ቅልውላው ትግራይ፡ ሰራዊት ፌዴራል ካብ መቐለ ንክስሕብ ጸቕጢ ዝፈጠረ ሓይልን ውዳበን ብኸመይ ማዕቢሉ?

ዝተማረኹ ሰራዊት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዝተማረኹ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብጎደናታት ከተማ መቐለ እንትሓልፉ

ኣብ ሕዳር 2020 ካብ ከተማ መቐለ ተደፊኦም ብከቢድ ደብዳብን ከበባን ናብ ኣኽራናት ትግራይ ዘንሳሓቡ፡ 'ደጊም ጠፊኦም እዮም' ክበሃሉ ዝጸንሑ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ሰኑይ 28 ሰነ 2021 ናብ ርእሰ ከተማ ክልሎም ተመሊሶም።

መንግስቲ ፈደራል ብኣየርን ምድርን መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ፈንዩ፡ ንገለ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ቀቲሉ ንካልኦት ድማ ማሪኹ፡ እቶም ዝተረፉ እውን ኣብ ፈቐዶ በዓትታትን ሰናጭሮን ተሸጒጦም ዕለተ ሞቶም ይጽበዩ ከምዘለው ክሕበር ጸኒሑስ፡ ንሰራዊት ፈደራል ካብ መቐለ ንክስሕብ ጸቕጢ ዝፈጥር ሓይልን ውዳበን ብኸመይ ማዕቢሉ?

እቲ፡ ንህወሓት "ኣሸባሪ ጉጅለ'ዩ" ዝሰየሞን ምስኡ ዝኾነ ይኹን ዲፕሎማሲያዊ ዘተ ከምዘይቅበልን ክገልጽ ዝጸንሐን መንግስቲ ኣቢይ፡ ስለምንታይ በይንኣዊ ስጉምቲ ወሲዱ ንምዝርራብ ቅሩብ እየ-ኢሉ ዝብል ሕቶ ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።

ቅድም ክብል፤ ካብ ሰራዊት ብጥሮታ ዝተሰናበቱ፡ ሕጂ ኣብ ኣመራርሓ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዘለው ገዳይም ተጋደልቲ ህወሓት ነበር፡ ሰራዊት ፈደራል ምስ ክልል ኣምሓራን፡ ሰራዊት ኤርትራን ብዝተወሃሃደ መጥቃዕቲ ኣጋር፡ ድሮንን ነፈርትን ከቢድ ብረትን፡ ካብ ሰሜን እዝ ንዝሓዙዎ ዘበናዊ ኣጽዋርን ተተኳስን ሎጂስቲክን ኣብ ሓጺር ግዜ ኣልሚሱ ከምዘዳኸሞም ሓቢሮም።

'ብሓቂ ሓመድ ልሒስና፡ ሓመድና ነጊፍና ኢና ንትንስእ ዘለና። ሕጂ ግን መናእሰይ ትግራይ ኣብ ህዝቦም ብዝወረደ ግፍዒ ሓሪኖም ነቲ ቓልሲ ስለዝተጸንበሩዎ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ተወዳዲብና ናብ መጥቃዕቲ ክንሰጋገር ኢና' ክብሉ ነቲ ዘጋጠሞም ብደሆ ገሊጾምዎ።

እንተኾነ ኣብ ፈቐዶ ኣኽራናት ኣብ ከበባ ኣለው ዝበሃሉ ዝነበሩ ሓይልታት ትግራይ፡ ብኽንድዚ ዝኣክል ቅልጣፈ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ፈደራል ጸቕጢ ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም ዝብል ግምት ከምዘይነበረ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ካብ ዝከታተሉ ኣቶ ብርሃነ ዮውሃንስ ይዛረብ።

ሓይልታት ትግራይ ከምዝማረኾም ዝገልጾም ወተሃደራት ፌዴራል ብጎደናታት ከተማ መቐለ እንትሓልፉ

ምንጪ ስእሊ, JOO PHOTOGRAPHER

መግለጺ ስእሊ, ዝተማረኹ ወተሃደራት ፌዴራል ብጎደናታት ከተማ መቐለ እንትሓልፉ

ወተሃደራዊ ወፍሪ

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ "ወፍሪ ኣሉላ ኣባ ነጋ" ብዝሰመዩዎ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ሓያሎ ክፍላተ ሰራዊት ፈደራል ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ከምዘስዓቡ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ወተሃደራት ከምዝማረኹን፡ ብርክት ዝበለ ከቢድ፡ ማእከላይን ፈኲስን ብረትን ተተኮስትን ተሽከርከርትን ከምዝማረኹ ገሊጾም።

