢሉ ሃደ በዓል ስልጣን ናይ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ደቡብ ኮርያ። ነቲ ኩነታት ግን "ምስ ኩሉ ግምታት ድማ ነቲ ኩነታት ብጥንቅቐ ንከታተሎ ኣለና" ኢሉ።
ዋሕዚ ርክባት
ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰሜን ኮርያ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስተፋን ሎፍቨን ኣብ ከተማ ኣብ ስቶኮልም ተራኺቡ ተዘራሪቡ ነይሩ።
እቲ ንፈለማ እዋን ዝግበር ዓቢ ርክብ መራሕቲ ኣሜሪካን ሰሜን ኮርያን ኣብ ወርሒ ግንቦት ክኸውን'ዩ ተመዲቡ ዘሎ።
ሚስተር ኪም፡ ምስ ደቡብ ኮርያዊ መዘንኡ ሙ ጃይ ኢን እውን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክራኸብ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







