ካብ ዝሰረቑዎ ገንዘብ ንገባሪ ሰናይ ዝሃቡ ሰርሰርቲ

ስእሊ ሰርሳሪ ሪበን ሁድ

ምንጪ ስእሊ, EDUARD MUZHEVSKYI / SCIENCE PHOTO LIBRARY

መን’ዮም ኣይፍለጥን። ‘ዳርክሳይድ ሓከርስ’ ብዝብል ሽም ግን ይጽውዑ።

እዚኦም ሰርሰርቲ ኢንተርነት (ሳይበራዊ ገበን) ኮይኖም፡ ናይ ኩባንያታት መርበብ ሓበሬታ ሰይሮም ብምእታው መረዳእታታት ይዓግቱ።

ድሓር ነዚ ዝዓገቱዎ መረዳእታ ንምፍናው ምስቶም ኩባኒያታት ብገንዘብ እናተደራደሩ ሚሊዮናት ዶላራላት ገንዘብ ይሰርቁ።

በቃ ካልእ ምንጪ እቶት የብሎምን፤ እቲ ዝዓገቱዎ ንክፍንው ገንዘብ ብምሕታት ካዝንኦም የሀብትሙ።

እቶም ኩባኒያታት ነቲ በዞም ሰርሰርቲ ዝተትሓዘ መረዳእታ ንክረኽቡ ዝተሓተትዎ ገንዘብ ካብ ምኽፋል ወጻእ ካልእ ኣማራጺ የብሎምን።

እቲ ዝገርም ነገር፡ እዞም ሰርሰርቲ ንገባሪ ሰናይ ገንዘብ ዝህቡ ምዃኖም እዮም።

እዞም ‘ዳርክሳይድ ሃከርስ’ ብዝብል ሕቡእ መጸውዒ ሽም፡ ኣብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ስርቂ ዝተዋፈሩ ሰርሰርቲ ኢንተርነት፡ “ዓለም ዝሓሸት ንክትኸውን ስለእንብህግ ኢና ንገባሪ ሰናይ ሓጊዝና” ኢሎም።

ቅብሊት

ዳርክሳይድ ክሳብ ሕጂ ካብቶም ሰይሮም ዝኣተውዎም ኩባኒያታት ብሚሊዮን ዶላር ሰሪቖም’ዮም።

እዞም ሰረቕቲ ኣብ ድረገጾም መጠን ንሰናይ ተግባር ዝልኣኹዎ ገንዘብ ዝሕብር ቅብሊት ጠቂዖም።

እዚ 10 ሽሕ ዶላር ብጥረ ገንዘብ ዘይኮነ ብቢትኮይን እዮም ከፊሎም።

ካብዞም ሰርሰርቲ ሓገዝ ካብ ሞንጎ ዝተገብረሎም እቲ ሓደ “ቺልድረንስ ኢንተርናሽናል” ኮይኑ ነዚ ገንዘብ ንምቕባል ከም ዝጽገም ገሊጹ ኣሎ።

ተግባር እዞም ሰርሰርቲ ናይ ሞራልን ሕግን ሕቶ ዘልዕል ስለ ዝኾነ ኣብ መላእ ዓለም ኣዘራረብቲ ኮይኖም ኣለው።

ዳርክሳይድ ሃከርስ ብ13 ጥቅምቲ 2020፡ ኣብ ድረ ገጾም ኣብ ዝዘርግሑዎ ሓበሬታ እቲ ጉጅለ ትርፊ ከምኡ’ውን ገዚፍ ሃብቲ ካብ ዘኻዕበቱ ሰባት ጥራሕ ከም ዝሰርቁ ሓቢሮም።

“ንሕና ክኣ ካብቲ ዝሰረቕናዮ ሚሊዮን ዶላራት ዝተወሰነ ገንዘብ ንሰናይ ተግባር ክነውዕሎ ጽቡቕ እዩ” ይብሉ።

ወሲኾም፡ “ዋላ’ኳ ኣብ ሕማቕ ተግባር ከም ዝተዋፈርና እንተፈለጥና፡ ንሕና ግን ህይወት ሓደ ሰብ ንምልዋጥ ጻዕሪ ብምግባርና ሕጉሳት ኢና” ኢሎም።

ነዚ’ዩ እቲ ገንዘብ ንገባሪ ሰናይ ዝሃብናዮ ክብሉ ንዓለም ኣብ ዝዘርግሑዎ ዜና ሓቢሮም።

ዘዎተር ፕሮጀክት፡ ካልእ እዞም ሰርሰርቲ ኢንተርነት ብመልክዕ ቢትኮይን ናይ ሓገዝ ገንዘብ ዝገበሩሉ ትካል እዩ።

ካልእ ቅብሊት

እቲ ናይ መጀመርታ ኣብ ድኽነት ንዝርከቡ ህጻናትን ስድርኦምን ዝሕግዝ ገባሪ ሰናይ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ህንዲ፣ ፊሊፒንስ፣ ካምቦዲያ፣ ዛምቢያ፣ ጓቲማላን ሃንዱራስን ይንቀሳቐስ።