ይኹን እምበር እቲ ወረ ብነጻን ዘይሻራውን ኣካል ኣይተረጋገጸን።

እቶም ማሪኽናዮም ዝበሉዎም ወተሃደራት እውን ብጎደናታት ከተማ መቐለ እንትሓልፉ ኣርእዮምዎም።

ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን፡ 'ብዙሓት ወተሃደራትን ሲቪላትን ምማቶም' ካብ ምግላጽ ሓሊፉ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት መንግስትን ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ዝወረደ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ዘረድእ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይተዋህበን።

ይኹን እምበር፡ ፈኮስቲ ብረት ከላሺንን ብሬንን ዝዓጠቐ ሓይሊ፡ እሞ ኸኣ "ተበታቲኑ ኣብ ከበባ እዩ ዘሎ" ክበሃል ዝጸንሐ ሓይሊ ብኸመይ ታንክታት መዳፍዕን ሞርታራትን ንዝዓጠቐ ምዱብ ሰራዊት ክደፍኦ ይኽእል? ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ እዩ ኾይኑ ዘሎ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስለምንታይ በይናዊ ውሳነ ምቁራጽ ተጻብኦ ከምዝወሰደ ንጋዜጠኛታት ከረድእ እንከሎ፡ ህዘቢ ትግራይ፡ ጸጥታዊ ውሕስነት፡ መግብን ኣገልግሎትን እናሃብናዮ ምስ ጁንታ ወጊኑ ተዋጊኡና ክብል፡ ንሰራዊት መንግስቲ ሓይልታት ምክልልኻል ትግራይ ዘይኮነ እቲ ህዝቢ ባዕሉ ከምዝተዋገኦ ኣረዲኡ።

'ህዝቢ ትግራይ እቲ ብረዲኤት ዝሃብናዮ መግቢ፡ ፍርቁ ንዕኡ ተጠቒሙ እቲ ዝተረፈ ነቲ ሰራዊት እዩ ዝህቦም። ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ከይተረፈ፡ ንኣጽዋር ከም ሬሳ ኣምሲሉ እናቐበረ ንሓይልታት ትግራይ ይሕግዝ ነይሩ' ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ ትግራይ ኣብቲ 'ሕጊ ምኽባር' ዝብሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ብዙሕ ወተሃደርን ሲቪሊን ከምዝሞተ፡ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ኣዋርሕ ከኣ፡ ንወተሃደራዊ ወጻኢታት፡ ንዕጥቅን ስንቅን፡ ንቀለብን ተተኳስን ከይሓወሰ፡ ንመንግስታዊ ኣገልግሎታት ጥራሕ፡ ልዕሊ 100 ቢልዮን ብር ወጻኢ ከምዝተገብረ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ኣቢዪ ኣህመድ [ዶ/ር]፡ መንግስቲ ፈደራል፡ "ነቲ ህወሓት ካብ ሰሜን እዝ ዝተቖጻጸሮ እስትራቴጂካዊ ኣጽዋር፡ ኣልሚስናን መሊስናን ናይ ምግባር ዓቕሙ ኣዳኺምና፡ ናብ ካልእ ቀደምትነታትና ክንኣቱ ወሲንና። ህዝቢ ትግራይ መንግስቲ ፈደራል ክገብረሉ ንዝጸንሐ ደገፍ ኣብ ግምት ስለዘየእተዎ፡ ናይ ጽምዋን ኣስተንትኖን እቲ ሓረስታይ ከኣ ረጊኡ ንክሓርስን ዕዮኡ ከካይድን" ብዝብል ብዝወሓደ ክሳብ መስከረም በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ከምዝወሰደ ተዛሪቡ።

ዕጡቃት ሓይልታት ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, AFP

'ሰራዊት ኣምሓራን ኤርትራን ካብትግራይ ጠቕሊሎም ክሳብ ዝወጽኡ እቲ ኵናት ክቕጽል'ዩ'

ኣፈኛ ህወሓት ጌታቸው ረዳ ግን ሰራዊት ፈደራል፡ ኣብቲ ን10 መዓልታት ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መጥቃዕቲ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ስለዝወረዶ፡ ብስም በይንኣዊ ውሳነ ምቁራጽ ተጻብኦ ተገዲዱ ካብ ትግራይ ከምዝሰሓበን ሰራዊት ፈደራልን ክልል ኣምሓራን ከምኡ እውን ሰራዊት ኤርትራን ካብ ምድረ ትግራይ ጠቕሊሎም ክሳብ ዝወጽኡ እቲ ኵናት ጠጠው ከምዘይብልን "ኣድላይ እንተኾይኑ እውን ንክልል ኣምሓራን ኤርትራን ክንኣቱ ንኽእል ኢና" ክብል ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ግን ንኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኢሳይያስ ካብ ስልጣን ክእለ ድሌትና እኳ እንተኾነ፣ ንኤርትራውያን ዝግደፍ እዩ። ንሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ክወጽእ ግና ክሳብ ዶባት ክንደፍእ ኢና'' ክብል ተዛሪቡ።

