ፔጋሰስ ስፓይዌር፡ ከይተፈለጠና ኩላትና ሰለልቲ ንኸውን ኣለና ዲና?

ስማርት ስልኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ ሰሙን ፔጋሰስ ዝተባህለ ናይ ስለላ ሶፍትዌር ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት፣ ተሓለቕቲ መሰላትን ፖለቲካዊ መራሕትን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ምስ ተባህለ፡ ስለላ ዓብዪ ዕዳጋ ይኸውን ከይህሉ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

እዚ ሶፍትዌር ዝመሃዘ ኩባኒያ ኤንኤስኦ ግሩፕ [NSO Group] ይብሃል።

እዚ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኩባኒያ ንምልካውያን መንግስትታት ዝሸጦ ናይ መሰለዪ ሶፍትዌር (ስፓይዌር) ኣብ ዙርያ ዓለም ኣብ ቁጽሪ ቴለፎን ኣስታት 50 ሽሕ ፍሉጣት ሰባት ክትትል ክገብር ምጽንሑ ዝለሓዀ ሓበሬታ ክገልጽ ቀንዩ።

እቲ ኩባኒያ ግን ክሳብ ሕጂ ንዝቐርብሉ ዘለው ክስታት ይነጽጎም ኣሎ።

ቅድም ኢሉ ዝተራቐቐ ቴክኒካት ስለያ ተጠቂመን ክትትል ዝገብራ ሃገራት ውሑዳት'የን ነይረን።

ሕጂ ግን ይሰፍሕ ከም ዘሎን ኣብዚ ናይ ኢንተርነት ዓለም ብዛዕባ ውልቃዊ ሚስጥርናን ድሕነትን ዚያዳ ክንጭነቕ ዝገብር ኩነታት ይምዕብል ከም ዘሎ ይስጋእ።

ኣብ ቀረባ ግዜ ድማ ሓደ ኣገልግሎት ድሕነት ብዛዕባ ንጥፈታት ነፍሲ ወከፍና ክፈልጥ እንተደልዩ ዘይተጋነነ ሚዛናዊ ዝኾነ ጻዕሪ ምግባር ጥራሕ'ያ እትኣኽሎ።

እዚ ማለት ብቐሊሉ ዝርርባትናን ናይ ሓበሬታ ምልውዋጣትናን ዝከታተለሉ ምስ ቴሌፎንናት ምጽንጻን፡ ገመድ ክላገብ ዝሕግዞ ፍቓድ ምርካብ ወይ ኣብ ገዛና ሓሰኻ ክኣቱ ምግባር ወይ'ውን ዝከታተለና ጉጅለ ስለያ ምውፋር እያ ተድልዮ።

በዚ ዝርዝር ኣብ ውሽጢ ቴሌፎንና ዘለው ኮነ ኣነባብራና ንምፍላጥ ግን ግዜን ዓቕልን ክሓቶም'ዩ።

ሕጂ፡ እቲ እቶም ሰለልቲ ክፈልጡዎም ዝደልዩ - እንታይ ከም እንዛረብ፣ ናበይ ከም ዝኸድና ወይ ኣበይ ከም ዝነበርና፣ ምስ መን ተራኺብና፣ እንታይ ንፈቱ? ዝብል ከይተረፈ ኣብታ ወትሩ ካብ ኢድና ዘይትፍለ ቴሌፎን'ዩ ዘሎ።

ስልክና፡ ብዘይ ዝኾነ ምትንኻፍን ካብ ፍላጥና ወጻኢ ብዝኾነ መገድን ካብ ርሑቕ ካልእ ሰብ ክፍትሻ ይኽእል።

ኣብዚ ግዜ ብዲጂታላዊ ሓገዝ ተጣቢቦም ምስ ቴሌፎን ካልእ ሰላሊ ክትራኸብ ይገብሩ።

እዚ ብርሑቕ ኮይንካ ናይ ካልእ ሰብ ቴሌፎን ምስርሳር ምኽኣል ውሑዳት ሃገራት ጥራይ ክገብሮ ዝኽእላ ተባሂሉ'ዩ ዝውሰድ ነይሩ።

ይኹን'ምበር እቲ መንግስታትን ትካላት ስለያን ጥራሕፖለቲካውን ወተሃደራውን ሚስጥራት ንምርካብ ዝጥቀምሉ ዝነበረ ሜላ ኣብ ኢድ ብዙሓት ሃገራት፣ ውልቀሰባትን ንኣሽቱ ጉጅለታትን ኣትዩ ይርከብ።

ፐጋሱስ እንታይ እዩ ዝገብር?

