ኣብ ዝተፈላለዩ ነገራት እትጥቀሙሉ ምስጢራዊ ቃል [ፓስወርድ] ክሳብ ክንደይ ትተኣማመኑሉ?

123456 ምስጢራዊ ቃል [ፓስወርድ]

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብውልቀሰባት ወይ ብትካላት ዝውነኑ ኤመይላት ከምኡ’ውን ማሕበራዊ መራኸብታት ምስጢራዊ መሕለፊ ቃሎም [ፓስወርድ] ከምዝተሰበረ ማለት ‘ሃክ’ ከምዝተገበረ ዝገልጹ ዜናታት ምስማዕ ዝተለመደ’ዩ።

እዚ ብብዙሕ ምኽንያታት ከጋጥም ከምዝኽእል ሰብሞያ እቲ ዓውዲ ይሕብሩ። ኮምፒተርኩም ወይ ሰነድኩም ካብ ጉሓሉ ክሕሎ ዝሕግዝ ትሕዝቶና እነሆ።

እትጥቀምሉ ናይ ኮምፒተር፣ ኢመይል፣ ማሕበራዊ መራኽብታትን ካልእን ምስጢራዊ መሕለፊ ቃል ጥንኩርን ዘተኣማምንን እንተዘይኮይኑ ንጉሕለት ተቓላዕቲ ከምዝኾንኩም ኣስተውዕሉ። እቶም ጉሓልቲ ነዚ ዕድል እንተረኺቦም ሓበሬታኹም ናብ ኣደባባይ ካብ ምቅላዕ ክሳብ ብገንዘብ ምድርዳር ይበጽሑ።

ብኸመይ ናብ ኮምፒተርኩም ክኣትዉ ይኽእሉ?

ሰብሞያ ከምዝሕብርዎ እቶም ሰርሰርቲ ብሰለስተ ዝተፈላለዩ መገዲታት ንፓስወርድኹም ብምስባር ናብ ኮምፒተርኩም ክኣትዉ ይኽእሉ።

እቲ ብስፍሓት ዝፍለጥ ፊሺንግ ስካም [Phishing scams] ብዝብል ዝፍለጥ ኮይኑ ናይ ሓደ ዝፍለጥ ትካል ዌብሳይት ብምልኣኽ ወይ ሎተሪ ከምዝተዓወትካ ብምግላጽ ኮድ ንኽተእትው ብምሕታት ይፍጸም።

ካልኣይ ስልቲ ድማ ብግምት ብዝገብርዎ ፈተነ እዩ። ብዙሓት ሰባት 123456 ዝብል ኣዝዩ ዝቐለለ ምስጢራዊ መሕለፊ ቃል ከምዝጥቀሙ ይግለጽ። ነዚ ዝገብርሉ ምኽንያት ከኣ ከይርስዕዎ ብምስጋእ’ዩ።

ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 23.3 ሚልዮን ሰባት ኮምፒተሮም ንምኽፋት ዝጥቀሙሉ ፓስወርድ 123456 ዝብል ከምዝኾነ ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ’ሎ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተገበረ ሓደ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ንኮምፒተሮም ዝጥቀምዎ ምስጢራዊ መሕለፊ ቃል ተመሳሳሊ ኮይኑ ተረኺቡ።

ከምዚኦም ዝበሉ ብቐሊሉ ክግመቱ ዝኽእሉ መሕለፊ ቃል ድማ ኮምፒተራት፣ ኢመይል፣ ማሕበራዊ መራኸብን ካልእን ብቐሊሉ ንጓሓሉ ዝተቓልዑ ይገብሩ።

ሰብሞያ ኮምፒተር ከምዝብልዎ ቁጽርታት ብመስርዕ ብምቕማጥ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ናይ ሰባት ስም ምጥቃም እውን ካልእ ኣዝዩ ዝተለመደ ኣጠቓቕማ ፓስወርድ እዩ።

ምልስ ኢልና ነቲ እንጥቀመሉ ፓስወርድ ንዘክር፤ ናይ ደቅና ወይስ ናይ በዓልቲ ቤትና ስም፤ ናይ ኣዴና ወይስ ኣቦና፤ ‘Love’ ወይ ‘I love you’ ዝብል ተጠቒምና’ዶ ንኸውን? እዚ ዓይነት ኣጠቓቕማ ፓስወርድ ንስራሕ እቶም ሰርሰርቲ ዘቕልል’ዩ።

እቲ ካልእ ሰባት ብብዝሒ ዝጥቀሙሉ ምስጢራዊ ቃል ነቲ ‘password’ ዝብል ቃል ክኸውን ከሎ፡ ካልኦት ብዙሓት ድማ 111111 ዝብል ቁጽሪ ይጥቀሙ።

