ቅልውላው ትግራይ፡ መንግስቲ ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት 'ብሓይልታት ትግራይ ወራር ተፈጺሙኒ' ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, YASUYOSHI CHIBA
መንግስቲ ክልል ኣምሓራ፡ ሓይልታት ትግራይ ኮረምን ኣላማጣን ኣብ ዝርከብኦም ዝተፈላለዩ ከባብታት “ወራር ከምዝኸፈቱ” ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣብ ደቡባዊ ትግራይ ዝርከባ ከተማታት ኮረምን ኣላማጣን ኣብዚ ሰሙን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ዝኣተዋ ኮይነን፤ ብተወሳኺ’ውን ወልቃይት ጸገዴን ሰቲት ሑመራን ንምሓዝ ጻዕሪ ይገብሩ ምህላዎም ኣብ መግለጺኡ ኣመልኪቱ።
ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ኮረም ብሰኑይ ኣጋ ምሸት ከምዝተቖጻጸሩ ወሃቢ ቓል ህወሓት ኣይተ ጌተቻው ረዳ ንሮይተርስ ተዛሪቡ ነይሩ። ንከተማ ኣላማጣ ድማ ሰኑይ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ከምዝሓዝዋ ነበርቲ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ትማሊ ሰሉስ ኣማሲዩ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ “ህዝቢ ኣምሓራ ሕቶ መንነትን ወሰንን ብምልዓል ክቃለሰሎም ዝጸንሑ ከባብታት ራያ ኣላማጣን ኮረምን ዳግም ብምውራር ንወልቃይት ጸገዴን ሰቲት ሑመራን እውን ብሓይሊ ንምሓዝ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ” ክብል ንሓይልታት ትግራይ ከሲሱ።
“ህወሓት ንትግራይ ምስ ኣምሓራ ኣብ ዘዳብዉ ኩሎም ኣንፈታት መጠነ ሰፊሕ ወራርን መጥቃዕትን ይፍጽም ኣሎ” ብምባል ህዝቢ ነቲ ጉዳይ ምስ ህልውና ኣተሓሒዙ ክሪኦን ኩለመዳያዊ ምድላው ክገብርን ጻውዒት ኣቕሪቡ።
መንግስቲ ክልል ኣምሓራ “ተወሪሮም” ዝብሎም ዘሎ ኣብ ደቡባውን ምዕራባውን ትግራይ ዝርከቡ ከባብታት ቅድሚ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ኣብ ትሕቲ ምምሕዳራዊ ግዝኣት ትግራይ ከምዝነበሩ ይፍለጥ።
እንተኾነ መንግስቲ ፌደራል “ሕጊ ምኽባር” ብዝብል ኣብ ትግራይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ምስኣዘዘ ናብቲ ክልል ዝኣተዉ ሓይልታት ኣምሓራ ንዝተፈላለዩ ከባብታት ምዕራባውን ደቡባውን ትግራይ “ብሓይሊ ዝተወሰደና ብሓይልና ኣምሊስና” ብዝብል ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ተቖጻጺሮም ምጽንሖም ይዝከር።
ወልቃይት፣ ጸገዴ፣ ሰቲት ሑመራ፣ ጸለምቲን ራያን ካብ ኣምሓራን ትግራይን ሕቶ ይግባኣኒ ዝለዓለሎም ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትግራይ ዝጸንሑ ከባብታት እዮም።
ቅድሚ ሰሙናት መንግስቲ ኢትዮጵያ በይነኣዊ ተኹሲ ደው ምባል ብምእዋጅ ወተሃደራቱ ካብ መቐለ ከምዘውጽአ ወግዓዊ ገይሩ ነይሩ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን ግብረ-መልሲ ዝሃበ ህወሓት እቲ ኣዋጅ ግብራዊ ክኸውን ክማልኡ ኣለዎም ዝበሎም 7 ቅድመ ኩነታት ኣቐሚጡ’ዩ።
ቅድሚ እቲ ኲናት ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበሩ፤ ኲናት ምስጀመረ ግን ፍሉይ ሓይልን ምሊሻታትን ክልል ኣምሓራ ዝተቖጻጸርዎም ቦታታት ትግራይ “ክልቀቑ ኣለዎም” ዝብል ኣብ ሞንጎ’ቶም ዝተቐመጡ ቅድመ-ኩነት ይርከብ።
መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝሃብዎም መግለጺታት ድማ እዞም ስፍራታት ተመሊሶም ኣብ ቁጽጽር ትግራይ ክሳብ ዘይኣተዉ እቲ ኲናት ደው ከምዘይብል ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።
መንግስቲ ፌደራል ግን ነቲ ብወገን ትግራይ ዝቐርብ “ሓይልታት ኣምሓራ ካብ ከባብታት ምዕራብን ራያን ይውጽኡ” ዝብል ኮነ ትማሊ “ወረራ ተኸፊቱኒ” ብዝብል መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዘውጽኦ መግለጺ ብዝምልከት ዛጊት ዝሃቦ ርእይቶ የለን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







