ቅልውላው ትግራይ፡ "ኣብ ገለ ከባብታት ኢትዮጵያ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ይእሰሩን ይጋፍዑን ኣለዉ"

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ‘ሓራ ዘይወጽኡ’ ዝበሎም ግዝኣታት ትግራይን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ተጋሩን 'ግፍዒ ይፍጸም ኣሎ' ክብል ከሲሱ።
ኣብ ወርሒ ሰነ ከተማ መቐለ ምቁጽጻሩ ስዒቡ ናብ ቦትኡ ከም ዝተመለሰ ዝኣወጀ ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ‘‘ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበጽሕ ዘሎ ስቓይ፣ ምንግልታዕ፣ ማእሰርትን ሞትን ደው ክብል ኩሉም ሰብ ብጽሒት ሓላፍነቶም ይዋጽኡ’’ ክብል ጸዊዑ፡፡
ኣብዚ እዋን ኣብዝሓ ክፋል ምዕራብ ትግራይን ገለ ክፋል ደቡብ ትግራይን ኣብ ቁጽጽር ‘‘ጸላእትና’’ ክብል ዝገልጾም ሓይልታት ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ ‘‘ኣብ ክልቲኦም ዞባታት ኣብ ዝነብር ህዝቢ ታሪኽ ይቕረ ዘይብሎ ዘስካሕክሕ ግፍዕን በደልን ይበጽሖ ኣሎ’’ ኢሉ።
እቲ መግለጺ ወሲኹ'ውን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝነብሩ ተጋሩ ‘‘ጽዒሮም ግዒሮም ዘጥረይዎ ሃብቲ ብቐትሪ ይዝረፉ ኣለዉ’’ ክብል ከሲሱ።
ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ነጋዶ፣ ሰብሃብቲ፣ ምሁራት፣ ተመሃሮን ኣብ ትካላት ውልቀ ኾነ ኣብ መንግስታዊ ትካላት ዝሰርሑ ከምኡ'ውን ስሩዕ ብዘይኮነ መንገዲ ናብረኦም ዝመርሑ ተወለድቲ ትግራይ ግዳያት ከምዝኾኑ እቲ መግለጺ የመልክት።
ቢቢሲ ካብዞም ኣባላት ስድርኦምን መሓዙቶምን ብዘይፍርዲ ከም ዝተኣሰሩዎምን ኣካላዊ መጥቃዕቲ ከም ዝበጽሖምን ዝገልጹ መሰኻኽር ዓይኒን ስድራ ኣዘራሪቡ ምጽብጻቡ ዝዝከር እዩ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ግን፡ 'ዋላ ሓደ ብምኽንያት መንነቱ ግዳይ ዝኾነ ሰብ የለን፤ እቲ ዝብሃል ዘሎ'ውን ክኸውን ኣይኽእልን' ብምባል ነቶም ዝቐርቡ ዘለው ጥርዓናት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነጺጉዎም።
ንዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ ‘‘ሕጊ ናይ ምኽባር’’ ኢሉ ብዝሰየሞ ወፍሪ ምስ ሓይልታት ትግራይ ክዋጋእ ዝጸንሐ መንግስቲ ፌደራል ንጥፈታት ሕርሻ ክራማት ከይተኣጓጎልን ስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይተዓናቐፍን ብዝብል፡ ሰራዊቱ ከምዝሰሓበ ብምግላጽ በይናዊ ደው ምባል ተኹሲ ምእዋጁ ዝዝከር እዩ፡፡
ኣብቲ ክልል ሓያል ኲናት ክካየድ ምስ ቀነየ፡ ንኣብዝሓ ክፋል ትግራይ ተቖጻጺሩ ዘሎ ሓይሊ ትግራይ ግና፡ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብ ግዝኣት ትግራይ ክወጹን ዝተቛረጹ ኣገልግሎታት መሰረተ ልምዓት ክምለሱን ዝብሉ ዝርከቦም ቅድመ ኩነታት ኣቕሪቡ።
ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ኣብ ደቡባዊ ክፋል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ኣምሓራ ዝነበራ ከተማታት ኮረምን ኣላማጣን ከም ዝተቖጻጸሩ ዝገለጹ ኮይኖም፡ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ድማ ወራር ከም ዝተኸፈቶ ብምሕባር ናብ ኲናት ከምዝኣተወ ገሊጹ ኣሎ።
እቲ ክልል፡ ነተን ናተይ ዝብለን ከባባታት፡ ነቲ ኣብ ሕዳር ዝተወለዐ ኲናት ተጠቒሙ ኣብ ቁጽጽሩ ኣውዒሉወን ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ሰብአዊ ሓገዝ ክባጻሕን ሓረስታይ ስራሕቲ ማሕረስ ከሳልጥን ብምሕሳብ ተኹሲ ደው ምባል እኳ እንተኣወጀ፡ ሓይልታት ትግራይ ኲናት ደው ስለ ዘየበሉ" ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ክወስድ እየ' ይብል።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብቲ ትማሊ ዘውጸኦ መግለጺ "ቅድሚ ሕዚ ህዝብን ሃገርን ዘገልገሉ ብዓሰርተታት ኣሻሐት ዝቑጸሩ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳጎኒ ማእከላት ኣሲሩ የሳቕዮም ኣሎ’’ ክብል ንመንግስቲ ፌደራል ከሲሱ።
