ቅልውላው ትግራይ፡ ፍርሒ ሓድሽ ኲናት ዘንቀሎ ብዙሓት ተወለድቲ ትግራይ ይሃድሙ ኣለዉ

ዳርጋ ኣብ ነብሲወከፍ ምሸት መናእሰይ በቲ ብቕልጡፍ ናህሪ ዝወርድ ሩባ እናሓምበሱ ነቲ ብጥቡቕ ዝሕሎ ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ሰለይ ይብሉ።
ነዚ ዝገብሩሉ ምኽንያት ከኣ ካብቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ሃንደበት ክግንፍል ዝኽእል ዓሌታዊ ጎንጺ ብምስጋእ ከምዝኾነ ይዛረቡ።
እቲ ልሙዕ መሬት ዘለዎ ከባቢ ሎሚ’ውን ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሚሊሻታት ኣምሓራን ዝርከብ ኮይኑ፤ ሓይልታት ትግራይ ቀጻሊ ዒላምኦም ከምዝገብርዎ ይግመት።
እዚ ከኣ ኣብቲ ክልል ነጻ ዘውጽእዎም ከባብታት ትግራይ ንምጥንኻርን ብሱዳን ኣቢልካ ኣገደስቲ ቀረባት ዘእትዉሉ መገዲ ንምውሓስን ካብ ዘለዎም ድልየት ይነቅል።
እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ምናልባት ናብ ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያ ክሰግር ብዝኽእለሉ ኩነታት ናብ ተወሳኺ ሰፊሕ ዓሌታዊ ጎንጺ ይሰጋገር ከምዘሰሎ ዘረድእ ሓደገኛ ምልክታት ይረኣዮ ኣሎ።
“ንኽንወጽእ ናይ ክልተ መዓልታት ዕድል ሂቦምና፤ እንተዘይኮይኑ ክንቕተል ምዃንና ነጊሮምና” ይብል ምስ ሰለስተ ናይ ቤት ትምህርቲ መሓዙቱ ሩባ ዝሰገረን ንድሕነት ኣብ ዓዱ ዝገደፎም ስድርኡ ብምስጋእ ስሙ ክጽራሕ ዘይደለየን ወዲ 18 ዓመት ተወላዲ ትግራይ።
ኣብዚ እዋን ነታ ኣብ ዶብ እትርከብ ኣገዳሲት ከተማ ሑመራ ተቖጻጺሮም ዘለዉ ሓይልታት ኣምሓራ፡ ነቶም ዕድሚኦም ናብ ኲናት ንምጽምባር ኣኺሉ'ሎ ዝበልዎም ተጋሩ ዒላማ ከምዝገብሩ ይዛረብ።
ብግዲ ዝተኣከቡን ወለንተኛታትን ዕጡቓት ኣምሓራ ምስ ካብ ኦሮሚያ፣ ሲዳማን ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያን ዝመጽኡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ብምዃን ነቲ ከባቢ ብጥቡቕ ንምሓዝ ይሸባሸቡ ከም ዘለዉ ጸብጻባት የመልክቱ።
“ሚሊሻታት ኣምሓራ ገዛ ንገዛ ይፍትሹ። ትግራዋይ እንተረኺቦም ከኣ ይቐትልዎ ወይ ይኣስርዎ። እዚ ብጣዕሚ የሕዝነና ምኽንያቱ ሃገርና’ዩ። ዓቕሚ ዘለዎ ኩሉ ይሃድም’ዩ ዘሎ” ይብል ካልእ ናብታ ኣብ ዶብ እትርከብ ግዝኣት ሱዳን ዝኾነት ሓምዳይት ዝሰገረ ኣብ 10ታት ዕድመ ዝርከብ ትግራዋይ።
ቢቢሲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ንሑመራ ገዲፎም ናብ ሱዳን ዝሰገሩ ሸሞንተ ሰባት ኣብ ዘዘራረበሉ እዋን ኩሎም ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ ምጽናት ዓሌት ይፍጸም ከምዘሎ የዘንትዉ። ግን ድማ ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ስልኪ ብምቁራጹ ነዚ ካብ ሳልሳይ ኣካል ምጽራይ ኣይከኣልናን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ኣብ ትግራይ ኣዊጀዮ ዝበሎ በይንኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ከቋርጾ ምዃኑ ኣመልኪቱ’ሎ።
ነዚ ከም ምኽንያት ዘቐመጦ፡ ሓይልታት ትግራይ “ትንኮያታት” ኣይገደፉን ዝብል ኮይኑ ኣብዚ እዋን ከኣ ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት እታ ሃገር ወተሃደራት ይኣኻኽብ ኣሎ።
