ኣካውንትታት ትዊተርን ኢንስታግራምን ፌስቡክ ተሰርሲሮም

ናይ ፌስቡክ ሎጎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣካውንት ማሕበራዊ ሚድያ ፌስቡክ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ቁጽጽር ሰርሰርቲ ኣትዩ ከምዝነበረ ተገሊጹ።

እቲ ኣወርማይን (OurMine) ዝተብሃለ ጉጅለ ሰርሰርቲ፡ ኣብ ትዊተርን ኢንስታግራምን ኣብ ዝርከብ ኣካውንትታት ፌስቡክን መሰንጀርን ሰርሲሩ ብምእታው "ዋላ ፌስቡክ 'ውን ይስርሰር እዩ" ዝብል ጽሑፍ ለጢፉ ነይሩ።

እቶም ተሰርሲሮም ዝነበሩ ኣካውንትታት ኣብዚ ሰዓት ተመሊሶም እዮም ዘለዉ።

እቲ ጉጅለ ሰርሰርቲ፡ ኣብዚ ወርሒ ናይ ብዙሓት ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ኣመሪካ ኣካውንት ዝሰርሰረ ኮይኑ፡ ነቲ ናይ ሕዚ ተግባር ጉዳይ ሳይበር ተኣፋፊ ምዃኑ ንምርኣይ ዝገበሮ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ናይ ፌስቡክ ትዊተር ኣካውንት " ሰላም፡ ኣወርማይን ኢና፤ ዋላ ንፌስቡክ 'ውን ምስርሳር ይከኣል እዩ። እንተነኣሰ ግን ድሕነቶም ካብ ትዊተር ዝሓሸ እዩ" ብምባል ጽሒፉ።

ብተወሳኺ ኣብ ኢንስታግራም ዝርከብ ኣካውንትታት ፌስቡክን መሰንጀርን ብምስርሳር፡ ናይቲ ጉጅለ መለለዪ ምልክት (ሎጎ) ለጢፉ እዩ።

ናይ ፌስቡክ ናይ ባዕሉ ድህረ ገጽ ግን ኣይተሰርሰረን።

ትዊተር፡ እቲ ምስርሳር ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ዘረጋገጸ ኮይኑ፡ ቀልጢፉ ነቶም ኣካውንትታት ከምዝዓጸዎምን ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ፌስቡክ ሓቢሩ ይሰርሕ ከምዘሎን ገሊጹ።

እቲ ሰርሳራይ ጉጅለ ክሆሮስ ዝተብሃለ መተግበሪ ተጠቒሙ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ 'ውን ትዊተር ገሊጹ ኣሎ።

መሰረቱ ኣብ ዱባይ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ሰራሳራይ ጉጅለ ኣወርማይን፡ ናይ ዓበይቲ ትከላትን ፍሉጣት ሰባትን ኣካውንትታት ሰርሲሩ እዩ።

ቅድሚ ሕዚ ኣካውንትታት ወናኒ ትዊተር ጃክ ዶርሰይን፡ ዳይረክትር ጉግል ሱንዳር ፒቻይን ግዳይ ምስርሳር እቲ ጉጅለ ኮይኖም ዝነበሩ እንትኾን ከም ነትፍሊክስን ኢኤስፒኤንን ዝበሉ ዓበይቲ ትካላት ድማ በቲ ጉጅለ ተሰርሲሮም ነይሮም።

እቲ ጉጅለ ናይ ድሕነት ጉድለታት ንምርኣይ ኢሉ ነቶም መጥቃዕቲታት ከምዝፍጽምን፡ እቶም ግዳያቱ ድማ ናቱ ናይ ድሕነት ግልጋሎታት ክጥቀሙ ክምዕድ ጸኒሑ እዩ።

ፎቶ ተሰርሲሩዝነበረ ኣካውንት ፌስቡክ