ወሃቢ ቃል እቲ ትካል “እቲ ገንዘብ ምስ ሰረቕቲ ዝተሓሓዝ ስለ ዝኾነ” ንክንቕበሎ የጸግመልና እዩ ኢሉ።

ዘዎተር ፕሮጀክት ብወገኑ፡ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዘለዋ ሃገራት ዝስተ ማይ ንክረኽባ ዝሰርሕ ገባሪ ሰናይ እዩ።

እዚ ገንዘብ ክትቕበሉ ዲኹም ኣይትቕበሉን ዝብል ንምሕታት ቢቢሲ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ብሪት ካሎው ግን ተንታኒ ጉዳያት ድሕነት ኢንተርነት እዩ።

“ምናልባት እዞም ሰረቕቲ እዚ ሰናይ ተግባር ዝፍጽሙ ዘለው፡ ካብ ናይ ጥፍኣቶም ስምዒት ንምንጋፍ ወይ’ውን ፊልሚታት ሮቢን ሁድ ንምምሳል’ዩ” ኢሉ።

ኣፈ ታሪኻት ሮቢን ሁድ፡ ኣብ ኖቲንግሃም ወራሲ ዘውዲ ንጉስ ሪቻርድ ልኡል ጆን ኣብ ልዕሊ ድኻታት ዝፈጸሙዎ ግፍዒ ንምክሕሓስ ካብ ሃፋትም እናሰረቐ ንድኻታት ዘከፋፍል ሰናይ ሽፍታ ዘዘንትው’ዮም።

“እዘም ሰርሰርቲ ዕላምኦም እንታይ እዩ ዝብል ብዘየገድስ ግን ዘይተለመደ ተግባር እዮም ዝፍጽሙ ዘለው። ኣነ ከምዚ ዓይነት ክሰምዕ ከለኹ ናይ መጀመርታይ እዩ” ክብል እቲ ተንታኒ ይገልጽ።

ጉጅለ ሰርሰርቲ ዳርክሳይድስ ኣብ ኢንተርነት ብዝፍጽሞ ስርቂ ሰነዳት ኢንተርነት ጥራሕ ኣይኮነን ዝፍለጥ።

እቲ ሰናይ ተግባር ንምፍጻም ዝተጠቐምሉ ትካል ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ‘ጊቪንግ ብሎክ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ትካል እዩ።

እቲ ትካል ንዘሴቭ ችልድረን፣ ሬይንፎረስት ፋውንዴሽን፣ ሺኢዝ ዘ ፈረስትን ካልኦት 67 ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ብክሪፕቶካረንሲ ዝግበር ሓገዝ ተቐቢሉ ዘቐብል ብሕታዊ መተሓላለፊ ገንዘብ ኢንተርነት እዩ።

እዚ ንትርፊ ዝተጣየሰ ትካል ኣይኮነን።

እዚ ብ2018 ዝቖመ ትካል፡ ሚሊየነራት ክሪፕቶካረንሲ ገንዘቦም ብቐጥታ ንገበርቲ ሰናይ ክህቡ ዘተባብዕ እዩ።

ብዛዕባ እቲ እዞም ሰርሰርቲ ዝሃቡዎ ገንዘብ ከም ዘይፈልጥ ግን ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ። ይኹን’ምበር፡ ካብዞም ሰረቕቲ ዝተለገሰ ገንዘብ ምዃኑ ክፈልጥ ከሎ እንታይ ከም ዝገብር ተሓቲቱ ይመልሰሎም ኢሉ።

እቲ ትካል “እቲ ሓገዝ ብክሪፕቶካረንሲ ኢና ንቕበል፤ ስለዚ መንነቶም እቶም ለገስቲ ንምፍላጥ ቀሊል’ዩ” ኢሉ።

እንተኾነ እቲ ፈተነ ንምርግጋጽ ቢቢሲ ብተመሳሳሊ ዝተወሰነ ገንዘብ ክልእኽ ፈቲኑ መንነት እቲ ዝልግስ ሰብ ክቕመጥ ዘገድድ መሕትት የብሉን።

67 ትካላት ብክሪፕቶካረንሲ ዝግበረለን ሓገዝ ካብ ጊቪንግ ብሎክ ይቕበሉ
መግለጺ ስእሊ, 67 ትካላት ብክሪፕቶካረንሲ ዝግበረለን ሓገዝ ካብ ጊቪንግ ብሎክ ይቕበሉ