"ዘይተርፍ ኲናት"
እታ ብጭቃ ዝተመልአ መሬት ዘለዋን ወትሩ ብናይ ክረምቲ ማዕበል እትናወጽን ሓምዳይት ቀንዲ መሰጋገሪት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ስደተኛታት ኮይና ትርከብ።
ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ዋሕዚ ስደተኛታት ነኪዩ’ሎ።
ሰባት ክስደቱ ዝጀመሩሉ እዋን ኣብ መዛዘሚ ወርሒ ጥቅምቲ [መእተዊ ሕዳር - ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ] ሓይልታት መንግስቲ ትግራይ ምስ ሰራዊት ፌደራል ናብ ኲናት ኣብ ዝኣተዉሉ ጊዜ ምንባሩ ይዝከር።
ልዕሊ 60 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ዘዕቖቡ ኮይኖም ዘጽለሉሎም ነኣሽቱ ቴንዳታት ብሰንኪ ሓያል ዝናብን ንፋስን ብተደጋጋሚ ይፈርስዎም።
ብምኽንያት ኣብቲ ቦታ ዘሎ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ከኣ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት [ዩ ኤን ኤች ሲ ኣር] ዝበጽሖ ነቐፌታታት ይውስኽ ኣሎ።
ነቲ ከባቢ ዝከታተሉ ምንጪታት ድሕነትን ስለላን ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡ ኣብ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ሑመራን ከባቢኣን ዓሌታዊ ጎንጺ ክጓሃሃር ምኽኣሉ ዓብዪ ኲናት ዘይተርፍ ምዃኑ ዝሕብር ምልክት’ዩ።
እቶም ኣብ ደቡብን ምብራቕን ዘገርም ውጽኢት ዝረኸቡ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ሕዚ’ውን ቅድሚ ዝናብ ክረምቲ ምትእጉጓል ምፍጣሩ ንምሉእ ምዕራብ ትግራይ ክቆጻጸሩ ከም ዝፍትኑ ትጽቢት ይግበር።
ከተማ ሑመራ ንነዊሕ እዋን ብወገን እቶም ንዂናት ትግራይ ስዒቡ ዝተቖጻጸርዋ ኣምሓራ ሕቶ ይግባኣኒ ክቐርበላ ጸኒሑ’ዩ።
ኣብቲ ከባቢ ዝውላዕ ዓሌታዊ ጎንጺ ናብ ካልኦት ከባቢ ኢትዮጵያ ከይሰፍሕ ዝስጋእ ኮይኑ ኣብ ሱዳንን ኤርትራን ከኣ ዘይምርግጋእ ክፈጥር ከም ዝኽእል ይግመት።
“እቲ ኲናት ከምዝካየድ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ህዝብታት ኣምሓራን ትግራይን ከም ሓውን ሓፍትን’ዮም ነይሮም። ምፍሳስ ደም ይቕጽል እምበር መሬትና ግን ኣሕሊፍና ኣይንህብን” ትብል ኣብ ሓምዳይት ዘዕቖበትን ስማ ክግለጽ ዘይደለየትን ኣደ ክልተ ቆልዑ ትግራወይቲ ሰራሕተኛ ባንኪ።
“ኲናት ዘይተርፍ’ዩ። [ብኣምሓሩ ዝካየድ] ሓድሽ ወፍሪ ጅምላዊ ማእሰርቲ ተጀሚሩ’ሎ። እዚ ምጽናት ዓሌት’ዩ። ተጋሩ ብሓይሊ ካብ ምዕራብ ትግራይ ምስጓግ ተጠናኺሩ ይርከብ” ይብል ቅድሚ ኣዋርሕ ናብ ሱዳን ዝተሰደተ በዓልሞያ ሕክምና መጥባሕቲ ቴድሮስ ተፈራ። ኣብዚ እዋን ከኣ ንስደተኛታትን ነበርቲ ሓምዳይትን ብሞይኡ ኣብ ምሕጋዝ ይርከብ።
ልክዕ ከምቲ ካልኦት ብዙሓት ተጋሩ ዝብልዎ ቴድሮስ [ዶ/ር] እውን ድሕሪ ሕዚ ምስ ኢትዮጵያ ምቕጻል ከምዘየድልይን ምሉእ ናጽነት ትግራይ ከምዝብህግን ይገልጽ።
“ሎሚ ኢትዮጵያዊ ከም ዝኾንኩ ኣይሓስብን። ንኣሓተይ ምስ ዝደፈሩ፣ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ምስ ዝቐተሉ ህዝብታት ሓደ ክኸውን ኣይደልይን። ስለዚ ሓደ ዓይነት ፓስፖርት ክህልወና ኣይክእልን” ክብል ተዛሪቡ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







