ፔጋሰስ፡ ንመንግስታት ዝተሸጠ ናይ መሰለዪ ሶፍትዌር 'ንነጠፍቲ ዒላማ ይገብር ኣሎ'

ቤትጽሕፈት ኤንኤስኦ፡ ቴላቪቭ እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሓደ ትካል ስለያ እስራኤል ንምልካዊ መንግስትታት ዝሸጦ ናይ መሰለዪ ሶፍትዌር (ስፓይዌር) ኣብ ዙርያ ዓለም ንዝርከቡ ተሓለቕቲ መሰላት፡ ጋዜጠኛታትን ጠበቓታትን ዒላማ ይገብር ምህላው ጸብጻባት ገሊጾም።

እቲ ኤንኤስኦ ዝተባህለ ትካል፡ ቁጽሪ ቴለፎን ክሳዕ 50,000 ዝበጽሑ ፍሉጣት ሰባት ክትትል ክገብር ምጽንሑ ዝለሓዀ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

እቲ ዝርዝር ካበይ ከም ዝመጸአ ወይ ኣብቲ ዝተጠለፈ ስልክታት በዓል መን ከም ዘለውን ኣይተገለጸን።

ኤንኤስኦ ግና ዝኾነ ኣበሳ ከም ዘይብሉ ገሊጹ።

እቲ ሶፍትዌር ኣንጻር ገበነኛታትን ግብረሽበራውያንን ዝዓለመ ከም ዝነበረን፤ ንሰራዊት፡ ኣፈጸምቲ ሕግን ትካላት ስለያን ብመዳይ ሰብኣዊ መሰላት ጽቡቕ ስም ኣብ ዘለወን ሃገራት ጥራይ ይጥቀምሉ ምንባሮምን ገሊጹ።

እቲ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ብዘይመንግስታዊ ማሕበር 'ፎርቢድን ስቶርይስ' ከምኡ'ውን ብተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብዝተገብረ መርመራ ዝተረኽበ ውጽኢት "ግጉይ ግምታትን ጭብጢ ዘይብሉ ክልስ ሓሳብን ዝመልኦ" እዩ ኢሉ።

ንመንግስታት ዝተሸጠ መሰለዪ ሶፍትዌር 'ንነጠፍትን ተሓለቕትን ዒላማ ይገብር ኣሎ'

ንምጥቃም እቲ ፔጋሰስ ዝተባህለ ሶፍትዌር ዝምልከት ክሲ፡ ዋሽንግተን ፖስት፡ ዘ ጋርድያን፡ ለ ሞንድን ካልኦት 14 ማእከናት ዜናን ኣብ ናይ ሰንበት ሕታማቶም ኣውጺኦምዎ ኣለው።

ፔጋሰስ ንኣይፎን ከምኡ'ውን ንኣንድሮይድ ዝዓይነተን ቴለፎናት ዘጥቅዕ ኮይኑ፡ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ፡ ስእሊ ኢመይልን ዝከታተል ናይ ቴለፎን ጻውዒት ዝቐድሕን ብሕቡእ ማይክሮፎን ዝኸፍትን መተግበሪ እዩ።

ፐጋሱስ እንታይ እዩ ዝገብር?

ኣብ ገለ ኣብቲ ዝርዝር ተካቲቶም ዘለው ተለፎናት ኣብ ዝተገበረ ፎረንሲካዊ መርመራታት ፍርቆም ናይቲ ስፓይዌር ኣሰራት ተረኺብዎም እዩ።

ከባቢ 180 ዝኾኑ ጋዜጠኛታት ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ፡ ሲኤንኤን፡ ኒውዮርክ ታየምስ፡ ኣልጀዚራ ኣብቲ ዝርዝር ከም ዘለው ማእከናት ዜና ጸብጺቦም።

ቁጽሪ ቴለፎናት ምስቲ ዝተቐትለ ስዑድያዊ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊን ቅርበት ዝነበረን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ'ውን ኣብቲ ዝርዝር ተካቲቱ ኣሎ።

ብዘይካ'ዚ ኣብቲ ዝርዝር መራሕቲ ሃገራት፡ ኣባላት ንጉሳዊ ቤተሰብ ሃገራት ዓረብ ከምኡ'ውን ኣካየድቲ ስራሕ ዓበይቲ ትካላት ምህላዎም ይግለጽ።