ሰራሕተኛ ትካል ስለያ ኣመሪካ ዝነበረ ኤድዋርድ ስኖውደን ብ2013፡ ዓቕሚ ኤጀንሲታት ስለያ ኣመሪካን ብሪጣንያንን ንዓለም ክቃላዕ ምግባሩ ይዝከር።

እዞም ኤጀንሲታት ንፍቓድ ዴሞክራሲ ሃገርን ፍቓድን ተገዛእቲ ምዃኖም ይገልጹ። እንተኾነ እቲ ፍቓድ ድኹም ስለ ዝነበረ ካብ 2013 ንድሓር ክጠናኸር ተገይሩ።

ኤድዋርድ ስኖውደን ንኣሰራርሓ ስለያ እዞም ትካላት ምቅልዑ ግን ካልኦት ሃገራት እንታይ ክገብራ ከም ዝኽእላ ከሰላስላ መገዲ ከፊቱለን።

ብዙሓት ከኣ ተመሳሳሊ ዓቕሚ ከጥርያ ዝሕግዙወን ኩባኒያታት ክሓርያ ጀሚረን፤ መብዛሕትኦም ግን ብሚስጢር ዝተትሓዙ'ዮም።

እስራኤል ብሳይበራዊ ዓቕምን ልዑል ስለያን ወትሩ ኣብ ቅድሚት ትጽራሕ።

ከም ኤንኤስኦ ግሩፕ ዝበሉ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኩባኒያታት ከኣ ኣብ ዓለም ሰለልቲ ብዝነበሩ ጡረተኛታት ዝተመስረቱ ስለ ዝኾኑ ዕቑር ቴክኒካዊ ክእለትን ዓቕምን ዘለዎም እዮም።

ኤንኤስኦ ግሩፕ ናይ ስለላ ስራሕ ዘሳልጡ ሶፍትዌራት ምሻጥ ቀንዲ ስርሑ ከም ዝኾነ ብምግላጽ፡ እዚኦም ኣብ ልዕሊ ከበድቲ ገበናት ዝፍጽሙን ኣሸበርትን ዝውዕሉ ምዃኖም ይገልጽ።

ብስርዓት ምልኪ ዝመርሑ መንግስታት ወይ ሃገራት ጋዜጠኛታት፣ ተሓለቕቲ መሰላትን ተቓወምትን ስግኣት ሃገራዊ ድሕንትን ገበነኛታትን እዮም ብምባል ይኸሱዎም።

ኣብ መብዛሕቲአን እዘን ሃገራት ከኣ ድሩት ወይ ውሑድ ተሓታትነት ስለ ዘሎ ከም ፒጋሰስ ዝበሉ ሶፍትዌራት ተጠቒምካ ብሚስጢር ናብ ናይ ውልቀሰባት ቴሌፎን ምእታው ይዓቢ'ሎ።

ቴሌፎን ምድዋል ኣውራ መገዲ ኮምዩኒኬሽን ኮይኑ እናሃለወ ሓደ ኩባኒያ ቴሌኮም እቲ ዝርርብ ክጠልፎ መምርሒ ክወሃቦ ይኽእል።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ብቴሌፎን እንገብሮም ዝርርባት 'ኢንክሪፕትድ' እዮም ይብሃል፤ እዚ ማለት እንታይ ከም ዝተባህለ ንምፍላጥ ናብቲ ቴሌፎን ባዕሉ ወይ መተግበሪ ክኣትው ዝግደድሉ'ዩ።

