ሓይልታት ትግራይ፡ ተኹሲ ደው ንምባል 7 ነጥብታት ዝሓዘ ቅድመ-ኩነት ኣቕሪቦም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ንኣስታት ሸሞንተ ወርሒ ምስ ፌዴራል መንግስቲ ኣብ ኲናት ዝጸንሑ መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ፡ ተኹሲ ጠጠው ንምባል፡ 7 ነጥብታት ዝሓዘ ቅድመ ኩነት ክማላእ ሓቲቶም።
ፌዴራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ሓይልታት ትግራይ ድሕሪ 7 ወርሒ ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቑጽጻሮም፡ በይናኣዊ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ኣዋጅ ዕላዊ ምግባሩ ይዝከር።
ነቲ ተኩሲ ጠጠው ምባል፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ምላሽ ዝሃበሉ መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ፡ ተኹሲ ደው ንምባል ብስነ ሓሳብ እንተተስማምዑ'ኳ፤ ተጻብኦታት ንምቁራጽ ተግባራዊ ክኸውን እንተኾይኑ እዞም ሸውዓተ ጉዳያት ብቕልጡፍ ክማልኡ ሓቲቶም።
ካብቶም ቅድመ ኩነታት ሓደ፡ ወተሃደራት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ቅድሚ ምጅማር እቲ ኲናት ናብ ዝነበርዎ ክምለሱን፡ ካብ ግዝኣት ትግራይ ጠቕሊሎም ክወጽኡን ዝብል ኣብ ቅድሚት ይርከብ።
መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፡ ነቲ ኲናት ስዒቡ ነቲ ብጉልበት ተወሲዱኒ እዩ ዝብሎ ሰፊሕ ምዕራብ ትግራይ ከምዝተቆጻጸረ ይፍለጥ።
ካልኦት ቅድመ ኩነታት
ናብ ቦቶኦም ተመሊሶም ከምዘለዉ ዝገልጹ መራሕቲ ትግራይ፡ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝበጽሐ ግፍዒ ብዘይሻራዊ ኣካል [ብውድብ ሕቡራት ሃገራት] ክጻረን ክምርመርን ሓቲቶም።
ኣብቲ ኲናት ተሳትፎ ዘለዎም ኩሎም ሓይልታት፡ ብኸቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክኸሰሱ ጸኒሖም እዮም።
ከምኡ'ውን፡ መብራህቲ፣ መንገዲ፣ ስልክን ባንክን ሓዊሱ ተቛሪጹ ዘሎ መሰራተዊ ኣገልግሎት ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ንቡር ክምለስ ይሓቱ።
ምስ'ዚ ብዝተኣሳሰር፡ ዓለምለኻዊ በረራታት መንገዲ ኣየር ብቐጥታ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ እቲ ክልል ክሰርሑ ከፍቅድ ሓቲቱ።
ካልእ ድማ፡ ብዘይ ዝኾነ ገደብ፡ ሰብኣዊ ረድኤት ናብቲ ክልል ዝኣትወሉ መገዲ ክመቻቸ፡ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋትት ናብ መንበሪኦም ክምለሱ ዝብል 'ውን ይርከቦ።
ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ክኽበርን ንዝካየድ ዝርርብ ዓንዲ ኮይኑ ከገልግልን'ውን ዝጠልብ እቲ ቅድመ-ኩነት፤ ናይዚ ዓመት ባጀት ክልል ትግራይ ብህጹጽ ክልቀቕ፡ እንተኾነ፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ፌዴራል ናብ'ቲ ክልል ከይንቀሳቐሱ ዝብል'ውን ይርከቦ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዞም ዝተዋህቡ ቅድመ ኩነት ዝኾነ ዝሃቦ ምላሽ የለን።
በይናኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት
ንልዕሊ 10 መዓልታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ክልል ሓያል ውግእ ይካየድ ከምዝነበረን ሓይልታት ትግራይ ኣብዝሓ ግዝኣት'ቲ ክልል ከምዝተቖጻጸሩን ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል [ዶ/ር] ካብቶም ናብ መቐለ ተመሊሶም ዘለዉ መራሕቲ ሓደ ኾይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ምስ ነበርቲ'ታ ከተማ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ ሓይልታቱ ኣብ ልዕሊ 'ጸላእቱ' ዓወት ከምዘመዝገበ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብቲ ብትግራይ ሚድያ ሃውስ ዝተመሓላለፈ ዘረብኡ፡ ካብ ወትሮ ቅጥንጥን ኢሉ ዝተረአ ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ በጺሑ ዝበሎ ግፍዒ ብምዝኽኻር "ዘይተዓጽወ ሒሳብ ኣለና" ክብል ተዛሪቡ።
መራሕቲ ፌዴራል ኢትዮጵያ ግን፡ እቲ ምስሓብ ወተሃደራት 'ፖለቲካዊ ውሳነ 'ምበር ወተሃደራዊ ስዕረት ኣይኮነን' እዮም ኢሎም። በይናኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ድማ ኣዊጆም።
ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን፡ ንህሉው ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ መንግስቲ ንዘተ ድሉው ምህላዉ'ውን ገሊጹ።
እቲ ኵናት ሕዚ’ውን ከይቅጽል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዘለዎ ስክፍታ ገሊጹ ኣሎ።
ሰብኣዊ ቅልውላዉ
ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ንዓጸቦ ተቓሊዖም ከምዘለዉ ገሊጾም።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንኹነታት ትግራይ ኣመልኪቱ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዘካየዶ ፈላማይ ኣኼባ፡ ኣብታ ክልል 33 ሽሕ ዝኾኑ ህጻናት ብጉድለት ምኣዛዊ መግቢ ማሲኖም ከምዘለዉ ገሊጹ።
ብዘይካ እዚ ኣስታት 1.8 ሚልዮን ካብ ህዝቢ እቲ ክልል’ውን ብሰንኪ እቲ ኣብ'ታ ክልል ንሸሞንተ ወርሒ ዝተኻየደን ዝቅጽል ዘሎን ኵናት ሓደጋ ዓጸቦ ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ሰብ መዚ ሕቡራት ሃገራት ኣብሪሆም።
ኣመሪካ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ዓለምለኻውያን ትካላትን ብወገኖም፡ "ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት" ይስርሓሉ ኣሎ ዝብል ክሲ ብምቕራብ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይዝኾነ ገደብ ናብቲ ክልል ክኣቱ ክጽውዑ ጸኒሖም'ዮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







