ቅልውላው ትግራይ፡ ቀይሕ መስቀል ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ምሩኻት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ምብጽሑ ገሊጹ

ሙሩኻት ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሙሩኻት ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ

ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ምሩኻት ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከም ዝበጽሖም ኣፍሊጡ።

ሓላፊት ኦፕሬሽን ቀይሕ መስቀል ማሪያ ሶሌዳድ ሩዴዳ ጋርሺጣ "ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰባት ምርኣይ ካብ ሓላፍነትና እቲ ሓደ ኮይኑ እቲ ማሕበር ዝተጣየሰሉ ዕላማ'ውን እዩ። እዚ ምንቅስቓስ ኣብ ትግራይ ብምጅማርና ሕጉሳት ኢና" ምባላ እቲ ማሕበር ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ማሕበር ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሙሩኻት ሰራዊት ኢትዮጵያ ክበጽሖም ጀሚረ ካብ ምባል ወጻኢ ግን ብዛዕባ ዘለውሉ ኩነታትን ብዝሖምን ዝገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ ወግዓዊ'ኳ እንተዘይገበረ፡ ብተደጋጋሚ ብምብጻሕ ዝግበረሎም ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ንምርግጋጽ ክትትል ከም ዝገብር ግን ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ መቐለን ካልኦት ከተማታትን ትግራይ ምስ ወጽኡ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ከም ዝተማረኹ ወግዓዊ ገይሩ ነይሩ።

እዞም ብሓይልታት ትግራይ ዝተማረኹ ወተሃደራት ክዳን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተኸዲኖም ብጎደናታት መቐለ ክሓልፉ ዘርኢ ጸብጻብ ኣብ ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ወጺኡ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከኣ ካብቶም ሙሩኻት ሓደ ሽሕ ወተሃደራት ከም ዝተፋነው ኣመራርሓ ህወሓት ንማዕኸን ዜና ሮይተርስ ገሊጾም።

ብምኽንያት ኣብቲ ክልል ዘሎ ምቁራጽ ኣገልግሎት ስልክን ቴሌኮምዩኒኬሽንን ግን እዚ ብሳልሳይ ኣካል ምጽራይ ኣይተኻእለን።

Short presentational grey line

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብ2020፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከቡ 50 ኣብያተ ማእሰርቲ ተዘዋዊሩ ኣስታት 72 ሽሕ እሱራት ከም ዝበጽሐ ብምግላጽ፡ ነዚኦም ዝኸውን መሰረታዊ ቀረባት፣ ማይን ሽቓቕን ክረኽቡ ከም ዝገበረ ጠቒሱ።

ብተወሳኺ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዝተፈላለዩ ቀረባት ክህብ ከም ዝጸንሐን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም ምስ ኣባላት ስድርኦም ዝተፈላለዩ ሰባት ዳግም ንምርኻብ እጃሙ ከም ዘበርከተ ኣብቲ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ቅድም ኢሉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ትግራይ ዋጋ መሰረታዊ ሸቐጣትን መግብን ከም ዝንሃረ ገሊጹ ነይሩ።

እዚ ብ8 ሓምለ 2013 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ዝወጽአ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ዋጋ መግቢ ብዝለዓለ መጠን ከም ዝወሰኸን ኣብ መላእ ትግራይ ባንክታት ስለ ዝተዓጽው ዕድጊት ንምፍጻም ሕጽረት ገንዘብ ከም ዘጋጠመን ጠቐሱ።