ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ጥንታዊ ገዳም ዋልድባ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ ?

ካብ ዋልድባ ተባሪሮም ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ደብረብርሃን ቤተ ክርስትያን ስላሴ ዝተዐዓቀቡ መነኮሳት

ምንጪ ስእሊ, BG

መግለጺ ስእሊ, ካብ ዋልድባ ተባሪሮም ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ደብረብርሃን ቤተ ክርስትያን ስላሴ ዝተዐዓቀቡ መነኮሳት

ድሕሪ እቲ ብ4 ሕዳር 2020 ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዓለም ዝመነኑ መኖኮሳት ተወለድቲ ትግራይ፡ ካብ ዝሰፈርሉ ጥንታዊ ገዳም ዋልድባ ተጋፊዖምን ተደፊኦምን ምስ ወጽኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተዓቚቦም ከምዘለው ይሕበር።

ገዳም ዋልድባ፡ ምስ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝዋሰን ከባቢታት ደቡባዊ ምዕራብ ትግራይ ዝርከብ ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ጥንታውያን ገዳማት ኢትዮጵያ እዩ።

ኣብቲ ገዳም እንታይ'ዩ ተፈጢሩ?

ኣብ ገዳም ዋልድባ ዝነብሩ ዝነበሩ ኣባ ገብረህይወት ገብረትንሳኤ "ብ 5 መጋቢት [2013 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ] ቤተክርስትያን እቲ ገዳም ንሰሙን ምስዓጸውዎ ተዓጊስና ንዝምልከቶ መንግስታዊ ምምሕዳር ሓቢርና" ይብሉ።

ኣባ ገብረሂወት ወሲኾም ድማ፡ "ፈለማ ቁሩብ ተዓገሱ" ዝብል ምላሽ ከምዝተዋህቦም ፤ ዳሕራይ እቲ ኩነታት እናኸፍአ ምስ ከደ ተመሊሶም ሓገዝ ምስሓተቱ ግን ምምሕዳር እቲ ወረዳ 'እቲ ገዳም ኣብ መሬት ኣምሓራ ስለዝርከብ ተከዘ ሰጊርኩም ንዓድኹም እተዉ' ከምዝበሎም ይዛረቡ።

"ብ 11 መጋቢት ሓደ ፈላሲ ማይ ክቐድሕ ምስ ወረደ ኢዱ ሰይሮም ሰዲዶምዎ። ንኻልእ ድማ ወቒዖም ገዲፎምዎም ከይዶም። ንጽባሒቱ 12 መጋቢት ሰንበት ከኣ ኣብትርቲ፡ ጎዞሞ፡ ፋስን ክላሽንን ሒዞም መጺኦም፡ ኣቑሑትና ወሲዶም 'ኪዱ ውጽኡ' ኢሎምና" ይብሉ ኣባ ገብረህይወት።

ኵናት ትግራይ ድሕሪ ምውልዑ ክልቲኦም ሓይልታት ሰራዊት ምክልኻል ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ማይ ካድራን ኣብ ካልእ ከባብታት ትግራይን ዝተፈጸመ ሰብኣዊ ግህሰትን ዓመጽን ነንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም ኣለው።

ኩሉ እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከኣ ብነጻን ዘይሻራውን ሳልሳይ ኣካል ስለዘይተረጋገጸ ኣብዚ ቦታ እዚ ብልክዕ ከምዚ ተፈጺሙ ንምባል ኣሸጋሪ እዩ።

ካብ ዋልድባ ተባሪሮም ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ደብረብርሃን ቤተ ክርስትያን ስላሴ ዝተዐዓቀቡ መነኮሳት

ምንጪ ስእሊ, BG

መግለጺ ስእሊ, ካብ ዋልድባ ተባሪሮም ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ደብረብርሃን ቤተ ክርስትያን ስላሴ ዝተዐዓቀቡ መነኮሳት

ግን ከኣ እቲ ኵናት ዓሌታዊ መልክዕ ከምዝሓዘ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን በቲ ጉዳይ ዝተሻቐሉ ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራትን ክዛረቡን ጸብጻባት ከውጽኡን ጸኒሖም ኣለው።

እዞም "ብተወለድቲ ኣምሓራ መነኮሳት ካብ ገዳምና ተፈናቒልና ተገፊዕና መጺእና" ዝብሉ ኣበዋት እውን ብልክዕ እንታይ ከምዘጋጠሞም ካብ'ቲ ሓደ ሸነኽ ምላሽ ምርካብ ኣይተኽኣለን።