ገሊኦም ኣብ ዝኣተውዎ ከምዘይፍለጥ ድማ ሓቢሩ።
መንግስቲ ፌዴራል፡ ኣባላትን ደገፍትን ነቲ 'ኣሸባሪ' ኢሉ ዝሰየሞ ውድብ ህወሓት ጥራይ ከምዝኣሰረ እዩ ዝገልጽ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ተወለድቲ ትግራይን ጋዜጠኛታትን ብጥርጣረ ከም ዝተኣሰሩን ኩነታቶም ይከታተሎ ከም ዘሎን ገሊጹ እዩ።
ኣሶሼትድ ፕሬስ ድማ ኣብ'ዚ ሰሙን ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ተወለድቲ ትግራይ ከም ዝተኣስሩን ትካላት ንግዶም ከም ዝተዓጽዉን ጸብጺቡ ኣሎ።
ኣብ መላእ እታ ሃገር ድማ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ መንነት መሰረት ዝገበረ ግፍዒ ይፍጸም ከም ዘሎ ንመሰኻኽር ዓይኒ ረቚሑ ሓቢሩ።
ብፍላይ ህወሓት ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ ምስ ተመዝገበ፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ክልሎም ዝካየድ ዘሎ ዘስካሕኽሕ ኲናት ከይዛረቡን ንስድረኦም ሓገዝ ከይልእኹን ጸቕጢ ከም ዝፈጠረሎም ወሲኹ ጸብጺቡ።

እቲ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ከም ዝተሰጋገረ ዝግለጽ ዘሎ ጎንጺ፡ ኣብታ በቲ ንዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ ብዝተኻየደ ኲናት ዝተሃሰየት ትግራይ ተወሳኺ ቅልውላው ከይፈጥር ተሰጊኡ ኣሎ።
ህወሓት ኣብ'ዚ መግለጺኡ፤ ናብ'ቲ ክልል ረድኤት ከይኣቱ ብሰማይን ብምድርን መገዲ ተዓጽዩ፡ ህዝቢ እቲ ክልል ኣደዳ ስቓይን ጥሜትን ኮይኑ ከም ዘሎ ይገልጽ።
ብተወሳኪ መብራህቲ፣ ኢንተርኔት ስልክን ባንክን ዝኣመሰሉ ኣገልግሎት ምዕጻው ኣካል ትልሚ፡ 'ጅምላዊ ምጽናት ዓሌት እዩ' ኢሉ ከሲሱ።
ገበነኛታት፡ ኣብ ቅድደሚ ዓለምለኻዊ ሕጊ ቀሪቦም ብገበን ኲናት ክሕተቱ ድማ ጸዊዑ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ዲና ሙፍቲ፡ ህወሓት ተኹሲ ጠጠው እንተዘይኣቢሉ እቶም ትካላት መሰረታዊ ግልጋሎታት ክሰርሑ ኣእግደዱን ኢሉ።
መንግስቲ ፌዴራል፡ ረድኤት ኮነ ኢሉ ዓጽዩ ዝብል ክሲ ድማ ኣይቅበሎን።
ሕብረት ኣውሮጳ፡ እቲ መንግስቲ ፌዴራል ዝኣወጆ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ዘይኮነስ 'ምኽባብ እዩ፤ ጥሜት ድማ ከም መሳርሒ ኲናት ይጥቀመሉ ኣሎ" ንዝብል ክሲ ድማ መንግስቲ ነጺግዎ። '
ነዚ ክሲ ምላሽ እንትህብ፡ ኣብ ብራስልስ ዝርከብ ኢምባሲ ኢትዮጵያ ፡ "እዚ ምኽባብ እዩ' ምባሉ ዘሕዝን እዩ" ኢሉ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብዚ ቕነ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚሊየን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ ኣብ ዘድልዮ ክልል፡ ሰሙናዊ 10 ሽሕ ሜትሪክ ቶን መግብን 150 ሽሕ ሊትሮ ነዳድን ክበጽሕ ኣለዎ ኢሉ ነይሩ።
እንተኾነ እቶም ናብ ትግራይ ዝወስዱ ክልተ ኣውራ መገዲታት ዝተዓጸው ኮይኖም፡ ክልተ ድልድላት ድማ ካብ ጥቕሚ ወጻእ ከም ዝኾኑ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጸ ጸብጻብ ወኪል ዜና ሮይተርስ የመልክት።
ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት መብራህትን ቴለኮምዩኒኬሽንን ከምኡ'ውን ባንኪ ተቛሪጹ ይርከብ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