ሃገራት ሓሓሊፉ ነዚ ብዝገርም ኩነታት ከፈጽምኦ ይስትውዓል። ንኣብነት ኣብ ቀረባ ኣመሪካን ኣውስትራልያን ብሓባር ኣብ ዘካይድኦ ስርሒት፡ ሓደ ጉጅለ ገበን ኣዝዩ ውሑስ ኢሉ ዝገመቶ ቴሌፎናት ክወሃቦ ገይረን'የን።

እቲ ብከም ፒጋሰስ ዝበሉ ናይ ስለያ ሶፍትዌራት ዝፍጸም ጉዳይ ግን ካብዚ ዝዘለለ'ዩ። እቶም ኣብ ኢንተርነት ነዚ ንምክልኻል ዝውዕሉ ንርእሶም ግዳያት ይኾኑ ኣለው።

ኣብ ሕሉፍ ሰርሰርቲ ናብቲ እትጥቀመሉ ስርዓት ኮምፒዩተር ኣትዮም ብምጭዋይ ዓጊቶም ብምሓዝ ንክኸፍቱልካ ገንዘብ ይሓቱ ነይሮም፤ ሕጂ ግን ከም ሓደ ኣገልግሎት ክሽየጥ ጀሚሩ ኣሎ።

ሓደ ውልቀሰብ ብቐሊሉ ከስቢ ንክማቐሎም ይሰማማዕ፤ ንሳቶም ከኣ ጸገም እንከጋጥሞ ናይ ስልኪ ኣገልግሎት ዝረኽበሉ ዕድል ብምምችቻእ ነቲ መተግበሪ ምስ ሓገዙን መሳርሒኡን ይህቡዎ።

ብካልኦት መገዲታት ድማ ዘለኻሉ ቦታ ምጥላፍን ናይ ሰባት ዕለታዊ ምንቅስቓስን ባህርያቶምን ዝሓዘ ሓበሬታ ምድላውን ኣሎ።

እዚ ቅድሚ ሕጂ ፍሉይ ጻዕርን ሓላፍነትን ዝሓትት ዝነበረ ሕጂ ብናጻ ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ኮይኑ ኣሎ።

Short presentational grey line

ብሚስጥር ውልቀሰባት ዝሰርሕ ዘሎ ሶፍትዌር ፔጋሰስ ዒላማ ዝኾኑ መን'ዮም?

  • ኣባላት ንጉሳዊ ስድራቤት ዓረብ
  • ልዕሊ 600 ፖሊተከኛታትን ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን
  • 64 ፈጸምቲ ስራሕ ዓበይቲ ትካላት ንግዲ
  • 189 ጋዜጠኛታት
  • 85 ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት
  • 50 ሽሕ ዝለሓዀ ቑጽሪ ስልኪ
Short presentational grey line

ኣብዚ እዋን ስለላ ናይ መንግስታት ጥራሕ ኣይኮነን። ኩባኒያታት'ውን እንታይ ንሰርሕ ምህላውና ክፈልጡ ይኽእሉ'ዮም።

እዚ ዝስልለና ሶፍትዌር ብምትካል ዘይኮነ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ እንፈትዎ ነገር ጥራይ ብምርኣይ ናይ ስለላ ቑጠባ ተጠቒሞም ኩነታትና ክፈልጡ ይኽእሉ።

እዚ ኩሉ ኩባኒያታት ክጥቀምሉ ዝኽእሉ ዳታ ይፈጥር፤ እዚ ግን ሰርሰርቲ'ውን ናይ ምስራቕ ተኽእሎ ኣለዎ፤ መንግስታት ከኣ ናብዚ ክኣትው ክደልዩ ይኽእሉ።

ነዚ ዘፈጽሙ ናይ ስለላ ሶፍትዌራት ድማ ኣብ ዕዳጋ ይሽየጡ ኣለው። ብፍላይ ኣባላት ስድርኦም ኣብ ምንታይ ከም ዝውዕሉ ክፈልጡ ዝደልዩን ተጠራጠርቲ ዝኾኑን ሰባት ይጥቀሙሎም።

እዚ ማለት፡ ኩላትና ሰለልቲ ናብ እንኾነሉ ምዕራፍ ንሰጋገር ኣለና፤ ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ንስለል ምህላውና ክንዝንግዕ የብልናን።