ሩሲያ፡ ስለምንታይ ካብ ዓለማዊ ምትእስሳር ኢንተርነት 'ክትርሕቕ' ደልያ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሩሲያ ዓርሳ ካብ መጥቃዕቲ ሳይበር ንምክልኻል፡ ንዝተወሰነ ግዘ ካብ ዓለማዊ ምትእስሳር ኢንተርነት ወጻኢ ክትኸውን ትእምት።
እዚ ማለት ርክብ ኢንተርነት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ጥራሕ ዝተሓጸረ ክኸውን'ዩ።
እዚ ንምቁጽጻር ኣብ ዝግበር ፈተነ ድማ፡ ኣብ ሞንጎ ኣብታ ሃገር ዘለው ትካላትን ዜጋታትን ሩሲያ ዘሎ ምትሕልላፍ መረዳእታ ኣብ ክንዲ ዓለማዊ ዝኸውን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ጥራሕ ዘተኮረ ዝገብር'ዩ።
ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም፡ ንሩሲያ ካብ ዓለማዊ ኣገልግሎት ኢንተርነት'ኳ እንተርሐቕኣ፡ ዓርሳ ክትኽእል ዝገብራ ኣሰራርሓ ግብራዊ ትገብር ምህላዋ ይግለጽ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሩሲያ ንርእሳ ክኢላ ክትሰርሕ ዝሕግዙ ቴክኒካዊ ለውጢታት ዘገድድ ረቒቕ ሕጊ ናብ ባይቶ እታ ሃገር ቐሪቡ ነይሩ።
እቲ ፈተነ፡ ብልክዕ መዓዝ ከም ዝኸውን ዝተገለጸ ነገር'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ቅድሚ 1 ሚያዚያ ኣብ ዘለው ግዜያት ክኸውን ከም ዝኽእል ግን ይግለጽ።
እቲ 'ሃገራዊ ፕሮግራም ዲጅታል ቁጠባ' ዝተብሃለ ረቒቕ ሕጊ፡ ትካል መቕረቢ ኢንተርነት ሩሲያ፡ ነታ ሃገር ብቐጥታ መርብብ ክንጽሉዋ ንዝደልዩ ሓይልታት ወጻኢ ኣብ ምክትታል፡ ዘለዎ ዓቕሚ ምርግጋጽ ዝብል'ዩ።
ኣብቲ ሕጊ ካብ ዝተቐመጡ ስጉምታት፡ ሩሲያ ዲኤንስ ዝተብሃለ ናይ ባዕላ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ክትሃንጽ ዝብል ይርከቦም። እዚ ድማ ነታ ሃገር ምስ ዓለማዊ 'ሰርቨራት' ዘራኽብዋ መስመራት ከም ዝተቖረፁ ይከታተል።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ 12 ትካላት ነዚ ዲኤንስ ዝተብሃለ ስርዓት ዝቆጻጸርኦ ኮይነን፡ ካብዚአን ዋላ ሓንቲ ግን ኣብ ሩሲያ የላን።
ይኹን'ምበር፡ ሩሲያ ናይ ኢንተርነት ስርዓታ ዋላ'ውን ጠጠው ከብል ዝገብር ስጉምቲ እንተተወሰደ ክቕጽል ዝገብሩ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ቅዳሕ ኣድራሻታት ኢንተርነት ኣለውዋ።
ቃል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን መላፍንቱን ግን፡ ሩሲያ ብመጥቃዕቲ ሳይበርን ካልኦት ናይ መርበብ ኢድ ምትእትታዋትን ማዕቐብ ከንብረላ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ትንታነ፡ ሪፖርተር ቴክኖሎጂ ቢቢሲ ዞ ክሌንማን
ግን ከመይ ኣቢላ መላእ ሃገር ካብ ኢንተርኔት "ወጻኢ" ትኸውን?
ኢንተርነት ከመይ ከም ዝሰርሕ ቁሩብ ምርዳእ ከድሊ'ዩ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሓበሬታታት ዝመሓላለፉሉ ድጂታል ኔትዎርክ ኣሎ። እዞም ኔትዎርክታት ድማ፡ ብሓደ ራውተር (መሰጋገሪ ዳታ) ዝተራኸቡ'ዮም።
ሩሲያ እትደልዮ ዘላ ድማ፡ ብራውተር ኣቢሎም ናብ ውሽጢ ዝኣትው ኮኑ ዝወጽኡ ሓደሽቲ መረዳእታት ምቁጽጻር'ዩ።
ቻይና ከምዚ ዓይነት መገዲ ተጠቒማ ዕውትቲ ከም ዝኾነት ይዝረብ።
ከይተሓሰበ ግን፡ ዓርሰን ካብ ርክብ ወጻኢ ዝገብራ ሃገራት ኣለዋ። ሞሪታንያ ኣብ 2018 ንክልተ መዓልቲ ካብ ኢንተርነት ወጻኢ ኮይና ነይራ'ያ። ናይዚ ምኽንያት ድማ ብትሕቲ ባሕሪ ዝተዘርገሐ ኢንተርኔት ዘህልፍ ገመድ ስለዝተበተኸ እዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







