ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ንካልኣይ ግዜ ፈተነ ሚሳይል ኣካይዳ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ንካልኣይ ግዜ ክልተ ፈተነ ሓጺር ርሕቐት ባላስቲካዊ ሚሳይል ከም ዘካየደት ወተሃደራዊ ምንጭታት ደቡብ ኮርያ ኣፍሊጦም።
ሰሙን ኮርያ፡ ነዚ ፈተነ ብረቡዕ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ዎንሳን እያ ኣካይዳቶ።
እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘካየደቶ ፈተነ ሚሳይል ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡንን ኣብ ወርሒ ሰነ ድሕሪ ምርኻቦም ናይ መጀመርታ ፈተነ ሚሳይል እዩ ነይሩ።
ሰሜን ኮርያ ነቲ ዘካየደቶ ፈተነ ሚሳይል፡ ነቲ ደቡብ ኮርያ ምስ ኣሜሪካ ክትገብሮ ትሓስብ ዘላ ዉሁድ ወተሃደራዊ ልምምድ 'ዕቱብ መጠንቐይታ'ዩ" ክትብል ገሊጻቶ ኣላ።
ደቡብ ኮርያን ኣሜሪካን እቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ከካይድኦ ወጢነን ዘለዋ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ካብ ንኵናት ምድላው ከም ዘይንእስ'ያ ሰሜን ኮርያ ብቁጥዐ ገሊጻቶ።
ብረቡዕ እንታይኣጋጢሙ?
እቲ ክልተ ሚሳይላት ብኣቆጻጽራ ርሑቕ ምብራቕ ኣብ ሰዓት 05፡06 ከምኡ'ውን 05፡27 እዩ ካብ ከባቢ ወደብ ዋንሶን ተተኵሱ።
እቲ ሚሳይል ኣብ ባሕሪ ጃፖን ከምኡ'ውን ባሕሪ ምብራቕ ኣብ ዝስመ ከባቢ ቅድሚ ምዕላቡ 250 ኪሎሜትር ርሕቐትን፡ 30 ኪሎሜትር ብራኸን ኢዩ ተወንጪፉ ።
ሚኒስተር ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ጅዮንግ ክዮንግ ዱ እቲ ሚሳይል ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ሚሳይላት ዝተፈልየ ምዃኑ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ሺንዞ ኣቤ ብወገኑ እዚ ሚሳይል ኣብ ጸጥታ ጃፓን ዝፈጥሮ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘየለ ገሊጹ።
እዚ ዳሕረዋይ ፈተነ ሚሳይል ሰሜን ኮርያ፡ ድሕሪ እቲ ቅድሚ ሽዱሽተ መዓልታት ናይቲ 690 ኪሎሜትር ከምኡ'ውን 430 ኪሎሜትር ዝውንጨፍ ናይ ሓጺር ርሕቐት ሚሳይል ዝገበረቶ ፈተነ እዩ ዝካየድ ዘሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







