ድሕሪ 51 ዓመታት ዝተፈትሐ ምስጢራዊ ግድል ቀታሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፈተሽቲ ሕቡእ ግድል ምስጢር፡ ድሕሪ 51 ዓመታት፡ 340 ምስጢራዊ ኣሃዛት ዘለዎ ግድለ ከምዝፈትሕዎ ኤፍ-ቢ-ኣይ ኣረጋጊጹ።
ኣብ መጠረሽታ 60ታት ሓደ ተታሒዙ ዘይፈልጥ ቀታል ሰብ፡ ኣብ በይ ኤረያ - ሳን ፍራንሲስኮ፡ ብበሊሕ ነገር ብምውጋእን ብተዅስን ንሓሙሽተ ሰባት ቐቲሉ።
እቲ መልእኽቲ፡ ኣብ እዋን እቲ ቕትለት ናብ ጋዜጣታት ካብ ዝተላእኩ ብዙሓት መልእኽታት ሓደ እዩ ነይሩ።
እቲ ምስጢር ከኣ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ በልጁምን፡ ኣውስትራልያን ብሰለስተ ሰባት እዩ ተፈቲሑ።
እቲ "ክትሕዙኒ እትገብሩዎ ሓርኮትኮት የሐጉሰኩም ክህሉ ተስፋ እገብር። ብመርዛም ጋዝ እንተቐተልኩምኒ እውን ኣይፈርሕን እየ። ምኽንያቱ ብዝቐልጠፈ ናብ መንግስተ ሰማይ እዩ ክወስደኒ። ኣብ ርእሲኡ ብዙሓት ንዝጀመርኩዎ ዕዮ ዘሳልጡ ባራዩ ኣለዉኒ" ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ዝተረኽበ ጽሑፍ ንመንነት ቀታሊ ክሕብር ኣይከኣለን።
ኣብ ዩቱዩብ ኣብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ናይ ቨርጂንያ ናይ መርበብ ቅዲ ኣውጻኣይ ደይቪድ ኦረንቻክ ከም ዝሓበሮ ነቲ ናይ ምስጢራውነት ሓበሬታ ምስ ኣውስትራልያዊ ምሁር ስነ-ሕሳብ ሳም ብለይክን፡ በልጁማዊ ጃር ቫን ኣይኪ ናይ መኽዘን ኣካያድን ናይ ምስጢራውነት ናይ ምስባር ሶፍትዌር ኢንጂነር ኮይኑ ከም ዝፈለጦ ሓቢሩ።
ደቪድ ኦረንቻክ ነቲ ምስጢር፡ "ናይ ኣቓልቦ ዝደሊ ትርጉም ዘይብሉ መናዝል" ኢሉ ከምዝገለጾን፡ እቲ መልእኽቲ ድማ ብዓበይቲ ፊደላት ናይ ላቲን ዝተጻሕፈን ምልክታት ዘለዎ ጽሑፍን የጠቓልል።
እቶም ነዚ ኮድ ዝሰብሩ ጉጅለ፡ ምእንቲ እቶም ግዳያት ቤተሰብን ኣዝማዶምን፡ ሰብኣዊ ብልሓትን ሶፍትዌርን ተጠቒሞም ነቲ መልእኽቲ ክፈትሑ ተወፍዮም ይሰርሑ ነይሮም።
ኤፍ-ቢ-ኣይ ከኣ ነዚ ናይ ኮድ ምስባር ድሕሪ ምርግጋጾም፡ ነቶም ቀተልቲ ናብ ፍትሒ ንምምጻእ ይጽዕሩ ከም ዘለዉ ሓቢሮም።
ብመሰረት ሳን ፍራንሲስኮ ክሮኒክል፡ እዚ እቲ ቀታሊ ዝጥቀሙሉ ናይ መጀመርያ ምስጢራዊ መልእኽቲ ከም ዘይኮነ ይገልጹ። ክልተ ካልኦት ክቃልዑ ዘለዎም ምስጢራዊ ሰነዳት ከምዘለውን፡ እቲ ሓደ ናይቲ ቀታሊ ስም ዝሓዘ ክኸውን ይኽእል'ዩ።
እቲ ተኸታታሊ ቅትለት ኣብ ታሕሳስ 1968 በቶም ኣብ መኪናኦም ዝተቐትሉ ሰብኣይን ሰበይትን እዩ ጀሚሩ። ኣብ ሓምለ 1969 ካልኦት ሰብኣይን ሰበይትን ብጥይት ተሃሪሞም፡ እቲ ሰብኣይ ግን ድሒኑ።
ኣብ ዝሰዓበ ዓመት መጻምድቲ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ጥቓ ቀላይ ብበሊሕ ነገር ተወጊኦም ጸኒሖም። እቲ ሰብኣይ ጥራሕ ከኣ ድሒኑ። ጥቅምቲ 1969 እውን ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ሓደ መራሒ መኪና ብጥይት ተሃሪሙ ሞይቱ።
እቲ ኣብ ሕጊ ቀሪቡ ዘይፍፈልጥ ቀታሊ፡ ኣብቲ ኣብ ጋዜጣታት ዝለኣኾ ደብዳቤታት 37 ሰባት ከም ዝቐተለ ክሕብር እንከሎ፡ መርመርቲ ግን ጠቕላላ ናይ ሸውዓተ ግዳያት ከም ዝረኸቡን ሓሙሽተ ካብኣቶም ከኣ ብሰብ ከም ዝተቐትሉን ሓቢሮም።
እቲ ቅትለት፡ ክልተ ፊልምታት ማለት ናይ መናዝል (Zodiac )2007፡ ከምኡ'ውን 1977 ንክሊንት ኢስትዉድ ከም ሓያል መርማሪ ገጸ ባህሪ ናይ ሳን ፍራንሲስኮ ኣብ ምስራሕ ኣተባቢዑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