ኣብቲ ዝቐነየ ኲናት ዝተማረኹ ልዕሊ 7 ሽሕ ወተሃደራት ፈደራል መንግስቲ፣ ብዘይካ'ቶም ብገበን ዝሕተቱ ሓለፍቲ፣ እቶም ዝተረፉ ነናብ ዓዶም ክፋነዉ ምዃኖም ከኣ ገሊጹ።

ኣኽባሪ ሕግን ዳይናን ነበር ገዲም ተጋዳላይ ክፍለሓንስ ተወልደብርሃን፡ ምስ ግዜን ምዕባለን ኵናት እናተራቐቐ ከምዝመጽአን ብኡ መጠን ከኣ ቴክኖሎጂን መራኸቢታትን ከምዝዓበየን ብምግላጽ፡ ካብቲ ብዙሕ ረቛሒታት ናይቲ ሕጂ ዝተራእየ ለውጢ፡ እቶም ናብ ትግራይ ዝኣተው ሓይልታት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ግፍዒ ስለዝፈጸሙ፡ እቲ ህዝቢ ቅሒሩን ነዲሩን ናብቲ ቃልሲ ስለዝተሳተፈ ቅልጡፍ ለውጢ ከምዝመጽአ ይኣምን።

ከምቲ ተመራመርቲ ፖለቲካ ዝብልዎ፡ ዳርጋ ኩሉ ኩናት መቐጸልታ ፖለቲካዊ ቁርቁስ እዩ። ጉዳዮም ብዘተን ልዝብን ክፈትሑዎ ዘይከኣሉ ተጻረርቲ ሓይልታት ህይወት ሰብን ሃብቲ ሃገርን ኣጥፊኦም ኣብ መወዳእታ ናብ ዘተን ልዝብን ከምዝኣትው ተመኩሮታት ታሪኽ ይምስክር።

ቆልዑት ዝርከብዎም 350 ሽሕ ሰባት ንዓጸቦ ተቓሊዖም ኣለው

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

'እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ጎንጺ ትግራይ ኢትዮጵያ ዘተን ልዝብን እዩ'

ካብዚ ተመኩሮ እዚ ዝብገስ ንፖለቲካዊ ኩነታት እቲ ዞባ ብቐረባ ዝከታተል ናይ ነዊሕ ዓመታት ናይ ኵናት ተመኩሮ ዘለዎ መጎስ ብርሃነ፡- "መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ምእንቲ ሰላም እየ ቦታ ገዲፈ' ክብል፡ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ከኣ 'ስዕረት ስለዘጋጠሞ እዩ ተገዲዱ ወጺኡ' ክብሉ እትጽበዮ ነገር እዩ። እቲ ቀንዲ ዘገድስ ግን ክልቲኦም ወገናት ብሕጂ ዳግማይ ደም ከይፈስስ፡ ዳግማይ ዕንወትን ምክልባትን ከይስዕብ ርትዓዊ ዘተን ልዝብን ከካይዱ ይግባእ። ማሕበረሰ ሰብ ዓለም እውን ነቲ ጉዳይ ዕቱብ ኣቓልቦ ክገብረሉ ይግባእ" ክብል ክልቲኦም ወገናት ካብ ዳግማይ ህልቂት ክቑጠቡ ረጊኦም ክሓስቡን የዘኻኽር።

እቲ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ኲናት፡ ኣብ ትግራይ ከቢድ ዓጸቦን ሰፊሕ ምፍንቓልን ስለዘኸተለ ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራትን ትካላት ረዲኤትን ዝኸፍአ ሳዕቤን ከይመጽአ፡ ኩሎም ተዋጋእቲ ወገናት ተጻብኦታት ከቋርጹን ናብ ህዝቢ ህጹጽ ረዲኤት ክበጽሕን ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።

እንተኾነ፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንህወሓት "ኣሸባሪ ጉጅለ" ክብል ስለዝሰየሞ ዘተን ልዝብን ዕጽው ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ሕጂ ግን ኩነታት ተቐያይሩ ንከተማ መቐለን ዝበዝሐ መሬት ክልል ትግራይን ኣብ ኢድ ሰራዊት ሓይልታት ትግራይ ኣትዩ ብምህላው፡ "ዝሰምዕ ኣይተረኽበን እምበር ቀደም እውን እቲ ቀንድን መሰረታውን ፍታሕ ዝርርብ ተባሂሉ'ዩ። ሕጂ እውን ኣሻሓት ህይወትን ብሚልዮናት ዝግመት ንብረትን ኣጥፊኦም ናብ ዘተ ምምላሶም ዘይተርፍ እዩ" ይብል ኣቶ መጎስ።