ግን ከኣ መጥቃዕትን መጕዳእትን በጺሑዎም ናብ ትግራይ ከምዝመጽኡ ዝተቐበሉዎም ኣካላት ንቢቢሲ የረድኡ።

እቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ክልተ ማሕበራት ዝተመቐለ ኮይኑ፡ በቲ ሓደ ገጽ ተወለድቲ ኣምሓራ በቲ ካልእ ገጽ ድማ ተወለድቲ ትግራይ ይነብርሉ ነይሮም።

ነቶም መነኮሳት ቅድሚ ምግፍዖም ከኣ ንከፈራርሑዎም ብተደጋጋሚ ጠያይቲ ክትኩሱ ከምዘቐነዩ፡ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ኣጋጠመ ከኣ እቶም ዝኸኣሉ ነብሶም ከድሕኑ ንተከዘ ሰጊሮም ከምዝተበተኑ እቶም ዕድመ ዝደፍኡን ዝተጎድኡን ግን ኣብኡ ከምዝተረፉ እቶም ኣበዋት ይዛረቡ።

"ብደም ተሓጺቦም መጺኦምና"

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ደብረብርሃን ቤተ ክርስትያን ስላሴ ኣባል ሰበኻ ጉባኤ ዲያቆን ስንታየሁ ምትኬ፡ እቶም ካብ ገዳም ዋልድባ ዝተፈናቐሉ መናንያን ብዕለት 14 መጋቢት 2013 ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ከምዝመጽእዎም ይዛረብ።

"ንጉሆ ሰዓት 04፡00 ክሳብ ሰዓት 5 ይኸውን ከባቢ 70 መነኮሳት ንሰለስተ መዓልቲ በረኻታት ኣቆራሪጾም ብእግሪ ተጓዒዞም ካብ ማይ ጸብሪ ብመኪና ተጻዒኖም መጺኦም። እቲ ሃገረ ሰብከት ከኣ ተቐቢሉ ኣብቲ ደብሪ አእትዩዎም" ክብል መብዛሕቲኦም ቅያር ክዳን ዘይነበሮም ጥራሕ እግሮም ምንባሮምን እቲ ኩነታቶም ከምዘንብዖን ይዛረብ።

"ቤት ትምህርቲ ሰንበት ኣዳራሹ ለቒቑ ምንጻፋት ኣንጺፉ ኣእጋሮም ሓጺቡ ተቐቢልዎም። እቶም መነኮሳት ኣብ ጭንቀትን ስቓይን እዮም ነይሮም" ክብል የረድእ እቲ ዲያቆን።

ብድሕሪ እውን ኣስታት 130 ተወሰኽቲ ኣካሎም ዝደኸሙ ኣብ መገዲ ብምሊሻታት ኣምሓራን ፋኖን " ቅድሜኹም ዝኸዱ ኣብ ሚድያ ቀሪቦም ስምና ኣጸሊሞምና። ንሳኻትኩም እውን ከምኡ ክትገብሩ ኢኹም" ኢሎም ዘከላበቱዎም መኖኮሳት ከምዝመጽኡ ይሕብር።

"ናብራ ዓለም ኣይጠዓሞምን"

እቶም ንዓለማዊ ህይወት መኒኖም ካብ ቀጽሪ ገዳሞም ንደገ ወጺኦም ዘይፈልጡ መነኮሳት ዝርከብዎም መናንያን ሎሚ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናትን ንሱ ዘስዓቦ ቅልውላውን ኣብ ከቢድ ሽግር ወዲቖም ኣለው።

ኣባ ገብረህይወትን ዲያቆን ስንታየሁን፡ እቶም መነኮሳት ስጋኦም ንምቕጻዕ ኣብቲ ገዳም ዝለመዱዎ መግቢ 'ቋሪፍ' ስለዘይረኸቡ፡ እንጀራ ምስ በልዑ ንብዙሓት ናይ ጥዕና ጸገም ኣስዒቡሎም ከምዘሎ ይሕብሩ።

"ምስ ጨነቐና ናብ ክሊኒካት ተጓይና። ደሓር ድማ ናብቶም ንተፈናቐልቲ ዝሕግዙ 'ኤም ኤስ ኤፍ' [ዶብ ኣልቦ ሓኻይም] ብምኻድ ተሓባበሩና ምስበልናዮም ሓንቲ ወጻእተኛ ዶክተር መጺኣ ንኹነታቶም ብምርኣይ ተንቀሳቓሲ ክሊኒክ ተኺላትልና" ብምባል ነቲ ኩነታት ይገልጽ።