ናይ ፍሉጣት ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ፣ ተጻወትቲ፣ ናይ ብዓልቶም ስም ወይ መዓልቲ ልደቶም ወይ ናይ ኣባላት ስድርኦም መዓልቲ ልደት ከም ምስጢራዊ መሕለፊ ቃል ዝጠቀሙ ሰባት’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን።

እቶም ሰርሰርቲ ወይ ናይ ኮምፒተር ጓሓሉ ነዞም ምስጢራዊ ቃላት ብቐሊሉ ክረኽብዎም እንተዘይኪኢሎም ዓቕሞም ብዝሓሸን ዝማዕበለን መገዲ ወዲቦም ምምላሶም ኣይተርፍን።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰከንድ 8 ቢልዮን ምስጢራዊ መሕለፊ ቃል ከፍርይ ዝኽእል ፕሮግራም ብምጥቃም ናብ ኮምፒተራት ክኣትዉ ይኽእሉ።

በዚ መገዲ ከኣ ሽድሽተ ፊደላት ንዘለዎም ምስጢራዊ ቃላት ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰከንድ፡ ከምኡ ድማ 12 ቃላት ንዘለዎም ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ደቒቓ ሰይሮም ይኣትዉ።

እሞ ደኣ ከመይ ዘተኣማምን ፓስወርድ ምፍጣር ይከኣል?

ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሎን ናብ ኮምፒተርኩም ኮነ ናብ ኢመይልኩም ዝመጽኡ ሓበሬታታት ብጥንቃቐ ክትከታተልዎምን ክትምርምርዎምን ይግባእ።

እቶም ሰርሰርቲ ናብ ኮምፒተርኩም ክኣትዉ እንተኺኢሎም፡ ካልእ ሰብ ክረኽቦ ዘይትደልይዎ መረዳእታ ብቐሊሉ ምስረኸብዎ ጉድኣት ከብጽሑልኩም ከምዝኽእሉ ኣስተውዕሉ።

እዚ ጥራሕ ዘይኮን ናብ ናትኩም ኣካውንት ብምእታው ናብ ካልኦት ሰባት መልእኽቲ ክልእኹን ዝምድናታትኩም ከበላሽዉን ይኽእሉ’ዮም። ስለዝኾነ ዘይርሳዕ ግን ኣዝዩ ዘተኣማምን (ጥንኩር) ምስጢራዊ መሕለፊ ቃል ምጥቃም ኣገዳሲ ይኸውን።

· ብቐሊሉ ዝግመት ነገር ኣይትጠቐሙ - ናይ እትፈትውዋ ወይ እትድግፍዋ ጋንታ ስም ምጥቃም ዝምከር ኣይኮነን። ይተርፍ ናይታ እትድግፍዋ ናይታ ዘይትፈትውዋ ጋንታ’ውን እንተኾነ ክትጥቀሙ የብልኩምን። ካብ ስም ርሕቕ ዝበለን ንምግማት ዘጸግምን ቁሩብ ዝተሓላለኸ እንተዝኸውን ይምረጽ።

· ቃል ዘይኮነስ ሓረግ ምረጹ - ምስጢራዊ ናይ መሕለፊ ቃላት ቁሩብ ንውሕ ዝበሉ እንተኾይኖም ንምግማት ኣጸገምቲ’ዮም። ስለዝኾነ ቃላት ዘይኮነስ ሓረጋት ምጥቃም ይምረጽ።

· ነኣሽቱን ዓበይትን ፊደላት ሓዋዊስካ ምጥቃም [lower and upper cases] – ምስጢራዊ መሕለፊ ቃል ኣብ እተዳልዉሉ እዋን ንኹሎም ብነኣሽቱ ወይ ብዓበይቲ ፊደላት ጥራይ ተጠቒምኩም እንተኾይንኩም ንስራሕ እቶም ጉሕለት ዝፍጽሙ ሰርሰርቲ ኣቕሊልኩምሎም ማለት’ዩ። ስለዚ ካብ ክልቲኦም ሓዋዊስካ ምጥቃም የድልይ።

· ቁጽርታትን ምልክታትን ወስኹሉ - እትጥቀሙሉ ምስጢራዊ መሕለፊ ቃል ኣዝዩ ጽኑዕ ክኸውን እንተደሊኹም፡ ቁጽርታት ምስ ምልክታት ሓዋዊስካ ምእታው ተመራጺ ይኸውን።

· ብዛዕባ ምስጢራዊ መሕለፊ ቃል ንዝኾነ ይኹን ሰብ ዘይምዝራብ - ንኣብነት ምስ ካልኦት ሰባት ሓበራዊ ኮምፒተር ትጥቀሙ እንተኾይንኩም ጥንቃቐ ምግባር፤ ኮምፒተር ከይዓጸውካ ዘይምኻድ፤ ንመሓዛ ወይ መሳርሕቲ ፓስወርድ ዘይምሃብ።