ዩኒሴፍን ካልኦት ትካላት ረድኤትን ድማ ኣብ ቀረብ ማይ ከምኡ'ውን መጽለሊ ዳስ ኣብ ምምላእ ተሓባቢሮምዎም።

እቶም ካብቲ ገዳም ክስጎጉ ከለዉ ክሳብ ናይ ዓጽሚ መስበርቲ ዘጋጠሞም ስለዝነበሩ ሕክምና ናብ ዝረኽቡሎም ሆስፒታላት ተላኢኾም።

ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ነዚ ትፈልጥ'ዶ?

ነዚ ጉዳይ ኣመልኪትና ካብ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ መብርሂ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ፈተነ ገይርና ነይርና ግና እኹል ምላሽ ኣይረኸብናን።

ድሕሪ ክንደይ ጻዕሪ ብስልኪ ዝረኸብናዮም ኣብ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ዋና ሓላፊ መምርሒ ምምሕዳር መላእ ገዳማት ኢትዮጵያ መጋቤ ብርሃናት ቆሞስ ኣባ ተክለያሬድ ጎርጎሪዮስ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ካብ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ዝተወሃቦም ጸብጻብ ከምዘየለ ሓቢሮም።

"ነቲ ነገር ካብ ዝሰማዕናሉ እዋን ጀሚርና ናብ ናይ ክልትኤን ሃገረስብከት ሊቀጳጳሳት ደዊልና ሓበሬታ ንምርካብ ጻዕሪ ጌርና ኢና። ክሳብ ሕዚ ግን ዝበጽሓና ጸብጻብ የለን። ሕዚ'ውን ግን ነቲ ጉዳይ ንምፍላጥ ክንዘራረበሉ ኢና" ኢሎም ነይሮም።

ድሕሪ ወርሒ ኣቢሉ ምስተደወሎም ከኣ ኣብ ዕረፍቲ ብምጽንሖም ንዘሎ ምዕባለታት ከምዘይተኸታተሉ ሓቢሮም።

ጸሓፊ መምርሒ ምምሕዳር መላእ ገዳማት ኢትዮጵያ መምህር ሱራፌል ተፈራ ብወገኖም "ካብ ላዕለዋይ ኣካል ምምሕዳር ቤተ ክርትያን ክሳብ ሎሚ ዝቐረበልና ጸብጻብ ስለዘየለ ኣብቲ ጉዳይ ዝገበርናዮ ዋላ ሓደ ምንቅስቓስ የለን" ዝብል መልሲ ሂቦም።

ስራሕቲ ምሕደራ ገዳማት ብቐጥታ ስለዝምልከተኩም፡ ስለምንታይ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዘይተኸታተልኩምዎን ዘይፈለጥኩምዎን? ዝብል ሕቶ ቀሪቡሎም ከኣ "ካብቲ ዋና ቤት ጽሕፈት 'ነዚ ጉዳይ ተኸታቲልኩምን ኣጽሪኹምን ከምዚ ግበሩ' ዝብል መምርሒ ምስተወሃበና ጥራሕ ኢና ንሕና ስራሕና ክንሰርሕ ንኽእል" ኢሎም።

ካብ ዋልድባ ተባሪሮም ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ደብረብርሃን ቤተ ክርስትያን ስላሴ ዝተዐዓቀቡ መነኮሳት

ምንጪ ስእሊ, BG

መግለጺ ስእሊ, ካብ ዋልድባ ተባሪሮም ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ደብረብርሃን ቤተ ክርስትያን ስላሴ ዝተዐዓቀቡ መነኮሳት

ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ብቪድዮ ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ''ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስቲያን፣ ገዳም ደብረዳሞ መድፍዕ ተተኲሱ፤ መንበሪ መነኮሳት ፈሪሱን ሓደ ኣቦ ተቐቲሎምን። ቤተ ክርስቲያን ኣክሱም ከይትውረር ዝሕልው ዝነበሩ እውን [ተቐቲሎም]። ንሕና እዚ ኹሉ ከይንዛረብ ተኸልኪልና ኢና" ክብሉ ተዛሪቦም ነይሮም።

ነቲ ኣብ ገዳም ዋልድባ ዘጋጠመ ኩነታት ኣመልኪቶም ድማ "መነኮሳት ዋልድባ ዕድመ ልክዕ ካብ ዝነበርሉ ገዳም ተሰጒጎም ተበቲኖም፤ ሽማግለታትን ሕሙማትን ኣብ መገዲ ተደርቢዮም" ክብሉ ነቲ ፍጻመ ኣረጋጊጾም።

ኣብ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ኣብ ሓደ መምርሒ ዝሰርሕ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሙሁር ቤተክርስትያን፤ እቲ ኣብ ልዕሊ መነኮሳት ዋልድባ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝምልከት ጉዳይ ክሳብ ሕጂ ብሲኖዶስ ትኹረት ከምዘይተዋህቦ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ኣነ ሓደ ካብ ኣባላት ፈጻሚት ስራሕ እየ፤ ክሳብ ሎሚ እቲ ሲኖዶስ ንጉዳይ ዋልድባ ኣልዒሉ ኣይተዘራረበን። እታ ቤተክርስትያን ዘስምዓቶ ድምጺ የለን፤ ኣጀንዳ'ውን ኣይገበረቶን። ከም ጉባኤ ዝተዘራረብናሉ ነገር የለን" ይብል።

ንሱ ከምዝበሎ፡ ካብቶም ዝተፈናቐሉን ናብ ሽረ ዝኣተዉን መነኮሳት ደብዳበ ናብታ ቤተክርስትያን ተላኢኹ'ኳ እንተነበረ ዝተወሃበ ምላሽ ግን የለን።

ሎሚ ከመይ ኣለዉ?

እቶም ናብ ዝተፈላለዩ ካልኦት ገዳማት ትግራይ ብእግሮም ክጓዓዙ ዝመረጹ መናንያን ከመይ ከምዘለው ዛጊት ሓበሬታ የለን።

ኣብ ከተማ ሽረ ዝተዓቝቡ ልዕሊ 200 መነኮሳት ግን ዳርጋ መብዛሕትኦም ብሕማማት ይሳቐዩ ከምዘለዉን ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዝወደቑን ኣባል ሰበካ ጉባኤ ቤተክረስትያን ቅድስት ስላሴ ሽረ ዲያቆን ስንታየሁ ይዛረብ።

"ዳርጋ ኩሎም ተላባዲ ዝመስል ሕማም ኣትይዎም ኣሎ። ናብ ትካላት ሕክምና ከይዶም ክሕከሙ ስለዘይክእሉ ኤም ኤስ ኤፍ [ዶብ ኣልቦ ሓኻይም] ምስ ካልኦት ተሓባቢሮም ናብቶም መነኮሳት ብምምጻእ ኣብ ዝተኸልዎ ተንቀሳቓሲ ክሊኒክ እዮም ዝሕከሙ ዘለዉ" ይብል ዲያቆን ስንታየሁ።

"ክሳብ ሎሚ ኣብ ሽረ ሰለስተ ኣቦታት ብሰንኪ ሕማም ሞይቶም ኣለዉ። እቶም ክልተ ኣብቲ ፈለማ ምስመጽኡ ደኺሞም ነይሮም። ምግቢ ክወስዱ ብዶክተር ተሓቢርዎም ነይሩ" ክብል የረድእ ዲያቆን ስንታየሁ።

ክልቲኦም መነኮሳት ካብ 35 ክሳብ 38 ዓመት ኣብ ዘሎ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ዝነበሩ ኮይኖም፡ እቶም ሳልሳይ ከኣ ኣብ 60ታት ዕድመ ዝነበሩ'ዮም።

ኣብዚ ጉዳይ ካብ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ መብርሂ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ዝተገብረ ፈተነ ክሰምር ኣይከኣለን። ቢቢሲ፡ ምላሽ ንምሃብ ቅሩባት ኣብ ዝኾኑሉ እዋን ድማ ናይ ምላሽ ዕድል ከምዝህቦም ከዘኻኽር ይፈቱ።

-------

ብሰንኪ'ቲ ኲናት፡ ኣብ'ቲ ክልል ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ኣብ ኩነታት ዓጸቦ ክበጽሑ እንከለዉ፡ ልዕሊ 5 ሚልዮን ድማ ተጸበይቲ ሓገዝ ከም ዝኾኑ ትካላት ረዲኤት ይገልጹ።

ልዕሊ 60 ሽሕ ድማ መብዛሕተኦም ካብ ምዕራብ ትግራይ ሃዲሞም ኣብ ሱዳን ኣብ መዓስከራት ተዓቚቦም ኣለዉ።

ዛጊድ በቲ ኲናት ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ፤ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዓመጽ ከምዝተፈጸመን፤ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን የመልክቱ።